ሰራዊት ህግደፍ ብዓቐን ኮነ ብዓይነት ኣዝዩ ብምድኻሙ ኣዘዝቲ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝኣተውን ተገሊጹ።
ብዓቐንን ብዓይነትን ምንቁልቋል ወተሃደራቶም ዘሻቐሎም ጀነራላት ህግደፍ፡ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ሓውሲካ፡ ዓዲ ዓዲእናኸዱ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ገፊፎም ኣብ ከባቢ ዓላ ናብ ወተሃደራዊ ተዕሊም የእትውዎም ከም ዘለው ቤት ጽሕፈት ዜናሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ20 መጋቢት 2017 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ዜና እቲ ሰልፊ ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ከባቢ ከረን ንመንበሪ ውጉኣት ሓርነት ተባሂሉ ዝተሃነጽ ኣባይቲ ንሓደ ኩባንያከም ዝተዋህበ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ውጉኣት ኲናት ጸገም ከይፈጥርሉ ብምስጋእ፡ “ነናብ ትደልይዎ ዞባታት ክትከዱትኽእሉ ኢኹም” ብዝብል ምስምስ ፋሕፋሕ የብሎም ከም ዘሎ፡ ይኹን ‘ምበር እዞም ምሉእ ኣካል ዘይብሎም ሓርበኛታትተበታቲኖም ናብ ዝኸድዎ ቦታ ስለ ዘይብሎም ኣብ ከቢድ ጸገም ውዲቖም ምህላዎምን ኣረዲኡ።
Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ