
መዳርግቲ ዘይብሉ መጠነ-ሰፊሕ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ መዓትን ኣደራዕን መጠነ-ሰፊሕ ስለ ዝዀነ መዳርግቲ የብሉን። መንግስቲ ዝመስል ግን ከኣ ናይ ሸፋቱ ዝስርሑ ህግደፍ ናይ ህዝብና ሰብኣዊ-መሰላት መንዚዑ፣ ቊጠባዊ ዓቕሙ ኣዳኺሙ፣ ፖለቲካዊ መሰላቱ ሓሪሙ፣ ፈትሊ ማህበራዊ ዝምድናታቱ በታቲኑ ወዘተ ንዕስራን ሽዱሽተን ዓመታት ክኸይድ ጸኒሑ ገና ድማ ይቕጽል ኣሎ። ብሕጽር ዝበለ ህግደፍ ንህዝብና ኣብ ዓቢ ጸገም ኣእትይዎ ይርከብ። ብምዃኑ ዝኸኣለ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና ኣብ’ታ ሃገር ናይ መጻኢ ተስፋ ስለ ዝሰኣኑ ካብ ናይ ቀደም ብዝኸፍአ መልክዑ ናብ ስደት ገጾም ኣምሪሖም ምስዳድ ካብ ዝጅምሩ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቚጺሩ ኣሎ። እዚ ብጅምላ ዝስደድ ዘሎ ህዝቢ ስለምንታይ እዩ ኢሉ እቲ ሓቂ ዥዀነ ምኽንያት ረኺቡ ፍታሕ ንምርካብ ፖሊሲታቱ ክቕይር ብቕዓት የብሉን ህግደፍ። እንታይ ደኣ ህግደፍ ናይ ጸጥታ መሓዉራቱ ዘርጊሑ ኣብ ዶብ ክሰግር ከሎ ዝተራእየ ሰብ ብጥይት ህረም ዝብል ትእዛዝ ኣትሒዙ እዩ ልኢኹ። በዚ ኣገባብ’ዚ ከኣ ሰብ ይቐትል። ኣምሊጡ ንዝተሳገረ ግን ህግደፍ ዘቐመጦ ካልእ መቕጻዕቲ ኣሎ። ንሱ ከኣ ነዝማድ’ቲ ዶብ ዝሰገረ ሰብ ብዓቐን ዘይብሉ ገንዘብ ዕዳ ክኸፍሉ የገድድ። እንተዘይከፈሉ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይብስብሱ። ዶብ ክሰግሩ ዝተታሕዙ ብዘስካሕክሕ መቕጻዕቲታት ተሰንዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ይበልዩ። እዚ ብናይ ኣህጉራዊ ገበናዊ መጽናዕቲ ዝተረጋገጸ ጉዳይ እዩ። ህግደፍ ሕጂ ኣምጺእዎ ዘሎ ግን ብጣዕሚ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ዶብ ክሰግሩ ዝሕዞም ከም ናይ ቀደም ናይ ውግእ ምሩኻት ኣተሓሕዛ ይሕዝ ኣሎ። እዚ ማለት ነቶም ኣብ ስግረ-ዶብ ዝተታሕዙ ከም ምሩኻት ቈጺሩ ባራዩ ኣገልገልቲ ናቱ ገይሩ ልክዕ ናይ ባርነት ስራሕ ከም ዝሰርሑ ይገብር ኣሎ። ንኣብነት ሓንቲ ዝተሸገረት ኣደ ቈልዑ ሰበይቲ ደቃ ሒዛ ዶብ ክትሰግር እንተታሒዛ፣ እታ ሰበይቲ ንሓለፍቲ ሰራዊት ከም መጋቢት ከም ትሰርሕ ይኸውን። እቶም ቈልዑ ደቃ ከኣ ካብ ኣዲኦም ፈልዮም ናብ ኣፍዓበት ወይ ናቕፋ ሓንጎሎም ንምሕጻብ ይወስድዎም። ብተወሳኺ ህዝብና ወላ እንተተሰደደ ህግደፍ ገደፎ ማለት ዘበት እይ፣ ኣይገድፎን እዩ። ደድሕሪኡ እዮም ዝኸዱ። ኣብ ዝኸድዎ ከኣ ክብድልዎን ሓንጎሉ ከም ዝደልይዎ ሓጺቦም ገንዘቡ ክወስዱ ዘይገብርዎ ነገር የለን። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ኤውሮጳ ዝተረኸበ ብጀጋኑ ደቂ ፍትሒ ዝፈሸለ ኣዛራቢ ዝነበረ ጉዳይ ንንኣሽቱ ቈልዑ ሓንጎሎም ክሓጽቡን ከደናግሩን ብማንኪ ዝተፈተነ ሓደ ካብ’ቲ መደባት ህግደፍ እዩ። ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ዕለት 24-04-2017 ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ብወኪል ህግደፍ ኣኼባ ከም ዝገበረ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ወኪል ዘሕለፎ መልእኽቲ ግን ብጣዕሚ ዝገርም እዩ። ሓደ ካብ’ቶም መልእኽትታት ናይ’ቲ ወኪል ወረቓቕትኹም ከተሕድሱ እንተደሊኹም ንኤርትራ ከድኩም ኢኹም ኣሐዲስኩም ትምለሱ ዝብል እዩ ነይሩ። እቲ ኣኼበኛ እዚ ምስ ሰምዐ ንጣዕሚ ገሪምዎ ስቚ ኢሉ ባዕሉ ተበታቲኑ ከም ዝኸደ ተፈሊጡ ኣሎ። ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ! ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ-ሕድሪ 26-04-2017