ዓለምለኻዊ ተበግሶ
ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ
ለካቲት 17፡ 2017
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን፡-

ታሪኻዊ መበገሲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዝኽሪ’ቲ ብ1908 ዝተገብረ ኣድማ ናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ትካል ዓለባ፡ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ለካቲት 28: 1909 ብማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣመሪካ ተወዲቡ ተባዒሉ። ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክብርን ኣበርክቶን ኣብ ንጽምብለሉ: ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ምምካት ኩሎም ሽግራት ሕብረተሰብናን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ተጋደልቲን ኣዴታትን ኣሓትን ዝኸፈለኦ መስዋእቲ፥ ዘበርከተኦን ዘበርክተኦ ዘለዋን ጅግንነታዊ ግደ ክብ ዝበለ ሞጎስን ክብርን ይግበአን። እዚ መዓልቲ እዚ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ዓንዲ-ማእከል እታ ክብርቲ ስድራ-ቤት ኤርትራ ብምዃናን ናይ ቆልዑን መንእስያትን ናይ ኣረጋውያንን ጸዋሪትን ሓብሓቢትን ብምዃና ዓቢ ክብርን ኣፍልጦን ክንህቦን፣ ብስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ነባሪ ክብረን ህያው እንገብረሉን መዓልቲ ኪኸውን ይግባእ።
ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን፡ ነዚ ናይ መጋቢት 08፡ 2017 ኣገዳሲ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ፡ ነቲ ኣዝዩ ሓያል ህዝባዊ ምንቅስቓስ (Grassroots Movement) ማዕረ -ማዕረ እቲ ዘካይዶ ናይ ጎስጓስን ምልዕዓልን ኣስተምህሮታት፡ ናብ ተግባራዊ ህዝባዊ ትካላት ዝሰጋገረሉ ድርብ ታሪኻዊ ዕለት ንኽኸውን ንኩሎም ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ጻውዒቱ የቕርብ።
ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ኣኣብ ዘለዉዎ ከባቢታት ከተማዊ/ኣከባብያዊ ባይቶ ንምትካልን ነቲ ድሮ ቆይሙ ዘሎ ንምሕያልን – ናይ ምርጫ ሽማግለታት ዘቑመሉን ዝመርጹሉን ዕለት ንምግባሩ፣ ነቲ ዓብይን ቅዱስን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ መዓልቲ ፍትሕን ሓርነትን ስድራቤታት ኤርትራ ንክኸውን፣ነቲ ንሃገርን ህዝብን ዘብርስ ዘሎ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ንምልጋስ፣ ኩሎም ኤርትራውያን ጻዕርታቶም ምእንታን ክድመር ብንጥፈት ክሳተፍዎ ብትሕትና ይጽውዕ።
ሃገርናን ህዝብናን፣ ብፍላይ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮናን ኣብ ጸልማት ባርነት፣ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ ህጹጽነቱ ናይዚ መጸዋዕታ፣ ብዕቱብ ክትርእይዎ ነማሕጽን።
ሰነዳት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ http://www.snitna.com/gieegm/gieegm.html
ዝኾነ ሕቶ ወይ ርእይቶ ምስዝህልወኩም በዚ ጸሓፉልና gieegm@googlegroups.com