ዳግመ ውደባ ኣባላት፡
ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ጨንፈር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብሩ ኣባላት ውድብና ብዕለት ጥሪ 29-2017 ሓባራዊ ኣኼባ ብምክያድ ዳግመ ውደባ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ፡፡ እቲ ኣኼባ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ውደባን ወጻኢ ዝምድናታትን ተማእኪሉ ከምዝተካየደ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከምዝሓበሮ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ውደባን ወጻኢ ዝምድናታትን ግሃድኤ-ሕድሪ ነቶም ኣባላት ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ሃገርናን ውድብናን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃበ፡ ኮምኡውን ኣብ ኣባላት መሪሕነት ውድብና ከጋጥም ዝጸንሐ ጉድለታትን፡ ኣብ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ- ሕድሪ ዝተወሰዱ ስጉምትታትን ውሳኔታትን ኣመልኪቱ ብዝርዝር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ በቶም ኣባላት ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ግቡእ መብርሂ ከምዝተዋህበ ተገሊጹ፡፡
ኣብ መደምደምታ እቶም ኣባላት ካብኦም ዝጥለብ ኩሉ ከበርክቱ ድልዋት ከምዝኾኑን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ግሃድኤ-ሕድሪ ደው ከምዝብሉን ሓቢሮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ጨንፈር መሪሕነት ብምምራጽ ኣኼብኦም ከምዝዛዘሙ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ
ጥሪ 30-2017