ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDR Secretariat of the Central Council

Image result for ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT

 

ናይ ሓዘን መግለጺ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም

 ናይ ሓዘን መግለጺ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም ኣቦ-መንበር ፈጻም ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ’ዛ ዓለም እዚኣ ብመስዋእቲ ከም ዝተፈለየ ዝገልጽ መርድእ ሰሚዕና። ካብ ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ማሕበር ሸውዓተ) ጀሚሩ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ዝቐጸለ፣ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ’ውን እንተዀነ ሰብኣዊ፡ ማሕበራዊ፡ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ኩሉ መዳያዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ብዘይዕረፍቲ እንዳተቓለሰ ከሎ ካብ’ዛ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ፣ግሃድኤ-ሕድሪዝስምዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ።

ንስዉእ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማሪያም መንግስተ-ሰማይ ይቀበሎ፣ ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ከምኡ’ውን ምሉኣት ቤተ-ሰቡንናይ ቃልሲ ብጾቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም።

ማሕሙድ መሓመድ ዓሊ

ኣቦ-አንበር ሰክረታርያ ማእከላይ ባይቶ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *