ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃበራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ፍራንክፈርት

ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃበራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኣብ ፍራንክፈርት

 ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዶ/ር በሺር ኢስሓቕን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ዶ/ር ዮሱፍ ብርሃኑን እቲ ንነዊሕ እዋን ብተደጋጋሚ ክናዋሕ ዝጸንሐ መስርሕ ምስንዳእ 2ይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ኣበይ ኩነታት በጺሑሎ ንክጁሎም ንኣባላቱን ደገፍቱን ኤ ሃ ባ ንዲ ለ ኣብ ጀርመን ንምሕባርን ምብራህን ካብ ህዝቢ ዝቐርቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን ደጋፊ ይኹን ነቓኣፊ ሓሳባት ንምቕባልን ምስማዕን ንዕለት 15 01 2017 ዓ ም ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዖም ስለ ዘለዉ ኩሉ ኣገዳስነትን ቀጻልነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደ ሞክራስያዊ ለውጢ ዘገድሶ ኤርትራዊ ኣብዚ ተጸዊዑ ዘሎ ኣኼባ ተረኺቡ ኣፍል ጦኡ ከዕዝዝን ሃናጺዩ ዝብሎ ሓሳቡ ከካፍልን ብኣኽብሮት ንዕድምን ንጽውዕን።

ዕለት 15 ጥሪ 2017 ዓ ም (15 01 2017ዓ ም) ስዓት 13:00 (ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ)

ቦታ Saalbau Niederad Heinrich-Stahl Strasse 3 65934 Frankfurt Am Main

ብደሓን ምጹ ኣዳለውቲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *