ምስሉዩነት ዝሕላገቱ ዒንኪላሎ ቃልሲ
ብመጀመርያ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ!! 2017 ዓመተ ራህዋ ዓመተ ፍትሒ ዓመተ ምትእኽኻብ ዓመተ ፍቕርን ምርድዳእን ምክብባርን ብዓቢኡ ድማ ዓመተ ሰላምን ብልጽግናን ክትኮነልና ሰናይ ምንዮተይ ክገልጽ እፈቱ።
ብምቕጻል ከም ውልቃዊ ትዕዝብተይ ዝሓለፍናያ ዓመት 2016 ከመይ ከመይ ነበረት ? ብሕጽር ዝበለ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ መኣዲ ደምበ ተቓውሞ ኢድና መሊስና ዘለና: ጽቡቕን ሕማቕን ሸነኻቱ በታ ንእሽቶ ዓቕመይ ክድህስሶ ክፍትንየ። ብዛዕባ እቲ ዓብይ ውራይና: ዓሚቕ ገምጋም ስርዓት ህግደፍን ዝጽበዮ ዘሎ ናይ መጠረሽታ ዕጫ ጥፍኣቱን ፍጹም ኣዕናውን ቀታልን ባህርያቱን ብመገዲ ሳክቲዝም ወጺኡ ስለ ዘሎ ንዕኡ ምንባቡ ዝሓሸን ዝበለጸን እዩ።
ከም ውልቃዊ ትዕዝብተይ: ከምቲ ድሕሪ ከቢድ ናይ ወጋሕታ ጸላም ብብርሃን ዝሰዓር: ዓመተ 2016 ካብ ኩለን እተን ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ፍትሒ ዘሕለፍናየን ዓመታት: እታ ኣዝያ ፈታኒትን ጭንቂ ዝወለዶም ሕድሕድ ዝራጸሙ ዛዕባታት ዝራኣናላን ዝሰማዕናላን ዓመት ኢያ ነይራ ከብል እደፍር። ንሱ ጥራይ ውን ዘይኮነ ዓመተ 2016 ማዕረ ወርቂ ዘንጸባርቑ: ካብ ምንጽብራቕ ሓሊፎም ንኣዒንቲ ሓቂ ዝደጉሑ: ብስም ፍትሕን ውጹዕ ህዝብን ዝዝምሩ ኢፍትሓውያን ተቓለስቲ ዝረኣናላ ዓመት ውን ኢያ።
በቲ ጽቡቕ ሸነኹ ንምጅማር ዓመተ 2016 ልዕሊ ዝኾነ ዓመታት ተዶጊሉ ዝጸነሐ ስሚዒት ህዝቢ ኤርትራ ገንፊሉ ኣብ ኣደባባይ ዝፈሰሰሉ ዓመትዩ። ኣዝዩ ብዙሕ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ቁጽሪ: ዝጥርንፎ ኣማራጺ ሓይሊ ድኣ ስኢኑ እምበር: ኣንጻር ምልኪ ስርዓት ህግደፍ ዝዓቕሙ ጸጸር ክድርቢ ብትብዓት ኣብ እስራኤል ጄኔቭ ኒውዮርክ ኢትዮጵያን ካልእ ቦታታትን ከም ጋሻ ውሕጅ ብናህሪ ክውሕዝ ዝረኣናሉ ዓመት’ዩ።
ኣብ ዓመተ 2016 ኣብ ርሑቕ ስደት ዝተራኣየ ኣዝዩ ከቢድ ምልዕዓል ድጉል ስሚዒት ህዝቢ ኣብ ናይ ልዕሊ ዓሰርተው ዓመታት ቃልሲ ደምበ ፍትሒ ክትገልጾ ዝኸብድ ስሚዒትን ሞራልን ፈጢሩ እዩ። ብፍላይ እቲ ንነገራት ብህድኣት ክዕዘቦም ብዘምስል ኣድብዩ ዝጸነሐ ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ መንእሰይ ንኣደባባያት ጀኔቭ ስዊስ ተልኣቢብ እስራኤል ኒውዮርክ ኣመሪካ ኣዲስ ኣበባን መዓስከራት ስደተኛታትን ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ ውዳበ ግን ድማ ሓደ ዝድምጹ ቅኒት ፍትሒ: ኣሽምባይ ንተደናጋጻይ ነቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ውን ከም ዝስንብድን ዝርዕድን ገይርዎ ኢዩ።
ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስለያዊ ሓለዋን ቁጽጽርን ዝርከብ ህዝብን ሰራዊትን እውን ንፍርሒ ስዒሮም ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ሓሲሙናሎ ክብልሉ ዝጀመርሉ ዓመት እዩ። መረረ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝቢ ካብ ሕሹኽታ ናብ ዓውታ ዝተሰጋገረሉ ዓመት ውን እዩ።
ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተው ክልተ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ካብቲ ኣብ ባርነታዊ ዕስክርና ስርዓት ህግደፍ ተታሒዙ ዝጸነሐ ጠበብጃ ዝዓጠቐ ወተሃደር: ዶባት ጥሒሱ ብጅምላ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ዝተራኣየሉ ዓመት ውን’ዩ። መሳርዓትካ ገዲፍካ ምኹብላልን ማዕሪኡ ሰፋሕቲ ግፋታት ምክያድ ከም ንቡር ኣብ ዝተወስደሉ ግዜ: ኣብ ታሪኽ ንመጀመርያ ግዜ: ካብ ኮርመናዕ ናብ ዓሰብ ዝጋዓዙ ዝነበሩ ተዓላሞ: ኣብ ማእከል ኣስመራ ብዝገበርዎ ናይ ምብታን ኣብያ: ኣብ ማእከል ሹቕ: ኣብ ማእከል እኩብ ህዝቢ ማይ ኣባሻውል ጭልቅዓት መንእሰያት ዋጋ ዝኸፈልናሉን ዘይርሳዕ ፍጻመ ዝረኣናሉን ዓመት ውን’ዩ።
ብሕጽር ዝበለ ዓመተ 2016 ዘይጥርኑፉን ውዳቤ ዝጎደሎን ተቓውሞ ህዝቢ ኣንጻር እቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጥርዚ ጫፍ ዝዓረገሉ ዓመትዩ ነይሩ።
ናብቲ ኣሉታዊ ሸነኻቱ ምስ ንምለስ ድማ: ዓመተ 2016 ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ውን ኣብቲ ድጉል ስሚዒቱ ስዒርዎ ናብ ኣደባባይ ፍትሒ ሓቂ ተዓጢቑ ብፍኑው ብማዕበል ዝወሓዘ ተቓዋሚ ኣዝያ ፈታኒት ዓመት ምንባራ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ደምበ ተቓውሞ ብጽምዋ ዝተዋሕጠ ምንባሩ ኩልና ንፈልጦ ሓቂዩ። ስለምንታዩ እቲ ንኹሉ ሕሰምን ክፍኣተ መጋብርን ስርዓት ህግደፍ ብኣካል ዝፈልጥ: ንሰሃራን ባሕርን ተሳጊሩ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ህይወቱ ዘማዕቀበ መንእሰይ ኣብ መኣዲ ደምበ ተቓውሞ ኢዱ ዘይሕውስ: እጃሙ ዘየበርክት ናይ ኩልና ሕቶን ነቐፌታን ምንባሩ ውን ዝፍለጥ’ዩ። እታ መልሲ የማነ ጸጋም ዘይብላ ንኣዒንቱ ዝማርኽ ኤርትራ ዝብል ደሚቕ ሕብሪ ክርኢ ስለ ዘየከኣለ እዩ። ዘልሓጥ መበሊኡን ነቲ ኩነታት ክዕዘብ ግዜ መውሰዲኡን ናቱን ናይቲ ድሕሪኡ ዝገደፎን ትርግታ ልቢ ዘዳምጹ ለባማት ውድባት ስለ ዘይረኣየ እዩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ብዘይ ቀልዓለም ሕብርታት በዚሕዎ ዕውንውን ኣትይዎ። ዘፍርሑን ዘሰንብዱን ምትእኽኻባት ሰጋእ ኣቢልዎ ዝግ ድሕሪ ዋንጫ ክመርጽ ተገዲዱ ኢዩ። እዚ ኮይኑ ግን ኣብ መጠረሽታ ድጉል ስሚዒታቱ ደፊእዎ ብዘይ ጥርኑፍ ውዳበ “ህዝበይ’ዩ ውድበይ!!” ብዝብል መሪሕ ጭረሖ ክትኣምኖ ብዝኸብድ ንኣደባባያት ጀኔቭ እስራኤል ኣመሪካ ኢትዮጵያን ካልእ ቦታታትን ፍትሒ ብዝብል ሓደ ዝቕኒቱ ድምጺ ከም ዝናወጽ ገይርዎን ኣቓልቦ ስሒቡን ኢዩ።
እቲ ሕጂ ክዛረበሉ ዝደሊ ዛዕባ እምበኣር እቲ ድሕሪ’ዚ ዓብይ ምንቕናቕ ዝተራኣየ ግዕዘይ ምዕዘይን ንምብትታኑን ምልማሱን እንተስ ብፍላጥ ሓደው ብተልእኾ ዝተገብረ ዘሕዝን ተርእዮ እየ።
ኣብ ዓመተ 2016 ኣብ ምብታን እቲ ማዕበላዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ኣዝዩ ዘሕዝን ስራሓትዩ ተኻይዱን ዝካየድ ዘሎን። ንምቅዋም ደፊሩ ብትብዓት ብማዕበል ንዝወጸ ሰብ ካብ ክትብትኖ ክትውድቦ’ዩ እቲ ዝቐለለ ስራሕ ነይሩ። ኮይኑ ግን እቲ ድሒርና ዝረኣናዮ ከምኡ ዘይኮነ ብኣንጻሩዩ ነይሩ። ዝተፈላለዩ ሓቂ ዝመስሉ ግን ድማ ፍጹም ጥቓ ሓቂ ዘይቀርቡ ተኻሻሕቲ ዛዕባታት ብምልዓል ስሚዒት እቲ ብማዕበል ዝተንሰአ ህዝቢ ከም ዝትንክፍን ሰገጥ ከም ዝብልን ተገይሩ እዩ።
ሕነ ክትፈዲ ኣስናንካ ምሕርቃም። ስርዓት ህግደፍ ንሓደ ሃይማኖት ወይ ውን ኣውራጃ ከም ዝውክል ገይርካ ክትሰብኽ ምፍታን። ተሰማዒ ዛዕባታት ሒዞም ንዝወጹ ሓቀኛታት ተባዓት ተቓለስቲ ልኡኻት ህግደፍን ወያነን እናበልካ ምንጻልን ምጽላምን። ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ብፍላይ ድማ ንውድብ ህውሓት ብተደጋጋሚ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ብምልዓል ሓደገኛ ጥርጣረታት ምፍጣር። ኣብ ኤርትራ እስላማዊ ስርዓት ክትከል ባዶሽ ፍልስፍና ከም መፈራርሒ መርዚ ምንስናስ። ማዕሪኡ ኤርትራ ናይ ክርስትያን ሃገርያ ብምባል ተኸባቢሩ ንዝነብር ህዝቢ ብዓይኒ ጽልኢ ከም ዝረኣኣይ ምግባር። ነቲ ፈታዊ ጥራይ ዘይኮነ ጸላኢ ውን ብዓውታ ዝመስከረሉ ጅግንነት ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ሽፍትነትዩ ነይሩ ዝብል ሓደገኛ ዛዕባ ምንቁሻሽ። ኣውራጃዊ ስሚዒታት ኣለዓዒልካ ነቲ ኣብ ፈጽሚ ዝቐረበ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ምሕንካል። ልዕሊ ዝኾነ ድማ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ደቁ ዝኸፈለሉን ብዓው ዝበለ ሕቡር ድምጹን ዘረጋገጾን ነጻነት ኣብ ሓደጋ ምእታአን ንናጽነት ኤርትራ ምኽሓድን ኣብዛ ዝሓለፍናያ ዓመት ዓመተ 2016 ዝረኣናዮም ዘሕዝኑ ትራጀዲታት እዮም። ኩሎም እዞም ዝጠቐስኩዎም ካብቲ ብዙሕ ግዕዘይ ምዕዘይ እቶም ፍሪያት እዮም። ኣብ ምብታን እቲ ብማዕበል ተላዒሉ ዘሎ ድምጺ ፍትሒ ድማ ከቢድ ሃስያን ምትዕንቓፍን ገይሮም እዮም።
ኣብ መጠረሽታ ንኹሉ ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮ ኣዝዩ ከቢድዩ። ነቲ ከም ናይ ውልቂ ትዕዝብተይ ዘስፈርኩዎ ሓቅታት ሕጂ ውን ውልቃዊ ርእይቶይ ብምስናይ መደምደምታ ክገብረሉ ክፍትን እየ።
ሕቶናን ቃልስናን እንታይ ንምርግጋጽ’ዩ ?
ንኹልና እትጥርንፈና እዛ ኣልዕለያ ዘለኹ ገና ዘይተመለሰት ሕቶ እያ። ሕቶና ሰላም ዝሰፈና ብሕግን ስርዓትን እትመሓደር ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሕላገታ ብልጽግቲ ኤርትራ ምርግጋጽ እዩ። ቃልስና ድማ ነቲ ብሩህ መጻኢ ሃገርና ኤርትራ ዝደወነን ዘጸልመተን ኩሉ መሰላት ህዝቢ ዝረገጸን መላኺ ስርዓት ህግደፍን መርዝን ኣዕናውን ስነ ሓሳቡ ምስዓርን ምድምሳስን ሱር መሰረቱ ሓግሒግካ ምእላይን እዩ።
ሕቶናን ቃልስናን እዚ ብሕጽር ዝበለ ዝበልኩዎ እንተድኣ ኮይኑ: ስለምንታይ ኢና ጥጡሕ መንገዲ ገዲፍና ናብ ጋል መንገዲ ንተኣላለ ዘለና ? እታ መልሲ ሕጂ ውን ከምቲ ዝሰየምኩዎ ኣርእስቲ ኢዩ። ኣብ ምስሉይነት ዝሕላገቱ ዒንኪላሎ ቃልሲ ተሸሚምና ወርቂ ብዝመስሉ ዘንጸባርቑ ምስሉያት ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲ ንጽሎን ንሕንኮልን ስለ ዘለና ኢና።
ስለ ዝኾነ ሕጂ ውን ደጊመ ዘስምረሉን ዝላበዎን ዓብይ ጉዳይ እንተሃልዩ ናባኻ ናብቲ ላህመት ወለዶ ኤርትራዊ መንእሰይ እየ። እቲ ሓይሊ እታ መፍትሕ ምሳኻ ኣብ ኢድካ’ያ ዘላ። ንኹሉ ተዓዚብካ ነቲ ሰናይን ነቲ ሓቅን ስዓቦ። ምስዓብ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ መሪሕ መዘወር ቃልሲ ትርግታ ውጹዕ ህዝብኻ ብምድማጽ ፊተ መሪሕ ኮይንካ ኣርኣያን ኣብነትን ኩን።
ኩሎም ዘንጸባርቑ ነገራት ወርቂ ከም ዘይኮኑ ኣስተብሂልካ ብታሪኽካን ክብረትካን ንዝመጽኻ ብትብዓት ተወገኑ ብምባል ንዝጀመርካዮ ምንቕናቕ ሕንባበን ናህርን ወስኸሉ። ኩልና ድማ በታ ንኽእላ ዓቕምና ኣሰርካ ሒዝና ክንስዕበካ ኢና።
ደጊመ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን!!
ሚኪኤል እምባየ ኣራንቺ
ኣዲስ ኣበባ


