
ባሕሪ ላምባዱሳ
ባሕሪ ላምባዱሳ ታሪኽ ንገርለይ
ጭንቂ’የ ረኺበ ምስታ ሕጻን ጓለይ
ዕትብቲ ናታ’ዩ ተጠምጢሙ ኣብነብሰይ
ኣንቲደይ ሓላለይ ክንደይ ትጭክኒ
ምጥዓም ሲኡኑኒ ምጥዓም ሲኡኑኒ
ዕትብተይ ክቖርጾ መቐስ ዘይትብኒ
ኣንቲ ህጻን ጓለይ ንዒ ግደፍኒ
ይሪኤኪ ኣለኹ ምዓስ ጠፊኡኒ
ተጨኒቐ እኮየ ዓቕለይ ጠፊኡኒ
ከይነግረኪ ኸኣ ከይትስንብድኒ
የሕለቕልቕ ኣለኹ ሞት መጺኣትኒ
እሞ እንታይድኣ ጌረኪ ንቡር ትኸልእኒ
ኣብ ከብዲ ክጸንሕ እምበር ምሓሸኒ
ንዓይ ምሓሸኒ ብንቡር ክወልደኪ
ኣብ ጎነይ ሓቝፈ ጡበይ ከቅምሰኪ
እቲ ሕንፋፍ ናትኪ ባዕለይ ክጸርገልኪ
ምኣስ ፈትየ ኾይነ ካባይ ክፈልየኪ
እቲ ማዕበል እኮዩ ደፊኡ ኣውጺኡኪ
ኣይነቝሐን ኣዒንተይ ከይሪኦ ትባሕሪ
እግሪ ኣይተኸልኩን መንገዲ ከዐሪ
የዕቑበኒ ኢለዮ ንዓሳ ነባሪ
ኣይጨከነለይን ትማዕበል ከዛሪ
ተዓሚኸን ኔረን ኣጻብዕቲ ኢደይ
ሓፈትፈት ክትብል ከይደልያ ነታ ኣደይ
ተሓኒቑ ኔሩ ዋላ ትክሳደይ
ዓው ኢለ ከይበኪ ከይስማዕ እቲ ድምጸይ
ሕማቕ ሞትየ መይተ ተጠሚሩ ነብሰይ
ኣብ ባሕሪ ተወሊደ እልልታ ዘይብሉ
ኣብኡ መይተ መግነዚ ዘይረኸብኩሉ
ግን ለዋሃት ረኺበ ንሬሳይ ዘልዕሉ
ምሳይ ከኣ ኔሮም ሰለስተ ቖልዑ
ራብዓይቶም ኣነ ሳንዱቕ ተሰሪዑ
ደቂ ሓንቲ ኣደዮም ክብሉ ምስ ሰማዕኩ
ታስመይ ምፍጣራስ መሊሰ ጸላእኩ
ኣንቲደይ እቶም መራሕቲኸ እቶም ተዕልልሎም
ዋላ ንህጻን ድዮም ድንጋጸ ዘይብሎም
እዞም ምራሕትና እወ ኣዴኺ ክጭክኑ
ከም እንስሳ መሮር ዜግኦም ዝሃድኑ
እዞም መራሕትና እወ ክጭክኑ
ሓመድ ከይለበስና ጓይላ ዝውጥኑ
ሕልና ኣልቦዮም ወግዒ ዝሰኣኑ
ሬሳ ዜጋታቶም ምቅባር ዝፍንፍኑ
በሉ ሓደራኹም ግዜ ከይትቀትሉ
ዳሕሮት ከይርከቡ ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ
ብሓደ ዘትዩ ብሓደ ምኸሩ
ብሓድነት ኢኹም ኣባይኩም ትስዕሩ
ብፍረወይኒ ገርግሽ
Gereger.com