ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከተጽንዕ ዝተመዘት፡ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡
እቲ ጉዳይ ናብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክሓልፍ ሓሳብ ኣቕሪባ
እቲ ኮሚሽን ናብ ኤርትራ ኣትዩ ምስ ግዳያትን መሰኻኽርን ብኣካል ተራኺቡ ምርመራኡ ከካይድ ዘቕረቦ ተደጋጋሚ ጠለብ ብመንግስቲ ህግደፍ መእተዊ ፍቓድ ከም ዝተኸልከለን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበታቲኖም ምስ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተራኺቡ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዝፍጸም ብድምጺ ብምስልን ብጽሑፍን ኣሰኒዩ ሰፊሕ መረዳእታ ዝሓዘ ጸብጻባት ብምቕራብ፡ መንግስታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቐረባ ክከታተሎ ድፍኢት ክገብር ምጽንሑን ዝዝከር ኮይኑ፡ እነሆ ድማ ሕጂ ብመጠን ክብደት ናይ’ቲ ጥሕሰት ፈጸምቱ ብገበን መታን ክሕተቱ ናብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክሓልፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ይንቀሳቐሰሉ ከም ዘሎ ድምጺ ኣመሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣባል ናይ’ቲ ኮሚሽና ንዝኾና ወ/ሮ ሺላ ቢ ላ ኪታሩት ብምጥቃስ ብ28 ጥቅምቲ 2016 ኣቃሊሓ።
ወ/ሮ ሺላ ቢላ ኪታሩት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪተን ንሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ27 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ዘቕረባኦ ጸብጻብ፡ ሰበ-ስልጣን እቲ ስርዓት ካብ 1991 ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ክፍጽምዎ ዝጸንሑን ዘለውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ገለ መንግስታት ዓለም ምስ’ቲ መንግስቲ ብዘለዎም ጽምዶ ረብሓታት ብሸለልታ ክሕለፍ ዘይከኣል ኣዝዩ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ’ዩ ከም ዝበላን ሓቢራ።
ወ/ሮ ሺላ ኣብ መወዳእታ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክንዲ ድምጺ ናይ ሰለስተ ኣባላት መርማሪ ኮሚሽን ድምጺ ኤርትራውያን ግዳያት ክትሰምዑ፡ መንግስታት ድማ ንኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ ክቕበላን እምሕጸን ከም ዝበላን ኣረዲኣ።
ህግደፍ ነቶም ብ26 ጥቅምቲ 2016 ነፋሪት ሒዞም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ወሪዶም ዑቑባ ዝሓተቱ
ክልተ ኣብረርቲ ኣብ ደገፍቱ ሓሶት’ዩ ዝብል ጎስጓሳት የካየድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
የማነ ገብረ መስቀል ዝተባህለ ሚኒስተር ዜና ስርዓት ህግደፍ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዕቑባ ዝሓተቱ ክልተ ኣብረርቲ ብቢቢሲ ተሓቲቱ፣ “ጎሓፍ”ዩ”’ዩ ሓሶት’ዩ ዝብል መልሲ ከም ዝሃበሉ፡ ኣብ ደገፍቱ ድማ ሓሶት’ዩ ዝብል ጎስጓሳት የካይድ ከምዘሎን ረድዮ ኤረና ብ31 ጥቅምቲ 2016 ሓቢራ።
ማዕከናት ዜና እቲ ስርዓት ብተመሳሳሊ ኣሶሸትድ ፕረስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ነቶም ብ26 ጥቅምቲ 2016 ኣብ መቐለ ወሪዶም ዕቑባ ዝሓተቱ ኣብረርቲ ኣመልኪቱ ንዝዘርገሖ ዜና ሓሶት ዝብል መልሲ ከም ዝሃባሉ፡ እተኾነ እቶም መብራህቶም ተስፋማርያምን ኣፈወርቂ ፍሳሃየን ዝተባህሉ ኣብረርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዕቑባ ሓቲቶም ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለው ብመንገዳ ከምዘረጋገጸትን ኣረዲኣ።
ብካልእ ዜና ብ27 ጥቕምቲ 2016 ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻነት ሃይማኖት፡ ኤርትራ ብምግሃስ ነጻነት ሃይማኖት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝተሰርዓ ሃገራት ኮይና ፍሉይ ትኹረት ተጊሩላ ከም ዝወዓለ ረድዮ ኤረና ኣብ’ቲ ብ31 ጥቅምቲ 2016 ዝዘርገሓቶ ዜና ጸብጺባ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብዝፈጸምዎ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝሕተትሉ ባይታ ክፍጠር ብሰላማዊ ሰልፊ ሓቲቶም
ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብ27 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውዕውዕ ሰላማ ሰልፊ ከም ዘካየዱ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ 2 ዜጋታት ኤርትራ ብዝፈጸምዎን ገና ይፍጽምዎ ብዘለዎ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ መርማሪ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘቕረቦ ጸብጻብን ፈጸምቲ ገበን ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ቀሪቦም ክሕተቱ ንዘመሓላለፎ ውሳነን ብምድጋፍ ድሙቕ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱን መዘክር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከም ዘቕረቡን ድሒሩ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኣብ’ቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ተቓለሰቲ፡ ብዕድመ፣ ብጾታ፣ ብሃይማኖት፣ ብብሄር ንኹሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ምስሊ ሓቚፉ ከም ዝተኻየደን ካብ ዝተጸበይዎ ንላዕሊ ባህታ ከም ዝፈጠረሎምን፡ ናይ ቃልሲ ኒያቶም ሓፍ ከብሉ ከም ዝሓገዞምን ብምግላጽ፡ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ውሁድ ውዳበ ዘለዎ ተቓውሞ ሓንሳብ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ተራእዩ ዝቕህም ክኸውን የብሉን። ብልዑል ወነን ንጹር ኣረኣእያን ክቕጽል ኣለዎ ክብሉ ከም ዝተላበውን እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 02-11-2016