
ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤሃባደለ፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ ተባሂሉ ኣብ ጀበርቲ ዶት ኮም ንዝወጸ ጸለመ ብዝምልከት- ቁ/1 101016
ዝኸበርኩም ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን
ኣብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ጀበርቲ ዶት ኮም ዝወጸ ዘስደምም ጸለመ ጸረ ውድብና ብሓፈሽኡ ጸረ ኣባላት መሪሕነቱ ድማ ብፍላይ ከምዝተነበበ ዝፍለጥ እዩ። ብወገንና ኣብ መልሰ ተግባር ከይተሃወኽና ክንድቲ ከነጻርዮ እንኽእል ኣጻሪና ብዝተወደበን ብዝተጸንዐን መንገዲ መልሲ ክንህብ ብምባል ሃዲእና ክንሕዞ መሪጽና። እዚ ከምዚ ዝበለ ጠቐነ ብህግደፍ ይኹን በቶም ከም ፈተውቲ እንቖጽሮም ኣብ ጎድንና ዘለዉ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝገራጮ ዝተፈለለየ ጸለመታት ክወርደና ጸኒሑዩ። ንኹሉ ሓሶታት ከከም ኣመጻጽእኡ ክበሊ እዩ ብምባል ንኹሉ መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ኣብ ስራሓትና ጥራሕ ነተኩር ብምባል ንብዙሕ ሸለል ክንብል ጸኒሕና ኢና። ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ መዛረቢ ብዙሓት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ግን ስቕ ኢልካ ዝሕለፍ ስለ ዘይኮነ ሕጋዊ ምኽርን ስጉምትን ጀሚርና ኣለና። ነቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ቀጻሊ ጸለመ ኣብ ልዕሊ ውድብና ድማ መልስና ኣዋዲድና ከነቐርብ ኢና። እቶም ነብሰ ተኣማንነት ዝጎደሎም ጸልማት ተሸፊኖም ከጸልሙ ምቕጻሎም ዘይተርፍ እዩ። ንሕና ከኣ ንሳቶም ኣኳ እንተተሸፈኑ ነቲ ቅሉዕ ጸረ ደሞክራሲያዊ ባህርያቶም ግን ብዘይንሕስያ ከነቃልዖ ኢና።
ግን ድማ ቅድሚ ዝርዝር መልሲ ምሃብና ከነቕርቦ እንደሊ መተሓሳሰቢ ኣሎ። እቲ ንህዝቢ ዝተነበበ ጸለመ ዕላዊ ስምን ኣርማን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጸይሩ ስለ ዝወጸ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንሕና ኣይኮንናን ኢሉ ኣሉታ ኣብ ምሃብ ጥራሕ ከይተሓጽረ ነቲ ብስሙ ከምዚ ዝበለ ገበን ዝፈጸመ ኣካል መርሚሩ ክፈልጥ ሓላፍነት ኣለዎ። ሕጂውን እንተኾነ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤሃባደለ ተሓታቲ እዩ። ብዘይካዚ ጀበርቲ ዶት ኮም (www.jeberti.com)ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ጸለመ ኣብ ድሕረገጹ ከስፍር ከሎ መንነት ናይቲ ጽሑፍ ከረጋግጽ እዩ ዝግባእ። ስለዚ ከኣ እዚ ወብሳይት እዚ እውን ብሕጋዊ መንገዲ ተሓታቲ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። ኤስደለን መሪሕነቱን ነዚ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ጸለመ ብከቢድ ሓላፍነት ክሕዞ ምምራጹ ነቲ ኣብ ልዕሊ ውድብናን መሪሕነቱን ወሪዱ ዘሎ ጸለመ ንምቕንጣጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ውድብ ይኹን ውልቀሰብ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸለመ ኣረይ ከይከውን ዝሕግዝ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ እዩ። ብወገንና ነዚ ተበጊስናሉ ዘለና ሕጋዊ መስርሕ ኣብ መዕረፊኡ ከየብጻሕና ከምዘይንዓርፍ ክንሕብር ንፈቱ። ስለዝኮነ ኩሉኹም ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ኣብዚ ንኹላትና ዝምልከት ሃገራዊ ጉዳይ ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምቲ ክንወስድ ዘኽእለና ናይ ሓበሬታ፡ ናይ ሓሳብ ከምኡውን ናይ ፋይናንስ ደገፋትኩም ክትልግሱልና ብትሕትና ንሓትት።
ቅኑዕ መትከልን ህዝብን ሒዝና ክንዕወት ኢና!!
ውድቀት ንስርዓት ህግደፍን ጸረ ህዝቢ ፖሊሲታቱን
ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኤስደለ