መገዲ ሓቂ ምስትኽተል ኣብ ምድሪ የኽብረካ ኣብ ሰማይ ከኣ የጽድቐካ። እቲ ምንታይ ኣብ እትገብሮን እትዛረቦን ነገራት ንኻልኦት ብዘይግቡእ ከተኽፍእን ከተጸብቕን ዘይኮነስ ብፈሪሃ እግዚኣብሄር ተመሪሕካ ብቕንዕናን ብንጽህናን ከተከናውኖ ከምዝግባኣካ ፈሊጥካ ስለእትጓዓዝ ኢዩ። ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ ነገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንኸይትፍጽሞ ብርቱዕ ጥንቃቐ ስለትገብርውን’ዩ። እዚ ግና ኩሉ ዝዕደሎ ጸጋ ስለዘይኮነ ኣብዛ ንኹሉ ነገራት ጸይራ እትነብር ዓለም እዚኣ ጸይቂ ተግባራትን ዘረባታትን ጸብለል ኢሉ ዝርኣየሉ እዋን ከምዘሎ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ብፍላይ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ብዝምልከት መገዲ ጽድቅን ሓጥያትን ኣነጺርካ ምፍላጥ ዝሕርብተሉ ሕልኽላኻትን ጽንኩር ኩነታትን ተደጋጊሙ ይስትውዓልዩ። ሃገርና ኤርትራውን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ተሓጺራ ትነብር ብምህላዋ ናብ ራህዋ ዘሰጋግራ ንጹር ሜላ ከይተተግብር ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ጸሊም ደበና ተጋሪዳ ሓድነት ናይቶም ንህልውንኣ ዝቃለሱ ደቃ ሓሪሙዋ ናብ ናይ ብርሰት ጸድፊ ተገማጊማ ትርከብ። ብኣኣ ዝግደሱ ደቃ ተቐራሪቦም ንህልውንኣ መታን ከይቃለሱ ማእለያ ዘይብሉ ውዲታት እናተኣልመ እተተኻኢሉ ክጠፍኡ እንተዘይኮነ ከኣ ፋሕ ኢሎም ንኽተርፉ ዓቢ ናይ ጸለመ ወፈራ ክካየድ ንርኢ ኣለና።
ብፍላይ ሓድሓደ መንበድበድቲ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ገለ ፍልይ ዝበለ ኩነታት ምስዝኽሰት ፍንፉን ባህጎም ዝሰመረሎም ስለዝመስሎም መደናገሪ መናፍሖም ክዝርግሑ ኢዮም ዝጓየዩ። ከምዚ ዝበለ ተግባር ቃልዕ ከይወጸ እንተኣርከብካሉ ብዙሕ ሃስያ ከየውረደ ብዝቐልጠፈን ዝቐለለን መገዲ ክትቆጽዮ ይከኣል’ዩ። ዝርግሐ ናይቲ ዘይቅኑዕ ፕሮፓጋንዳ ዝደጋገምን ሕንፍሽፍሽ ናብ ምፍጣር ዝጠመተን ወፈራ ምስዝኸውን ግን ንስለ ሓቂ ክትብል ግሉጽ መብርሂ ክትህበሉ ኣገዳሲ ይኸውን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ምንጩ ካበይ ኢዩ ብዘየገድስ ብዛዕባ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪ ሓደ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ንንባብ በቒዑ ተመልኪትና። ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ጽሑፍ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ምግምማዕ ከምዘሎ ኣምሲሉ ዝገልጽ ስለዝነበረ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላቱ ዘሻቕል ነቶም ብሞራልን ብንዋትን ዝሕግዙዎ ድማ ከምዝጠራጠሩ ዝገብር ኢዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ሽሕኳ ንሳቶም ኣመሎምን ተልእኾኦምን ኮይኑዎም ከንቱ ጻዕሪ እንተገበሩ ንነገራት ኣጋኒንካ ምቕራብ ንሓቂ ክልውጥ ኣይክእልን’ዩ። ብርግጽ ድማ ኣቐራርብኦም ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ውድብ ሕድሪ ዘይራኸብ ንህልውና ናይቲ ውድብ ንምንዋጽ ተባሂሉ ዝድርበ ስሩይ ናይ ለኻዕካዕ መደረጓሕ ኢዩ። ብመሰረቱ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ከም መናዓዓቢ ዘይኮነስ ከም መሰረት ምዕባለ ዝርኢ ካብ ካልኦት ውድባት ፍልይ ዝበለ ኣኻይዳ ዝኽተል ውድብ’ዩ። መሰረታቱን መሪሕነቱን ናይ ሓባር ተረድኦ ክህልዎም ኣብ ዝደልዩሉ ዛዕባ ምርድዳእን ምዝታይን ልሙድ ባህሎም ስለዝኾነ እቶም በዚ ዲሞክራስያዊ ከይዲዚ ዝስምብዱ ጊላታት መለኽቲ ዘይሽሙ ክህቡዎ ከምዝፍትኑ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ’ዩ።
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ብልዝብን ዘተን ሂወቱ ዝመርሓሉ ምኽንያት ኣብ ጠቕላላ ጉባኤኡ ዝጸደቐ መላእ ኣባላቱ ዝማሓደረሉ ሕገ-ህንጻ ስለዘለዎ ነቲ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝብል መርሆ ተኸቲሉ ዝጓዓዝ ውድብ ሙዃኑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ብመርትዖን ጭብጥን ዝተሰነየ ናይ ዲሲፕሊናዊ ስነስርዓት ስጉምቲ ዝጠልብ ኩነት ምስዘጋጥም ድማ ብመሰረት እዚ ሕገ-ህንጻ እዚ ኢዩ መዓልቦ ዝግበረሉ። ግሃድኤ ሕድሪ ብኸምቶም ንህዝባዊ ቃልሲ ናብ ውልቃዊ ቢዝነስ ለዊጦም ተባሂሎም ዝሕመዩ ወይከኣ ብኸምቶም ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሓደስቲ መለኽቲ ክኾኑ ዝምነዩ ስሱዓት መራሕቲ ዝውነን ኣይኮነን። ውልቃዊ ረብሕኦም ኣብ ምህዳን ምድረ ሰማይ ብዝዓርቦም መራሕቲ ክዕብለሉ ብዘይፈቕዱ መሰረታት ዝተሃንጸ ኣድላዪ ኮይኑ ምስዝርከብ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን መራሕቱ ናይ ምልዋጥ ስርዓትን ባህልን ዘለዎ ውድብ ሙዃኑ ንኹሉ ክበርህ ዘለዎ ቁምነገር ኢዩ።ዝኾነ ይኹን ዝውሰድ ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ንሓደ ኣኾሪኻ ነቲ ካልእ ንምሕጓስ ተባሂሉ ዘይኮነስ ዝተሓንጸጹ መደባት ብጽፈትን ብመትከላዊ ጽንዓትን ተተግቢሮም ኣብቲ ዝድለ ሸቶ ንምብጻሕ’ዩ።
ስለዚ ድማ እቲ ዝውሰድ ውድባዊ ስጉምቲ ካብ ስምዒታውነትን ፍኑውነትን ዝረሓቐ ኣራሚ፡መሃሪ፡ ሃናጺ ሙዃኑ ዝተኣምነሉ ህዝብን ሃገርን ማእከል ዝገበረ ኢዩ። ግሃድኤ-ሕድሪ ንዘይዲሞክራስያዊ ዝንባለታት ክጻወር ስለዘይክእልን ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ መንጎ ኣባላቱ ናይ ዕላማ ሓድነት ምህላዉ ንኸረጋግጽን ንድሑር ኣተሓሳስባታትን ንዝጎዛዝዩዎ ናይ ለኻዕካዕ ዘረባታትን ብዘይ ንሕስያ ኢዩ ዝዋግኦም። እቶም ንኸምዚ ዓይነት ወረጃ ውድባዊ ባህሊ ዘይተዓደሉ ካብ ውድብ ግሃድኤ ሕድሪ ብዙሕ ክመሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪውን ካብ ካልኦት ዝማሃሮ ነገር እንተልዩ ኩሉሳዕ ሸውሃቱ ክፉት’ዩ።ብቐንዱ ቃልሲ ናይ ሓባር ስለዝኾነ እቶም ካልኦት ኣካላት ደንበ ተቓውሞውን ነዛ ዘለናላ መድረኽ ብግቡእ መዚኖም ውሽጣዊ ሂወቶም ክደልድሉ ተስፋ ንገብር። እንተ ግሃድኤ ሕድሪ ግና ብዲሞክራስያዊ ኣኻይድኡ ደንፊዑ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ምዕቡል ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ውድብ ሙዃኑ ብዘረጋግጽ ናህሪ ጉዕዙኡ ክቕጽል ኢዩ።
ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!
ብርሃነ ገብረመድህን