ሕዝቢ ተዋሕዶ: ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

 

Image result for eritrean patriarch antonios imaje

 

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ኣቦ ኩሉ ክኾኑ፥ ነታ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ መተካእታ ክኾኑ፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተመሪጾም “ይግብኦ” ኢልኩም ጸሊኹምዝመረጽክምዎም ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

 

ይትረፍ ክንድእም ዝኾኑ ቅዱስ ኣቦ ኩልና ኣጥፊእካ፥ ሓንቲ በጊዕ ጠፊኣቶ ዘይደሊ ሰብ የለን። እሞ ደኣ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣቦ ነቶም ዝወለድዎም ደቆም በዲለ እየ እሞ ይቕረበሉለይ ዝብል ግልቡጥ ዘረባ ዝሰማዕናን ዘንበብናን እንታይ ደኣ ተረኽበ ሕጂ? ከመዮ ምስላ ወለድና፥ “ሓሜን ኣቦኡ ጸሪፉ ይድረር።” ኢሎም ዝመሰልዎ፥ ኮይኑ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎምምሕዳር ተዋህዶ ሃይማኖት፥ “ወላዲና ይቕረታ ስለ ዝሓተተና፥ እቶም ዝወለደና ደቁ ድማ መሓርቲ ስለ ዝኾንና ምሉእ ምሕረት ጌርና ኣሎና” ዝብል ይትረፍ ንኽትቅበሎ ንኽትሰምዖውንዘሕፍረካ ቃልን ጽሑፍን ሰሚዕና ኢና። እሞ ደኣ እቶም ተማሒሮም ተፈቲሖም፥ ምሉእ ይቕሬታ ጌርናሎም ዝተባህሉ ወዲ ቴስዓ (90) ዓመት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣተዉ?

 

ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ዝመጸ ዘመን ብዝመጸ መንግስቲ እናተረግጸት ውልቀ ሰባት ናይ መበለጽን መጋየጽን እናገበርዋ ክነብሩ ክሳብ መዓስ እዩ? ካንዶ እዚ ህዝቢ ተዋህዶ መላገጺጥራይ ክኸውን ዩ?  ኣብ ነዊሕ ከይከድና ኣብ ኣርባዓታት፥ ኣብ ሱሳታት እዛ ቤተ ክርስቲያን ጅሆ ተታሒዛ፥ በዓል ቀሺ ዲሜጥሮስ፥ ሓንቲ ኢትዮጵያ ዘይበለ፥ ኣይጥመቕ ኣይፍታሕ፥ እናበሉምስጢረ ጥምቀተ ክርስትና ዝተኸልከሉ፥ ካብ መርዓ (ምስጢረ ተክሊል) ዝተነጸሉ፥ ኣብ ቀብሮም ፍትሓት ዘይተገብረሎም፥ ብህይወት ወለድናን ረይሳ ወለድናን ዝተጻወትዎ ከይኣክል፥ድሕሪ ናጽነትውን እንተ ኾነ ወዶም ዮፍታሄ ነዚ ርኹስ ተግባር መቀጸልታ ገይሩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ድማ ኣባ ሉቃስ ቀሺ ድሜጥሮስ ምስ ወዶም ህዝቢ ተዋህዶ ንምድሃል ከምዝጠቐሞም ርእዮም: ነዚ ርኹስ ተግባር ብዝዓበየ መልክዑ ይቕጽልዎ ኣለዉ።

 

ክሳብ መዓስ እዩ ህዝቢ ተዋህዶ ኣብዚ ሓሸውየ ናይ ፖለቲከኛታት ክነብር? ክሳብ መዓስ እዩኸ ክግራህን ክብደልን?

 

ዘረባ ሓደ ሰሚዕካ ኣይትፍረድ እንድዩ ዝበሃል? ኣበይ ደኣ ኣለዉ እሞ እቶም ተኸሳሲ? ስለምንታይከ እዚ ኩሉ በደልን ኣደራዕን ኣብ ተዋህዶ ጥራይ? ነቶም ካልኦት ቀኒእናሎም ዘይኮነስእንቋዕ ካብዚ ናትና ሓሸሎም? ንምኽሳስ ዘይኮነስ ትብዓቶምን ሓቅነቶምን ንምምጓስ ናይ ካቶሊክ ጳጳሳት ሓውካ ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ዓለም ዘናወጸ ተሪር መልእኽቲ ኣሕሊፎም።ህዝቦምን ካህናቶምን ኣብ ጎኖም ስለ ዝኾኑ፥ ክሳዶም ነፊሖም ኣብ መንጎ ህዝቦምን ሃገሮምን ሸነን ይብሉ ኣለዉ። ናይ ከኒሻ ኣመንቲ፥ ነዚ ኩሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝተስጐ መዕቆቢዝሰኣነ መንእሰይ ጽላል ኮናካ ኣሎኒ ኢሎሞ ስለምንታይ እዚ ጌርኩም ኢሉ ዝሓቶም ኣካል የለን። ሓሳባትኩም ምስናትና ሓሳባት እምነትኩም ምስ ናትና እምነት ኣይሰማማዕን ንዝበልዎካብ ጉባኤኦም ሰጒጎሞ እምበር ተኸታቲሉም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣየእሰርዎምን። ከመይሲ ህዝቦምን መሳርህቶምን ኣብ ጎኖም ኣለዉ። ናይ ኣስላም ሙፍቲ መን ተንከፎም?  ንምንታይደኣ ተዋህዶ እዚ ኩሉ ሽግር ይገጥመና?

 

እቲ ጉዳይ ንጹር እዩ. እቲ ህዝቢ ንሃይማኖቱ ክፈልጥን ክመሃርን ዕድል ኣይረኸበን። ከምተን ካልኦት ሃይማኖታት ካብ ደገ ዝረኽቦ ሓገዝን ደገፍን’ውን የብሉን። ንከባቢ 2000 ዓመታትባዕሉ እዩ ሰለይ ክብል ጸኒሑ። ብጀካ እቲ ኣብ ገዳማትን ገጠራትን ዝወሃብ ባህላዊ ዝኾነ ኣወሃህባ ትምህርቲ ምስ ዓለም ዝዳረግን ዝወዳደርን ናይ ስነ መለኮት ቤት ትምህርቲ ዘይብላ እንኮቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ጥራይ እያ። ህዝባ ኣብ ራዕድን ፍርህን እዩ ዝነብር።

 

ነገር ግርምቢጥ ኮይኑ እምበር ይትረፍ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለደካ መንፈሳዊ ኣቦኻ ክትከሽ፥ ነቲ ብስጋ ዝወለደካ ኣቦኻ እኳ ብባህልና ኣቦይ ይብድለኒ ኣሎ እሞ ዓበይቲ ተገፉዑለይይበሃል እምበር ወላዲ ኣይክሰስን፥ ወላዲ ንውሉዱ ድማ ኣብ ብርኩ ወዲቑ ይቕረ ኣይብለሉን እዩ።

 

ህዝቢ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂ’ውን ኣሎ። ተኣሲሮም ብሓይሊ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ዘለዉ ፓትርያርክ እዮም። ህዝቢ ኣብ መንጎ ጳጳስ፡ ሊቀ ጳጳስን ፓትርያርክን ዘሎ ፍልልይብዘይምፍላጡ፥ ሓደ ተራ ጳጳስ ከም ዝተኣስረ ጌሩ ዝርድኦ ብዙሕ እዩ። ፓትርያርክ፥ ንጳጳሳት፥ ንሊቃነ ጳጳሳትን ዝቐብኡ ኣቦ እዮም። ንኣብነት፥ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ በዓል ቅዱስ ዮሃንስቡራኬ ዝሃቡ ኣባ ሉቃስ፥ ብፓትርያርክ እንጦንዮስ እዮም ተቐቢኦም። እዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ፥ እቶም ቀንዲ ጸላኢ ከም ይሁዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ኣሕሊፉ ዝሸጦ ድማ ኣሕሊፎምሸይጦሞ ከይኣክል፥ እንደገና ድማ ክዳኖምን መስቀሎሞን መንዚዖም ተኸዲኖም ንህዝቢ ቡራኬ ክህቡ ንርእዮም ኣሎና።

 

እዝስ መርገምዶ ኣየስዕብን?

 

ህዝቢ ተዋህዶ ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

 

እዝራ ጸሓፊ።

 

tewahdo.org

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *