8/ መስከረም ድማ ይቕረ ድያ ክትብለልና ዋላስ ይቕረ ክንብለላ

ጸሎትን ቃልስን መስከረም ኣብ ድንግርግር ዝበለ ወጅሂ

ተፈታዊት ወርሒ መስከረም ተስፋን ራህዋን ንዝቕጽላ ዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ ኣሃዱ ክትብል ካብ ክራማት ኤርትራ ተቐቢላ ባና ጸዳላ ናብ ገጽ ህዝቢ ኤርትራ ክትገብር ምእንታን ቑራዕ ሓምሊ ወጺኡ፡ ቁራዕ ጠስምን መዓርን ክመልእ፡ ንዳእቲ በረኸት ተቐሚጡ ክኹመር፤ ልዕሊ ኩሉ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ናፍቖት ሰላሙን ራህዉኡን ኣብቂዑ፤ ሓቀኛ ዳንነት ዝረኽበሉ እዋን ንኽመጸሉ ካብ ዝምህለል ጥራሕ ዘይኮነስ ባህጉ ክዉን ክኾነሉ ብቓልዕ ካብ ዝቃለስ እንሆ ሰለስተ ርብዒ ( ¾ ) ዘመን ኣቑጺሩ፡፡

ካልእ ይትረፍ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እቲ ብወግዒ ክብሩ ንምምላስ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ምስግጋሩ ዝኣወጀሉ ባሕቲ መስከረም 1961 ጥራሕ እኳ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመታት ተመርቂፉ ክነሱ፡ እሞ ገና ዘይተወደአ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዘይምቅዳውናን ፍትወት ነብስናን በለጽናን ብሕቖ ካልእ ናይ ክሓልፈልና ምጽባይ ስሰዐናን እንዳተመርኮሰ ሽግርና ዘዛይድ ዘሎ ስኑፍ ስጉምትታትና ከምኡ’ውን ኣብ ምትህድዳን ንፍቕሪ ሕድሕድናን ተመረኲሱ ብዓይኒ ጉልሒንጣ ንርኣኣዮ ዘለና ዘይሰዓርናዮ ሽግርና ብምዃኑ ንራኢ ባሕቲ መስከረም ብኣስተንትኖ፡ ነተን ኩለን ብድሕሪኣ ዝመጻ ባሕትታት ይኹና መስከረማት ድማ ብምረት፡ ነቶም ብገድልን ተረኽብኡን ዕድመ ንእስነቶም ዳርምስትርኢት ዝረኣዩ’ሞ ካብ መስዋእቲ ሰቲኾም ናጽነት ናይ ምርኣይ ዕድል ረኺቦምስ ድሓር ንጸዋዒት ህዝባዊ መንግስትነት ናይ ምትካል ጽኑዕ ተበግስኦም ብግብሪ ዘርኣዩና ግን ካኣ ንሕና ነቲ ዘርኣይዎ ተበግሶ ስኣን ምኽታልና ዘጥፋእናዮ ዕድል ብምርጋም፤ ንፍደዮ ዘለና ዋጋ ድማ እንዳ ተዓደናዮ፡ እታ ነቶም ዓበይቲን ምኩራትን ተጋደልቲ ኣብ እዋኖም ዉፉያት ምንስትራትን መራሕቲ ሰውራን ሃገርን ዝኾኑ ዝሓየረትልና ጌርና እነማርራ ዕለት 18/ መስከረም ድማ ይቕረ ድያ ክትብለልና ዋላስ ይቕረ ክንብለላ ውን ጌና ብዘይተሰወጠና ወጅሂ፡ ንጸሎትን ቃልስን መስከረም ኣብ ድንግርግር ዝበለ ስሚዒት ንነብረሉ ኣለና፡፡

ክንገብሮ ዝግባኣና ግን፤ እቲ ፍታሕ ክኾነና ዘይክእል ቁዘማና ገዲፍና፤ ንኹሉ ናይ ቃልሲ ተረኸቦታትና ከም ፍጻመ ታሪኽ ተቐቢልና፡ ንእነካይዶ ቃልሲ መበገሲ ክኾነና ዝኽእል ተመኩሮ ድማ ኣጸቢቕና ብምዕታርን ብተወፋይነትን ክንቃለስ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ኮነ ክሳብ መበገስን መብጽሕን ቃልስና ዘየነጸርና ጌና ኣብ ዕንኪልል ሂወት ምቕጻልና ዘይተርፍ ኢዩ፡፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር 16 / መስከረም / 2016 ብሰንሰሎማይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *