ኢትዮጵያስ መንግስትን ሕግን ኣሎዋ። ንሕናኸ? ብ ብርሃነ ገብረመድህን ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብመራኸቢ ብዙሓን ውሑድን ብዙሕን ክዝረብ ከምዝቐነየ ኩልና ዝተኸታተልናዮ ጉዳይ ኢዩ። በብዕለቱ ንዘጋጥም ዝነበረ ፍጻሜታት ካብ ምትሕልላፍ ክሳዕ ንባህርያት ናይቲ ሓፈሻዊ ተርእዮ ኣብ ምትንታን በብዓይነቱ መግለጺታት ክቐርብውን ተዓዚብና። ብፍላይ ብዛዕባቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ኣለና ዝብሉ ዝተፈላለየ ጥሙሕ ዘለዎም ካብታ ሃገር ወጻኢ ዘለዉ ሸነኻት ነቲ ነገር በብዝመሰሎም ክትንትኑዎ ተስተውዒሎም’ዮም።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ኴንካ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብንጹር ንኽትፈልጦ ስለዘሸግር ዝተወሰነ ትዕግስትን ምስትውዓልን ዝሓትት’ዩ ኔሩ። ከምኡ ክኸውን ዘግበሮ ሓደ ምኽንያት ድማ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕጋዊ ሕቶታት ንዕኦም ብዝጥዕም መርዛም ቃላት ጠምዚዞም እናኣቕረቡ ናብ ውልቃዊ ረብሕኦም ከውዕሉዎ ዝሃረፉ ውሽጣውያንን ግዳማውንን ጸላእቲ ጽዑቕ ጸረ ኢትዮጵያ ፕሮፓጋንዳ ይነዝሑ ስለዝነበሩ ኢዩ። ገለ ካብቶም ኣብ ግዳም ዝነብሩ ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን እሞ ከኣ ዝተፈላለየ ናይ ጨለነት ፖለቲካዊ ናይ ንግዲ ኣኼባታት ኣካይዶም ጅብኦም ብዶላር ዘሕብጡሉ ኣጋጣሚ ረኺቦምዮም። እቶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉሓላሉ ከኣ ኢዮም መሻርኽቲ ናይቲ ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ ሙዃኖም ብትዕቢት ክጃሃሩ ዝስምዑ ዘለዉ።
ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ብዋኽራ ትሓርእ ከምዝብሃል እቶም ብልቢ ሓደ ሰብ ጥራይ ዝምርሑ ሙሉእ ሰብኣውን ዜግነታውን ክብሮም ንሓደ መላኺ ዘውረሱ ልኡኻት ህግደፍ ድማ ጥሩምባታት ናይቲ ጃንዳ ኮይኖም ኢትዮጵያን መንግስታን ከምዝተበታተኑ ጌሮም ብኹሉ ዓቕሞም ብመራኸቢ ብዙሓን ከቃልሑ ቀንዮም። እዚኣቶም ከኣ እቶም ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ እናቐንጸለን እናኣሰርን ኣብ ሕሱም ኣደራዕ ከእትዎ እንከሎ ሕራይ ገበሮ ኢሎም ዘጣቕዑ ኢዮም። ንሳቶም ስርዓት ኣስመራ ዝገብሮ ኩሉ ጽቡቕ’ዩ ኢሎም ኣብ ዘዘለዉዎ ሃገር ንሕብረተሰብ ዓለም ከደናግሩ ዝነብሩ ስሱዓት ነጋዶ ስለዝኾኑ ምስ ከምኦም ዝኣመሰሉ ኢትዮጵያውያን መሓዙቶም እንተወገኑ ዘገርም ኣይኮነን። ዝተጠልሙ ገዳይም ተጋደልቲ ክእሰሩን ክቕተሉን እንከለዉ ልዕሊ ማንም ዘላኽዑ ፡ መንእሰይ ኤርትራ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ክጠፍእ እንከሎውን ጸጊቡ ኢዩ እንቋዕ ረኸባ ኢሎም ውራይ ሳዕሳዒቶምን ዳንኬራኦምን ዝገበሩምበር ከምሰብ ንዜጋታቶም ክሓስቡውን ሞራላዊ ብቕዓት ከምዘይብሎም ኩሉ ዝርድኦ ኢዩ።
ሎሚ ብምብትታን ኢትዩጵያ ዕድመ ህግደፍ ዝናዋሕ መሲሉዎም ንጸረ ኢትዮጵያ መናፍሖም ከም ጸሎት እንተደጋገሙዎ ብናይ ባዕሎም ኣእሙሮ ክንቀሳቐሱ ዘይክእሉ ናይ ሕልና ነዳያት ሙዃኖም ካብ ምምልካት ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ ክህልዎ ኣይክእልን። እሞ ሕጂ እቲ ኩነታት እናነጸረ ምስከደ ኸድኣ እንታይኮን ክብሉ ይኾኑ? ህዝቢ ኢትዮጵያ ክዕረ ዝግብኦ ክዕረየሉ ዝጎደሎ እንተሎ ክምልኣሉ ንመንግስቱ ጠለብ እንተ’ቕረበ ንቡርዩ ምኽንያቱ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል ብቅዋምን ሕግን ተቐይዱ ዝኸይድ መንግስቲ ስለዘለዎ ሰማዒ ክረክብ ሙዃኑ ተኣማሚኑ ኢዩ። እንሆ ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህርመት ልቢ ናይ ህዝቡ ንኽሰምዕ ድሉውነቱ ይገልጽ ኣሎ። ንህዝብኻ ጽን ኢልካ ምስማዕ ንህዝቢ ዘለካ ኣኽብሮት ዘመልክት ክኸውን እንከሎ ንጠለባቱ ግቡእ ፍታሕ ምሃብ ድማ መርኣያ ፍትሓውነት ናይቲ ስርዓት ስለዝኾነ ዝንኣድ ስጉምቲ ኢዩ። ብመሰረቱ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከትኳ እንተኾነ ንዓና ነቶም ንፍትሕን ዲሞክራስን ንቃለስ ኤርትራውያን ድማ ከም መሓዙት ህዝቢ ኢትዮጵያ መጠን ዕብየቱን ሰላሙን ንምነ ጥራይ ዘይኮንናስ ካብቲ መሪሕ ውድቡ ኣብ ኣተኣላልያ እዋናዊ ኩነታት ናይታ ሃገር ዘርእዮ ዘሎ ኣተሓሕዛ እንቐስሞ ተሞኩሮ ከምዘሎውን ንርኢ ኢና። ስለዚ ድማ ንሕናኸ ከምዚ ዓይነት ብህዝቡ ዝግደስ መሪሕ መዓስ ኮን ንፈጥር ንኸውን ኢልና ብቅዱስ ቅንኢ ነብስና ንምሕታት ዝደፋፍእ ኣጋጣሚ ኢዩ ክበሃል ይከኣል።
ኣብ እንዳ ህግደፍ ርእይቶኻ ክትገልጽን ናይ መሰል ሕቶ ኣልዒልካ ክትሓትትንስ ይትረፍ “እንታይ ከምትሓስብ ፈሊጥናካ ኣለና እናተባሃልካ” ብዘይትፈልጦን ብዘይወዓልካዮን ገበን ተጠቂንካ ኣብ ማእሰርቲ ምብላይ ልሙድ ናብራ ህዝብና ካብዝኸውን ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። ጃንዳ ህግደፍ ንህልውንኡ ዘስግኡ መሲሎም ንዘተራእዩዎ ዜጋታት ባዕሉ መመኽነይታ ሰበብ እናኣለመ ብዘይውዓሉዎ ገበን ብምቕታል፡ካብ ቅትለት ንዝተረፉ ድማ ንሙሉእ ዕድሚኦም ብዘይፍወስ ሕማም ከምዝማስኑን ከምዝስንክሉን ብምግባር ዝፍለጥ ስርዓት ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ዓለም ኣንጻር ሰብኣዊነት ብዝፈጸሞ ገበን ክኽሰስ ዝግብኦ ሙዃኑ ተሰማሚዑሉ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ዓዱ ናይ ኣካልን ናይ ሕልናን እሱር ኮይኑ ደቁ ክልእኽ ጥሪቱ ከማሓድር መሰል ዝተነፍጎ ናይ ገዛእ ርእሱ ሂወት ክመርሕ ዘይተዓደለ ኣብ ዘመነ ባርነት ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።
ክውነንትና እዚ ሙዃኑ እናተፈልጠ ግን ተሓለቕቲ ናይቲ ስርዓት ወጽዓ ህዝቦም ክንዲ ጣፍ ዝኸውንኳ ዘይዓጠጦምስ ብሕግን ስርዓትን ንዝምርሑ መንግስታት ንምቁንጻብ ድቃስ ስኢኖም ክህውትቱ ክትርኢ እንከለኻ ዘስደምም ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢዩ ዝኾነካ ። ነቶም ብፋስ ክሳዶም ዝቕንጠቡ፡ ነቶም ብናይ ኤይድስ ቫይረስ ኮነ ኢልካ ደሞም ዝብከሉ፡ ነቶም ብፎርማሊንን ኣድረናሊንን ሂወቶም ዝስእኑ፡ ነቶም ብጠጠዎም ከለዉ ኩሊቶም ተመዝሒቑ ዝሽየጥ ዘሎ ዚጋታት ኣብ ክንዲ ዝሓዝኑ ንኢትዮጵያ ብኣሉታ ንምግላጽ ለይትን መዓልትን ይግዕሩ። ከም ሓፈሻዊ ባህሪ ህንጸት ዲሞክራሲ ነገር መስርሕ ኮይኑ ናይ ባዕሉ ዓቐብ ቁልቁል ስለዘለዎድኣ ብፍጹምነት ኣይገለጽ እምበር ኢትዮጵያኮ ህዝባ ብዘጽደቖ ሕጊ እናተመርሐት ንምዕቡል ቁጠባን ንህንጸት ዲሞክራስን ን25 ዓመት ተቓሊሳ ኣድናቖት ሕብረተሰብ ዓለም ዝረኸበት ሃገር’ያ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ ንኽንድኡ ዝኣክል ዓመታት ኣብ ታኼላ ዕንወትን ምጽናትን ተሸኺሉ ሓዘንን፡ጓህን፡ድኽነትን እናተባረዩሉ ኣብ ናይቀደም ታሪኹ ርእዩዎ ብዘይፈልጥ ዓይነት ግፍዒ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ክእለ ንሃገሩ ገዲፉ ካብ ዝተሰደደ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዊ ልዕሊ 80,000 ዝኸውን ዘዕቆበት ኢትዮጵያ ብሰናይ ተግባራ ክትምስገን ድኣምበር ውድቀት ትምነየላ ሃገር ኣይኮነትን። ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ራህዋ ኢሉ ንዘካይዶ ናይ ዲሞክራስያዊ መሰል ቃልሲ ዝድግፋ ሃገራት ብሙዃና ኣብ ኩርምቲ ገባቲ ስርዓት ምእታዋውን ዘይፍለጥ ኣይኮነን።
ነዚ ድማ ኢዮም እቶም ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታታ ናብ ረብሓኣ ኣውዒላ ክትምዕብል ዝጀመረት ኢትዮጵያ ክርእዩ ዘይደልዩ ኣማዕድዮም ዝጥምቱ ጸላእታ ብሓደ ወገን፡ እቲ ብናይ ቁጠባዊ ምዕባለኣን ዲሞክራስያዊ ግስጋሴኣን ተሰናቢዱ እናባህረረ ዝነብር ዘሎ ህግደፍ ድማ ብኻልእ ኮይኖም ብጋህዲ ይኹን ብስቱር ኣብ ልዕሊኣ ናይ ሓባር ውዲት ክኣልሙ ሒዅ ዝብሉ። እንተኾነ ግን መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ እዚ ዝተኸሰተ ኩነታት ናይ ርሑቕን ቀረባን ፈተውቶምን ጸላእቶምን ኣጸቢቖም ንምልላይ ተወሳኺ ዕድል ስለዝህቦም ብዝበለጸ ዘሐይሎም ኣጋጣሚ ከምዝኸውን እሙንዩ ። ከምቲ ካብ መግለጺታቶም እንዕዘቦ ዘለና መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕ ሰልፉን ውሽጦም ብደቂቕ ፈቲሾም፡ ንኸባቢኦም ከኣ ብግቡእ ዳህሲሶም ብዝወስዱዎ ስጉምቲ ንጠለብ ህዝቦም ሕጋውን ዲሞክራስያውን መዓልቦ ከምዝገብሩሉ ንዓቕሞምን ብቕዓቶምን ዝርዳእ ሕብረተሰብ ዓለም ተስፉኡ ብኣዎንታ ይገልጸሎም ኣሎ።
በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞኸ ካብዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓፈሻዊ ኩነታት ግቡእ ሚዛን ወሲዱ ውሽጡ ብምምርማር ሓድሽ ናይ ቃልሲ መደብ ተበግሶ ዶኾን ክወስድ ይኸውን? ናይ ዕድል ጉዳይ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርኤ ዘሎ ምዕባለ ብግቡእ ገምጊሙ ንዕኡ ዝምጥን ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ዓቕሚ ዘለዎ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ሓይሊ ኣየጥረናን። ጉዳይ ሓድነት ተቓወምቲ ዳርጋ ደርፊ ኮይን’ዩ ተሪፉ። ገለ ካብቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ካብ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ዘይተላቐቑ ንጉዳይ ስምረት ብዓይኒ ስልጣኖም ጥራይ እናተመልከቱ ንስቓይ ህዝቦም ግቡእ ኣቓልቦ ዘይህቡ ተባሂሎም ይኽሰሱ ኢዮም። ካብዚ ሓሊፎም ቀትሪ ምስ ተቓወምቲ እናውዓሉ ለይቲ ምስ ህግደፍ ዝመኽሩ ተባሂሎም ዝሕመዩውን ኣይተሳእኑን። እዚ ከየጽረኻ ሓድነት ክመጽእ ማለት ዘበትዩ። ሓድነት ዘይብሉ ቃልሲ ክዕወት ማለት ድማ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብርግጽ ዝተወርየ ኩሉ ሓቂ ማለትኳ እንተዘይኮነ ተጻርዩ መአረሚ ስጉምቲ ክውሰደሉ ሓሶት እንተኾይኑ ከኣ መዕገቲ ከግበረሉ ኢዩ ዝግባእ። ንሕና ስኒት ብዝስኣንና ቁጽሪ ዕድመ ጸላኢና ይናዋሕ፡ስቓይ ህዝብና ይኸፍእ፡ ናይ ሓገዝ ዕድልና ይጸብብ ኣሎ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ባህጊ ውልቃዊ ረብሓ ዘበገሶ ብጎቦ ዓይኒ ምርእኣይን ሕድሕድ ምጽልላምን ዳርጋ ባህሊ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ።ሓድሓደ ግዜ ኣብ ባዶ መሬት እታ መራሒ ትብል ስም ከይትኸዶም ክብሉ ጥራይ ምፍንጫል ከም መህደሚ ዝተጠቐሙውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ገለ ግዜ እሞኸኣ ባርያስ ሓጋዚኣ እንተርኣየት መዲዳ ትሓብእ ከምዝብሃል “ዔራ መን ከየጻሪዮ” እናተባህለ ንገዛእ መቓልስቶም ብህግደፍነትን ብሰላይነትን እናኣጠመቕካ ቤላ ቤለው ምዝርጋሕ ከም መቐንጸሊ ሜላ ዝጥቀሙሉ እውን ኣይተሳእኑን። ካብ ሽሕ ሳንጃ ሓደ ፕርፓጋንዳ ከምዝብሃል ከምዚ ዓይነት በለካበለካ ተቓለስቲ ነንሕድሕዶም ንኸይትኣማመኑን ንኽጎጃጀሉን ዓቢ ጠንቂ ኣብ ርእሲ ሙዃኑ ንፈተውቲ እውን ዘደናግርን ከምዝጠራጠሩ ክገብሮም ዝኽእልን’ዩ። ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ቀዳማይ ጸላኢ ተረሲዑ ወጽዓ ህዝብና ሰማይ ዓሪጉ ስርዓት ህግደፍ ክንዕቀና እቲ ክሕግዘና ዝደሊ ፈታዊ ድማ ብምልክት ሕቶ ክጥምተና ዓመታት ሓሊፉ።
ሎሚ ሎሚ ግና ነቲ ህዝብና ግዲ ኣምላኽ ክሰምዖ ደልዩስ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኢድ ህግደፍ ከምዘሎ ዝፈልጡ ዜጋታት ናብ ስደት ይመጹ ስለዘለዉ ሓቂ ድኣ የዛርቦም እምበር እቶም ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ ሰሊኾም ዝኣተዉ ሃሱሳት እንተድኣ ተለልዮምስ ቃልስና ናብ ጽፉፍ መስርሕ ክሰጋገር ኢዩ። እዚ ክግበር እንተኽኢሉ ሓድነትና ናብ ሓድሽ ደረጃ ምዕባለ ከምዝኣቱ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኡ መጠን ድማ ርእሰ ተኣማንነትና እናዓበየ ዕምሪ ጸላኢና እናሓጸረ ክኸይድዩ። ስለዚ ድማ ሓድነትና ኣደልዲልና ሞራልና ክብ ኣቢልና ንቕድሚት ንምርሽሞ ንሕናውን ከም ጎረባብትና ብመግዛእቲ ኣረሜናዊ ጃንዳ ዘይኮነስ ብስርዓተ ሕግን ዲሞክራስን እትምሓደር ሃገር ንውንነሉ እዋን ክቀላጠፍ ይኽእል።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ
ብተግባር!! ብርሃነ ገብረመድህን