ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

ናይ ካልእ ሃገር ዜግነት ብምግዛእ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት

እሙናት ውሃበቲ ሓበሬታ ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርታራ ከምዘረጋገጹልና ካብ እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ክወጹ ዘይከኣሉ ዜጋታትና ግን ከኣ ሩኡይ ጽልኣት ኣብ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎም ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት፤ ናይ ዝተፈላለዩ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይተቓዉሞ ሓይልታት ኣባልነት መንቀሳቐሲ ወረቐት ብኣዝዩ ኩቡር ዋጋ ማለት ካብ 15,000ናቕፋ ክሳብ 20,000ናቕፋ ብምኽፋል ናይ ኣባልነት ካርዲ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ምህላዎም ተርጋጊጹ፡፡ እዚ ከኣ ኣብ ማእከል ሃገርካ እንዳነበርካ ናይ ካልኦት ሃገራት ዜግነት ብምግዛእ ብጉልባብ ተቓወምቲ ንኽትነብር ዘገድድ ሕሱም ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ዘየተሓታትት ሓቂ ኢዩ፡፡ ብኣንጻሩ እቶም መራሕቲ ውድባት ብፍላይ ናይ ግንበት ሰባትን ድምሒትን ዝበሃሉ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ፡ ንትካላት ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንትካላት ስርዓት ህግደፍ ከም ድሌቶም ከንጠቕጥቕዎ ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዕሎም ብምህላዉ መራሒ ስርዓት ህግደፍ እሳይያስ፡ ልክዕ ከም ላዕለዎት መኮነናት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብዋጋ ተቓውምቲ ብዝብል ሓለፋ፡ ዝተፈላለየ ናይ ንግዲ ትካላት ብምትካልን ንጸገም መንእሰያት ኤርትራ መዝሚዞም መንቀሳቐሲ ወረቓቕቲ ብምሻጥን ጅብኦም ኣብ ምህጣርን ኣብ ሕሉፍ ፈንጠዝያን ምቾትን ከምዝርከቡ፡ ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ ኤርትራ ብዝሃቡና ሓበሬታ ክረጋገጽ ኪኢሉ ኣሎ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

31 / ነሓሰ / 2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ- ሕድሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *