ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ብምሕሳም መግቢ ዝጀመረ ሕቶኦም ናብ ኣብ ቃልዕ ምሕዳር ተሰጋጊሩ!!!
ኣብ ሆለት ዝተባህለ ቦታ መሬት እስራኤል ብዘይገበን ተዳጉኖም ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ትማሊ ባሕቲ ምስከረም 2016 ብሰሪ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ክግበረሎም ዘለዎ ናይ ቦታ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ብምጥላቦም ን4 መንእሰያት ካብኣታቶም መላዓዓልቲ ብዝብል ክሲ፡ ንገለ ካብ ተቖጻጸርቶም ዝኾኑ እስራኤላውያን ብህግደፋዊ ሽርሒ ብምድላል ፖሊስ እስራኤል ካብ ብጾቶም ፈልዮም ከምዝወሰድዎም ካብ እቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣነጺሩ፡፡ እቶም ስደተኛታት ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ትሕቲ ክፉት ቤትማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ተዘሪዖም ዝርከቡ ኤርትራውን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፡ ኣብ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ዕራርቦ ጀሚሮም ኣብ ሩሱን ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዝርከቡ ካብ እቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ንጹር ሓበሬተ የብርህ፡፡

ወሃቢ እዚ ሓበሬታ ካብ እቲ ቦታ ከምዝገለጸልና ምኽንያት እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝተፈገላለየ ናይ መቆጻጸሪ እሱራት ( እሳቶም ኣጋፍ ኢሎም ዝጽዉዑዎ ) በብቦትኡ ናይ መግቢ ምሕሳም ተጌሩ ምንባሩ እሞ እቲ ናብኡ ዘብጽሐ ጠንቂ ድማ جبهة اإلنقاذ الوطني اإلرترية – حيدرى ሕድሪ -ኤርትራ ድሕነት ሃገራዊ ግንባር እቶም ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዎም ፖለቲካዊ ሽግር ኣብ ምዝታይ ይኹን ኣብ ምልዉዋጥ ሓበሬታታት ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርን ህዝብን ኣብ ዝጽመድሉ ገለ ዉሑዳት ነቲ ዘሎ ናጽነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ኣብ እስራኤል ተጠቂሞም መልእኽቲ ስርዓት ህግደፍ ዘሳስዩ ሰባት ኣብ ኤርትራት ፖለቲካዊ ሽግር የለን፡ ናብ ዓድና እንተኸድና’ውን ጸገም ዝበሃል ብመንግስትና የብልናን እንዳበሉን ሕሱር ህግደፋዊ ፕሮፖጋንዳ እንዳነዝሑን ኣብ ምግላጽ ሽግራቶም ዕንቅፋት ይኾንዎም ስለ ዝነበሩ፡፡ እቶም ደለይቲ ለውጢ ከኣ ኣብ ሃገርና ህልም ዝበለ መላኺን ናይ መወዳእታ ጨቋኒን ብምህላዉ ክምጉቱን ጸበብኦም ኣብ ዝገልጽሉን ኣሳናኸልቲ ይኾኑዎም ስለ ዝነበሩ ብኡ መሰረት ድማ መንግስቲ እስራኤል ፈላልዩ ክሕዞምን ነቶም ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሽግር የለን ዝብሉ ካብ እቶም ፖለቲካዊ ሽግር ሃልዩስ ደለይቲ ፍትሒ ምዃኖም ዘነጸሩ ዜጋታት ፈልዮም ክሕዝዎም ብዘመልከትዎ ጥርዓን ጀሚሩ ክሳብ ካባና እንተዘይ ኣሊኹሞም ብዝብል ምሕሳም መግቢ፡ በጺሖም ምቕናዮም ይሕበር፡፡

በቲ ዘቕረብዎ ምልክታ ድማ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ከቋርጽዎ፡ ሓሙስ ( 01 / 09 /2016 ) ከኣ መልሲ ክወሃቦም ምዃኑ ካብ ናይ ቀረባ ተቖጻጸርቶም ተሓቢረዎም ክጽበዩ ድሕሪ ምቕናይ፡ ወከልቲ ኣቕረብቲ ሕቶ ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ውጺኢት ቆጸርኦም ክሰምዑ ናብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ኢመግራሽን ኣብ እቲ ካምፕ ምስከዱ ብኡ ኣቢሎም ናብ ካልእ ትርር ዝበለ ኣተሓሕዛ ዘለዎ እሱርቤት ንኸሳጋግርዎም ወይ ትርር ዝበለ ምርመራ ዝግበረሉ ቦታ ከምዝወሰድዎም ኢዩ ዝግለጽ ዘሎ፡፡ እዚ ካብ መዕቀሊኦም ወጺኦም ኣብ እቲ ሰጣሕ ጎልጎል ናይ ምሕዳር ስጉምቲ ወሲዶሙሉ ዘለዉ ሆለት ጻሮኒም ዝበሃል ቦታ ብባህሪኡ ቀትሪ ተባላዒ ጸሓይን ሃሩርን ኮይኑ ለይቲ ድማ ዛዕዛዕታን ቀዝሕን ዝተፍእ ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
02 / መስከረም / 2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ