ካብ 7- ከተማታት ኤርትራ፡ 32 ኣመንቲ ምስልምና ተኣሲሮም።

ጸጥታዊ ስርዒት ኤርትራ፡ ኣብ ሸውዒተ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ሓዯ ግዜ ተዋፊሮም፡ ሰላሳን ክልተን (32) ዜጋታትና ከምዝኣሰሩ ተረጋጊጹ ኣሎ።ዕለተ ፍጻሜ ማእሰርቲ፡ ብዕለት 24/ 08/ 2016 ብዝተወዯበ ኣገባብ ኣብ ሓዯ ግዜ እዮም ተኣሲሮም። እዞም ካብ ሽውዒተ (7) ከተማታት ተጨውዮም ዝተኣስሩ ብዝሖም ሰላሳን ክልተን (32) እዮም። ኩሎም ድማ ኣመንቲ ምስልምና ዜጋታትና እዮም። ምኽንያት መእሰሪኦም ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ ነገር የለን።

እዞም ካብ 7- ከተማታት ዝተጨውዩ 32 እሱራት፡ ከምዚ ዝስዕብ ዝርዝር ኣለዎም። ካብ ኣስመራ 11 ሰባት ተኣሲሮም። ካብ ከረን 5 ሰባት። ካብ ፎሮ 5 ሰባት። ካብ ኣፍዒበት 4- ሰባት። ካብ ባጽዕ 3 ሰባት። ካብ ጊንዳዕ 2 ሰባት። ካብ ሃበሮ 2 ሰባት ይርከቡዎም።

ኩሎም እሱራት ከካብ መንበሪ ቦትኦም ኣብ ሓዯ መዒልቲ ብዝተወዯበ ኣገባብ ምስተኣስሩ፡ ብዕለት 25/ 08/ 2016 ኩሎም ናብ ኣስመራ ከባቢ ፎርቪያ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ተሰጋጊሮም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኣበይ ከምዘለዉ ስለዝተቓልዏ ስርዒት ኤርትራ ናበይ ከምዘብሎም ኣይተፈልጠን።

እዚ ቤት ማእሰርት’ዚ ብሃገራዊ ድሕነት ዝቖመ ኮይኑ፡ ብሓላፊ ጸጥታ ዞባ ማእከል ብ- ኮሎኔል የማነ ኣፈወርቂ ከምዝመሓዯር ንሲቪል ስለያ ኣብ ዘቃላዕናሉ ግዜ ገሊጽናዮ ምንባርና ዝዝከር እዩ።

ካብ ኣስመራ ዝተኣስሩ ሰባት ሰለስተ (3) ዯቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 11- ሰባት ከምዝተኣስሩ ክረጋገጽ ኮሎ፡ ክሳብ ሕጂ ናይ 9- እሱራት ዝርዝር ኣስማት በጺሑና ኣሎ። ንሳቶም ድማ፡

1- ዒብዯልራሕማን መሓመድ።

2- ኣሕመዲን ዐመር።

3- ዐስማን ስራጅ።

4- ኣልኣሚን ጣሃ።

5- ኣሕመድ ማሕሙድ።

6- ሰሚራ ማሕሙድ።

7- ዒብዯላሂ ኣሕመድ።

8- ሙስጣፋ ኢብራሂም።

9- ስዑድ ዒብዯል ወሃብ ይርከቡዎም። ናይ ዝተረፋ ክልተ ዯቂ-ኣንስትዮ ኣስማት ጌና ኣይተጻረየን ኣሎ።

ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ ናይ ዝተረፉ ኣስማት ንምፍላጥ ጻዕሪታት ንገብር ኣለና። መብጽዒ ኣይንኣቱን ግና ዝርዝሩ ኣብ ዝረኸብናሉ ግዜ ንህዝብና ክንሕብር ክንፍትን ኢና።

ስርዒት ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ኣመንቲ ምስልምና ዘተኮረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣብ ሓዯ መዒልቲ ካብ 7- ከተማታት ክፍጽም ዯልዩ? ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ንጹሃት ዜጋታትና ብጃምላ ምእሳር ሓዲሽ ፍጻሜ ኣይኮነን። ናይ ሕጂ ዕላማ ማእሰርቲ ዜጋታትና ኣመንቲ ምስልምና ግና እንታይ’ዩ ጸጥታውን ፖለቲካውን ውዲቱ ብዕምቆት ምክትታል ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ይመስለና። ምኽንያቱ ስርዒት ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታትን፡ ኣውራጃታትን፡ ብሄራትን ግጭት ንምፍጣር ካብ ዝኽተሎ ከፋፋሊ ሜላ ንኹልና ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ፡ ዝኾነ ዜጋ ብዘይመስርሕ ፍርዲ ክእሰር ምግሃስ ሰብኣዊ – መሰላት ስለዝኾነ፡ ብስርዒት ኤርትራ ንዝውሰድ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ዜጋታትና ኣጥቢቑ ይኹኑኖ።

ዜናን ባህልን፣ ስሙር ዯሞክርሲያዊ ግንባር ኤርትራ

www.EriFront.com E-mail: uedf2012@gmail.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *