
ጨንፈር ኣህጉራዊ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኢጣልያ፡ ካብ 3-10 መስከረም 2016 ኣብ ዘሎ መዓልታት ኣብ ከመይነት ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡ ኣብ’ቲ ገና ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘየረኸበ ናይ ኤርትራውያን ሬሳታት ተኾሚርሉ ዘሎ ደሴት ላምፐዱዛ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ከካይድ መዲቡ ከም ዘሎ፡ ኣስካ ኒውስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ከተማ ሮማ ሓቢሩ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ’ቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኤርትር ኣብ ብ3 ጥቕምቲ 2013 ዝተቐዝፍሉ ቦታ ከካይድ ምምዳቡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ዘመላኽት’ዩ ዝበለ ኣስካል ኒውስ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መንግስቲ ህግደፍ ኣብ’ቲ ተመዲቡ ዘሎ መጽናዕታዊ ዋዕላ ክርከብ ዕድመ ከም ዝተገብረሉ፡ ግን ዛጊት መልሲ ከምዘይሃበ፡ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ግን ንዝተገብረሎም ዕድመ ኣምስጊኖምን ኣኽቢሮምን ብኣካል ተረኺቦም፡ መጽናዕታዊ ወርቓቕቲ ከቕርቡ ምዃኖም ኣፈኛ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከም ዘረጋገጸሉን መርበብ ሓበሬታ ኣስካል ኔውስ ኣረዲኡ።
ርእሰ ሊቀነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፍራንሲስ
ምስ ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ተራኺቦም፡ ጸገማቶም ሰሚዖምን ኣተባቢዖምን።
መንፈሳዊ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቼስኮስ፡ ምስ 65 ኤርትራውያንን ሶርያውያን ስደተኛታት ቆልዑ ብኣካል ተራኺቦም፡ እቶም ቆልዑ ዘለዎ ጸገማት ሰሚዖምን ኣለለዮምን ከም ዘተባብዑ፡ ንረድዮ ቫቲካን ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኤይ ኤፍ ፒ ጸብጺቡ።
እቶም ካብ ከተማ ሮማ 25 ኪ-ሜ ንሰሜን ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስቴልንዎቮ ዲ ፖርቶ ተዓቚቦም ዘለው ቆልዑ፡ “ጳጳስ ፍራንቼስኮስ የቐንየለና” ዝብል ማልያ ለቢሶም፡ ኣነ ገዛይ ዝብሎ ሰላም ዝሰፈኖ ጥራሕ’ዩ ዝብል መዝሙር ከም ዘስምዕዎምን ኤይ ኤፍ ፒ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዑቕ ግፋ ከም ዘካየደ ተገሊጹ።
ኣባላት ጸጥታ እስራኤል ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ጎደናታት፣ ካብ ቦታ ስራሕ፣ ካብ መንበሪ ኣባይቲ ከይተረፈ፡ ማዕጾ እናሰበሩ ብምእታው ብዘካየድዎ ሓይሊ ዝተሓወሶ ጽዑቕ ግፋ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ተወሲዶም ከም ዘለው ረድዮ ኤረና ሓቢራ።
እቶም ኣብ’ቲ ግፋ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ሲቪላዊ ክዳን ለቢሶም ነገሩ ንዝደለዪዎ ኤርትራዊ ሃንደበት ቪዛ እናሓተቱ ከም ዝኣስርዎ፡ ኣብ’ቲ ቤት ማእሰሪ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክንከይድ ኢና ኢልኩም ፈርሙ እናበሉ ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ ስቅያታዊ መግረፍቲ ከም ዘብጽሕሎምን ረድዮ ኤረና ካብ’ቶም ግዳያት ረኺበዮ ንዝበሎ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ኣፍሊጣ።
ኣቃውማ ህዝቢ ኤርትራ ብከም’ዚ ንዕዘቦ ዘለና ኣገባብ ክፈርስ
ስቕ ምባል ዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ’ዩ ተባሂሉ።
ኩነታት ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ፡ ማሕበራዊ ኣቃውማ ህዝቢ ኤርትራ ብናህሪ እናተናገዐ ስቕ ኢልካ ምዕዛብ ድማ ሓላፍነታዊ ኣይኮነን ክብል መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ብ8 ነሓሰ 2016 ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ መኺሩ።
ኣብ’ዛ ንገዛ ርእሱ ተስፋ ቆሪጹ ንህዝቢ ተስፋ ዘቑርጽ መንግስቲ ዝመርሓ ዘሎ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ቁጠባውን ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ከም ዝኾነ፡ ሰበ-ስልጣን እቲ ስርዓት ስድራ ቤቶም ኣብ ውሑስ ቦታ ኣስፊሮም፡ ብጉልባብ ነጻነትን ልኡላውነትን ህይወት ደቂ-ድኻታት ንከንቱ ክቕዘፍ ከም ዝገብሩ ብምግላጽ፡ ከም’ዚ ኢልካ ንምቕጻል ከምዘይከኣል፡ ስለዚ ከኣ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ካብ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ደላዪ ለውጢ ዝጥለብ፡ ንጹር ራእይን ትብዓትን ከም ዝኾነን ዓዋተ ኣረዲኡ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 12-08-2016