ኣዳላዊ ትካል ዜና ፈረንሳ “ኤይ ኤፍ ፒ”
ትርጉም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ኣህጉራዊ ትካል “ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል” ከም ዘረጋገጾ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ፡ ኣብ ኢድ ጨካናት ኣሰጋገርቲ ወዲቖም፡ ይሳቐዩ ኣለው። እቲ ስቅያት ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ መግረፍቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ክጸምኡ ክጠምዩ ምግባር፡ ካብ’ዚ ንላዕሊ ከኣ ክሳብ ምቕታል ዝበጽሕ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እዞም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፡ ንሓደ ስንኩል ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ዝሳፈረላ ዝነበረ ፒክ ኣብ ዝዓይነታ መኪና ብሓይሊ ጎቲቶም ናብ መሬት ደርቢየሞ። ኣብኡ ድማ ረዳኢ ስኢኑ ተሳቕዩ ሞይቱ። እዚ ኩሉ ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበረ ሰብ እናተዓዘቦም ዝገበርዎ’ዩ።
ሓንቲ ጓል 21 ዓመት መንእሰይ ኤርትራዊት ድማ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ሓደ ዕጹው ገዛ፡ ትሸዓተ ኣዋርሕ ጸሓይ ብርሃን ከይረኣየት ከም ዝተዳጎነት ትዛረብ። “ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል” ብዘይካ’ዚ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ግፍዕታት፡ ምስ ሃይማኖታዊ እምነት ብዝተኣሳሰረ ዝፍጽምዎ በደላት’ውን ዘስካሕክሕ ምዃኑ ይገልጽ። እዞም ገበነኛታት ንኹሉ ዘሳቕዩ’ኳ እንተኾኑ፡ ካብኡ ናብኡ ግን ኣማኒ ሃይማኖት ክርስትና ኣይግበርካ’ዩ ይብል። ንሱ ማለት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነዚ ሓቅታት’ዚ ንግዳያት ብቐጥታ ረኺቡ ኣዛራሪቡ ዝኣከቦ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ከተማ ፑሊያ ከምኡ’ውን ከተማ ሲሲሊያ (ኢጣሊያ) ን90 ዝኾኑ ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ንኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ኣመልኪቱ ከም ዘዛራረቦም፡ ዝተዋህቦ ርእይቶ ድማ ብስነ- ስርዓት ሰኒዱ ዓቂብዎ ከም ዘሎን ይረጋግጽ። ኩሎም’ዞም ቃለ መጠይቕ ዝገበሩ መሳኪን፡ ግዳይ ናይ’ቶም ጨካናት ኣሰጋገርቲ ኮይኖም ዝረኸብዎ ስቓይ ከይኣኽሎም፡ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ንምስጋር ዝሓለፍዎ መስገደል’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ፈተነ ምንባሩ’ዩ። ሎሚ ብሓቂ ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ኮይኖም ነቲ ዝሓለፈዎ ከዘንትውልካ እንከለው፡ ናይ ጽውጽዋይ ትረኻ ኮይኑ ይስመዐካ። ጽውጽዋይ ዘይኮነ ግን ሓቂ ብሓቂ ዝሓለፈዎ ህይወት’ዩ። እቶም ኤርትራውያን ድሕሪ’ቲ ብመልክዕ ትረኻ ዘቕርብዎ ናይ ጉዕዞ መስገደል፡ እንታይ’ሞ ክንገብር ኣብ ሃገርና ካብ’ዚኦም ዝኸፍአ ስርዓት ክሳብ ዝሃለወ ብምባል’ዮም ሕርቃኖም ዝገልጹ።
ስለዚ ሊብያ ከም ኤርትራ ሲኦል’ያ። ኣብ ሊብያ ዘሎ ሲኦል ብመግረፍቲ፣ ብጾታዊ ዓመጽ፣ ብምርሳይ ገንዘብ ጥራሕ ዝገልጽ ኣይኮነን። ካብኡ ንላዕሊ ኣሎ። ብደውካ መሸጣ ከም ጠለ በጊዕ’ውን ህልዊ’ዩ። ኣብ ሊብያ ዕዳጋ ባሮት ከምዘሎ’ዮም ዝገልጹ እዞም ውጻእ መዓት። ኣብ ከም’ዚ ምቅዋም ኣይፍቀድን። ስለምንታይ’ሲ እንተተቓዊምካ ሽዑ ንሽዑ ብጥይት ትርሸን። ሰኣን መባእታዊ ሕክምና መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ህይወት ምጥፋእ’ውን ህልዊ’ዩ። ጳውሎስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ነዚ ኩሉ ብዓይኑ ርእይዎን ብኣካል ኔርዎን’ዩ። ኣብ ከተማ ሰብሓ ካብ መካይን ናብ መሬት ደርብዮም ኣብ ጸምጸም በረኻ ገዲፈሞም ክኸዱ ብዓይኑ ከም ዝረኣየ’ዩ ዝዛረብ። ሓደ ኣሕመድ ዝተባህለ ሶማላዊ ድማ ሊብያ እትው ክትብልን ክትድጉዶግን ሓደ’ዩ ይብል። ምስኡ መግቢ የለን። ዝስተ ማይ የለን። ብትንፋስ ዝሰሓብ ኣየር’ውን ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝረኣኽዎ ክሕብረኩም። ኩሉ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበረ ስደተኛ እናተዓዘቦም ንሓደ ወዲ 20 ሶርያዊ ተኲሶም ይቕትልዎ። ገንዘቡ ወሲዶም ድማ ሓመድ ኣዳም ከየልበሱ ገዲፈሞ ከይዶም። እዚ ብዓይነይ ዝረኣክዎ ሕልፍ ጭካኔ ናይ’ዞም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ’ዩ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ዳሪክተር ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝኾነ ማዳሌና ማግራቢ ድማ ከም’ዚ ይብል። ሊብያ ብኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛኣ ካብ ስርዓት ኣስመራ ፈሊየ ኣይሪኣን። ሲኦል ኢልካ ክትገልጻ ክውሕዳ’ዩ። ሰበ-ስልጣን ሊብያ ልዕልና ግዝኣተ ሓጊ ዘረጋግጽ ባይታ እንተዘይፈጢሮም እቲ ሽግር መሊሱ ክብእስ ምዃኑ ኣየካትዕን። ኤውሮጳዊ ሕብረት ነዚ ኣብ ሊብያ ዘሎ ሽግር ብርዝነት ተዓዚቡ እቶም ኣብኡ ተዓጊቶም ዘለው ስደተኛታት ቀልጢፎም ናብ ኤውሮጳ ክኣትው ዘኽእሎም ዕድል ክፈጥር ኣለዎ።
ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ጉዕዞ ስደት፡-
“ትካል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል” ኣብ ጉዕዞ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝበጽሕ ግህሰታት ንምፍታሽ ን15 ኣዋልድን ሰብ ሓዳርን ከም ዘዛራረበ ይሕብር። በቲ መስመር’ቲ ዝሓልፋ ደቂ-ኣስንትዮ ኣቐዲመን ጸረ-ጥንሲ መድሓኒት ከም ዝወስዳ፡ ኣብኡ ምስ በጽሓ ከኣ እቲ ኣቐዲመን ዝፈርሓኦ ከም ዘጋጥመን፡ እቲ ጾታዊ ዓመጽ፡ ከላሽን ብዝዓጠቑ ጉጅለታት ኣብ መዕረፊ ቦታታት፡ መጸበዪ ገዛውቲ፡ ገራጃት ብውልቀን ብደረጃ ጉጅለን ከም ዝፍጸም ቃለ-ምስክርነተን ከም ዝሃባ ጸብጺቡ። ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዓመጽቲ ንሓንቲ ጓል 22 ዓመት ኤርትራዊት ምሉእ ገንዘብ ኣይከፈልክን ኣታሊልክኒ ብዝብል ምስምስ የፋጥጠላ። ንሳ ድማ ዝሓተትካኒ ገንዘብ ኩሉ ከፊለካ’ያ ትብሎ። ከም ብዱልን ዝሓረቐን መሲሉ ምስ ካልኦት ዝኸምኡ ብሓባር ክጋሰስዋ ከም ዝረኣየት ምስክርነታ ሂባ። ንሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ 5 ኣወዳት። ኩሎም ከኣ ሊብያውያን። እታ ግዳይን ምስክርን ኩለን ኤርትራውያን’የን። ካልእ ራምያ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት ኤርትራዊት ድማ፡ ቅድሚ’ቲ ኢ-ሞራላዊ ዝኾነ ተግባር ምፍጻሞም ካናቢስ ዝተባህለ ዓይነት ሓሽሽ ከትክኹ ከም ዝተዓዘበት፡ ድሕሪ ሓሽሽ ምውሳዶም ከም ኣቕሓ ዕዳጋ እዚኣ ነዓይ፡ ኣይፋል ንዓይ’ባ እናተበሃሃሉ ጎጎቲቶም ከም ዝወስድወን ገሊጻ።
ዝተሓተተካዮ ገንዘብ ትኸፍል ኣይፋል እንተበልካ ንገብሮ ኣለና፡
ሰባት ጨዊኻ ገንዘብ ከም ዝኸፍሉ ምግባር ልሙድ’ዩ። ሰመረ ኣብ ዕስራታት ዕድመ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ’ዩ። ኣብ’ቲ ገንዘብ ኣምጽእ የብለን ዝበሃለሉ እዋን ብመግረፍቲ ኣሳቕይዎም ዝቕትልዎም ሰባት፡ ካብ’ቲ ሸላ ኣውጺኦም ቀለብ ኣሞራ ክኾኑ’ዮም ዝድርብይዎም ይብል። ሰመረ ዕድል ጌሩ ዝተባህሎ ገንዘብ ቀልጢፉ ከም ዝኸፈለ። እንተኾነ ናብ ካልኦት ሰባት ከም ዝተሸጠ ቃለ ምስክርነቱ ሂቡ። ስድራ ቤት ጭውያት ቀልጢፎም መታን ዝተሓተተ ገንዘብ ክኸፍሉ፡ ምስ ደቆም ድዮም መቕርቦም ብስልኪ ከም ዝራኸቡ ብምግባር፡ ጭውያት ብስቓይ ኡውይ ክብሉ እንከለው ከም ዘስምዕዎም’ውን ሓቢሩ። ኣብ’ቲ መዳጎኒ ቦታት ዘጋጥመካ ሕማም ቆርበት ንባዕሉ ካልእ ርእሱ ዝኸኣለ ስቓዩ ድማ ኢሉ።
ሊብያ ኣሽባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ከም ቃሕታኡ ዝንቀሳቐሰላ ሃገር ከም ዝኾነት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ። ሓንቲ ኤርትራዊት ኣዛራርቡ ዝሃበቶ ቃለ-ምስክርነት ክገልጽ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 71 ሰባት ካብ ቤንጋዚ ናብ ትሩፖሊ ኣብ እንጎዓዘሉ ዝነበርና ኣጋጣሚ፡ ዕጡቃት ዳዕሽ ደው የብሉና። ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ኢሎም ድማ ይፈላልዩና።ቀጺሎም ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኢሎም ይፈላልዩና። ንኣመንቲ ክርስትና ናብ ትሪፖሊ ይወስድዎም፡፡ ንኣመንቲ ምስልምና ከኣ ናብ ኣንደር የእትውና። ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣብኡ ተዳጒና። 11 ኣዋልድ ኔርና። ክልተ ነገር ክንፍጽም ድማ ኣዚዞምና። ሓደ ኣንስቶም ክንክወን እንተዘይኮነ ከኣ ባሮት ኮይና ከነገልግሎም። ኣማል ዘረባኣ ብምቕጻል ንሳ ናብ ሓደ ቀዋሚ ሰብኣዊ ቅድሚ ምስግጋራ ዝተፈላለዩ ኣባላት ዳዕሽ ከም ዝተጋሰስዋ ኣብሪሃ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኩሉ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓተቲ ፖለቲካዊ ዕቑባ ኮነ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ግፍዕታት፡ ዘየዛርብ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ ይረጋግጽ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 12-08-2016
Gereger.com