ስርዓት ህግደፍ መንዩ እንታዩ ከመይ ከመዩ ስዉር ውዳቤኡን ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራን ክፈልጥ ንዝደሊ ብተኸታታሊ ነዚ ጽሑፍ ብልቢ ከንብቦን ክምርምሮን ኣለዎ። ሳክቲዝም ታሪኽ ዘይኮነ ዘውግዕ ዘሎ ንጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታዩ ሃሪምና ከም ንቐትሎ’ዩ ብተወፋይነት ዝዕልመና ዘሎ።

 

Image may contain: 1 person , beard and text

 

ስርዓት ህግደፍ መንዩ እንታዩ ከመይ ከመዩ ስዉር ውዳቤኡን ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራን ክፈልጥ ንዝደሊ ብተኸታታሊ ነዚ ጽሑፍ ብልቢ ከንብቦን ክምርምሮን ኣለዎ። ሳክቲዝም ታሪኽ ዘይኮነ ዘውግዕ ዘሎ ንጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታዩ ሃሪምና ከም ንቐትሎ’ዩ ብተወፋይነት ዝዕልመና ዘሎ።
የቐንየልና ሳክቲዝም!!!

እዚ ጽሑፍ ካብቲ ባሕሪ ናይ ደም ገበናት ስርዓት ህግደፍ ብጭልፋ ኢዩ። ኩሉ ንኽፈልጦን ንኽበጽሖን ሼር ምግባር ሓላፍነት ኩልና ኢዩ። ብሳክቲዝም ናይ ጥፍኣት ስነሓሳብ……..

ብደም ዝዓፈተወ ቤት

ሳልሳይ ክፋል

ሰብ ሸናሕቲ ኣእዳው…

ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝተፈጸሙ ሚስጢራዊ ቅትለት
ኣመጻጽኡ ብዘየግድስ፡ ሓደ ናብ ስልጣን ዝደየበ ንህዝቡ ዝግደስ መንግስቲ፡ ንዝመርሖ ህዝቢ ራህዋ፡ ሰላምን ቅሳነትን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ክልተ መሰረታዊ ባእታታት ኣድሂቡ ብግቡእ እንተዓሚሙ ኣብ ሓጺር ግዜ ምዕብልትን ብልጽግትን ሃገር ንምፍጣር ምቹእ ባይታ የንጽፍ፡፡ እዘን ክልተ መሰረታዊ ኣዕኑድ መርሓ ህዝብን መንግስትን፡ ሃገራዊ ረብሓን (national interest) ሃገራዊ ጸጥታን (National security) ተባሂለን ይጽወዓ፡፡ ሃገራዊ ረብሓ ማለት ብሓጺሩ ዝበዝሐ ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር፡ እንታይ ይምነን ይደሊን? ዝብል መሰረታዊ መልሲ ዝሓዘ ኣምር እዩ፡፡ ከም ኤርትራ፡ መዋእል ብባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ድኽነት፡ ብኩናትን ወረ ኩናትን ዝተጎሳቖለት ሃገር ብምኻና፡ ሃገራዊ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ይድረኽ፡፡ እተን ኣንጻራዊ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዘስፈና ሃገራት ምዕራብን ኣሜሪካን ከኣ፡ ኣብ ዓለም እንኮ ሓያላን ንምኻን ዘኽእለን ሃገራዊ ረብሓ ይሕንጽጻ፡፡ እቲ ምንታይሲ ሕቶ እንጌራ ስለ ዝመለሳ፡፡

ሃገራዊ ረብሓ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘይተሓለለ ጻዕሪን ቃልስን ብውሽጥን ብግዳምን ንዝመጽእ ዘቤታዊን ግዳማዊን ተጻብኦታት ንምብዳህ ከኣ፡ ሃገራዊ ናይ ጸጥታ መርሓ ይሕንጽጽ፡፡ ብመንጽር እዚ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ረብሓ፡ (ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን) ንምርግጋጽ፡ ሃገራዊ ትካላት ጸጥታ (ሓይልታት ምክልኻል፡ ፖሊስን እንዳጻጥታን ካልኦትን) ቆይመን፡፡ ረብሓ ሃገር ብምውሓስ ብሩህ መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ንምርሃው፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተፈላለየ ቅርጽን ውዳቤታትን ዝሓዛ፡ ሚኒስትሪታት፡ ኮሚሽናት፡ ቤት ጽሕፈታትን በዓል መዝታትን ኣብ ሃገርና ምስተመስረታ ጎኒ ንጎኒ መሓውራት ጸጥታ ክዓማ ጀሚረን፡፡

ድሕሪ ናጽነት ዝቖማ ዳርጋ ኩለን ትካላት ጸጥታ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ኣብ ክንዲ ምውሓስ፡ መናውሒ ስልጣን ምልክን፡ መጋርያ ጥፍኣት ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራን ክኾና ተቐሲበን፡፡ ካብተን መጋበሪያ ኢሳይያስን፡ መናውሒ ዕምሪ ስልጣኑን ዝኾና ትካላት ጸጥታ፡ እቲ ቀንዲ ኣብ 1990ታት “ውሽጣዊ ጉዳያት” ብዝብል ስም ዝተጋሃደ፡ ዲሒሩ ከከም ኣድላይነቱ ቅርጹን ውዳቤኡን እንዳቀያየረ ዝመጸ ብኣገላልጻ መብዛሕትና “እንዳ ጸጥታ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት’ዩ፡፡ ሚዛናዊነትን ሃገራዊነትን ብዝሓለወ ኣገባብ፡ ክፋእ ተግባራት ኢሳይያስን ናይ ጸጥታ መሓውራቱን፡ ህዝቢ ክፈልጦ ምግባር በቶም ጠላማት “ክድዓት” እንዳተብሃለ ሕጂ ውን መናውሒ ስልጣን ምልኪ ኮይኑ’ሎ፡፡ “ከዳዕ” መን ምኻኑ ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ኣብ ዝፈለጠሉ ዘለናዮ መድረኽ፡ ሕጂ ውን ከም ትማል ምስጢር እዞም ጠላማት ምድርጋሕ ቀጺለዮ ኣለኹ፡፡
ኣብ ትሕቲ “ሰብ ሸናሒት ኣእዳው” ዝብል ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ከምዝገለጽኩዎ፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ኣብ ሃገርና ብዝተፈላለዩ ምስምሳት ዝተገብሩ ምጽናት ወለዶታትን ህዝብታትን፡ ካብቶም ቀንዲ ተሓተቲ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብኮሎኔል የማነ ኣፈወርቂን ሌ/ኮሎኔል ፍጹም የውሃንስን ዝተሰነየ ጽሑፍ ምቕራበይ ይፍለጥ፡፡ ንሎሚ ከኣ፡ ብስም “ጸጥታ” እንዳመሳመሱ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ዘጽነቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ዛንታ ኮሎኔል የማነ ዓንደማርያም (ሶኮሎቭ) ምስ መረዳእትኡ ኣሰንየ የቕርበልኩም፡፡

ድሕሪ ናጽነት “ውሽጣዊ ጉዳያት” ብዝብል ተጠሚቑ ብነብሲሄር ዓሊሰይድ ዓብደላ ዝተመርሐ እንዳ ጸጥታ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ ብሃውሪ እንዳተመቓቐለ ዝተፈላለየ ቅርጺ ሒዙ ናይ ክፋእ ተልእኾታቱ ክዓምም ጸኒሑ፡፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ትማል ዝነበሮ ቅርጺ ሎሚ የለን፡፡ ትማል ኣብ ሓደ ክፍሊ ወይ ከኣ ኣካል ዝነጠፈ ኣባል ሎሚ ኣብ ካልእ ክፍሊ ወይ ኣካል ክነጥፍ ይግበር፡፡ እዚ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝካየድ ተጋላባጢ ኣሰራርሓ ደይ መደይ ተባሂሉ ብኢሳይያስ ዝፍጸም ኮይኑ ቀንዲ ዕላምኡ ሓበሬታ ከይዘሩቕ፡ ኣባላት ከይፋለጡን ከይወዳደቡን፡ ስምረትን ሓድነትን ከይፍጠር፡ ክፋእ ተግባራት ከይፍዳሕን ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን እዩ፡፡

ዕላማታቱ ተኾሊፉ፡ ቀዋሚ ቅርጺ ኣብ ዘይብሉ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ የልቦን፡፡ መብዛሕትኦም ናይ ጥፍኣት ተግባራት ብፍላጥን ዘይፍላጥን ዝትግበሩ እዮም፡፡ ዝተቓለስሉ ዕላማ ከምዝተጨወየ ድሒሩ ዝተረደኦም፡ ኣብ ዝተፋላለዩ ኣካላት ተወዚዖም ብፍላጥን ዘይፍላጥ ደቂ ኣዳም ዘሕቀቑ፡ ደንጊዩ ምስተረድኦም ብጣዕሳን ሕርቕርቖትን ጥዑም ድቃስ ለይቲ ስኢኖም፡ ናብ ናሕሲ ክቋመቱ ዝሓድሩ ኣብ ስኽራን ዝተጠላቐዩ ብዙሓት ኣልኮሊዛቶ ኣባላት ኣለው፡፡ ብተወሳኺ ብዝተፋላለዩ ገብናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ተጠላቒዮም፡ “ብፍላጥ” ብዙሓት ዜጋታት ዘጽነቱ፡ ንንስድራቤቶም ደምነት ዝሓድጉ፡ ህልውንኦም ምስ ዕምሪ ኢሳይያስ ዝተኣሳሰረ ጨካናት ኣባላትን ሓለፍትን እውን ኣለው፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣብ ሓደ ጽፍሒ ነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ኣዚዮም ውሑዳት እዮም፡፡ ብኢሳይያስ ኣብ ዝካየድ ቀጻሊ ምቅይያራት ትማል መጋበሪያን ቀተልትን ዝነበሩ ኣባላት፡ ሎሚ ደስኪሎም፡ ናብ ካልኦት ኣካላት መንግስትን ግንባርን ተቐይሮም፡ ተኣሲሮም፡ ሞይቶም፡ ተሰዲዶም፡ ገሊኦም “ቀጣን በትሪ ሰውራ ፈሪሖም” ዘጽቀጡ፡ ገለ ከኣ ክዛረቡ ዝፍትኑ ኮታስ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ፋሕ ኢሎም ኣለው፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!!

ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን “ብገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት” ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ ኣብዚ እዋን”ዚ፡ ንሕና ኤርትራውያን ነቶም ቀንዲ ተሓተቲ ኣብ ምምማይ እጃምና ክንገብር ይግባእ፡፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ መጻኢት ርህውቲ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ነቶም “ብዘይፍላጥ” ብገበን ዝተጠላቐዩ “ደቂ ገርሂ ልባን”፡ ብፍላጥ ሃገር ናብ ጥፍኣት፡ ህዝቢ ናብ ምጽናት፡ ዝሸመሙ ብሕጊ ክሕተቱ ዝግበኦም “ሰብ ደም”ን ብኣግኡ ምፍላይ የድለየና ኣሎ፡፡ ከም ሳክቲዝም ዘበርክቶ እጃም ውን ብመንጽር’ዚ ዕላማ እዩ፡፡ ኣቱም ብዙሕ ምስጢራት እትፈልጡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ኮይንኩም “ዘጽቀጥኩም” ኣባላትን ሓለፍትን፡ ታሪኽ ተገምጢሉ ይሓተና ስለዘሎን፡ ካብዚ ግዜ ንላዕሊ ሃገርኩምን ህዝብኹምን እተድሕንሉ እዋን ስለዘየለ፡ እጃምኩም ክተበርክቱ በዚ ኣጋጣሚ እላቦ፡፡

ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ዝካየድ ቀጻሊ ምቅይያራት ዳርጋ ኩሎም ኣባላት፡ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ኣብ “ዝምልከቶምን ዘይምልከቶምን” ተግባራት ክዋስኡ ይግበሩ’ዮም፡፡ ብዝተፋላለዩ ምስምሳት፡ ካብ መላእ ሃገር ዜጋታት ዘሕቀቐትን ዘጥፍአትን ኣብታ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ዝገለጽኩዋ ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን በቢግዝኡ ዝተፈላለዩ ኣባላት ተዋሲኦምላ እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ዘለው ሓለፍቲ በዓል የማነ ኣፈወርቂ፡ ፍጹም የውሃንስን ሽደን መለስን ይኹኑ’ምበር፡ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ብሓባር ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሒታት ብቐጥታ ይሳተፉ እዮም፡፡ ንሎሚ ናይ ሓደ ሓላፊን ዝመርሖ ኣካልን ተግባራት ከዕልለኩም፡

ኮሎኔል የማነ ዓንደማርያም (ሶኮሎቭ)፡

ካብ ሜዳ ጀሚሩ ኣባል 06 ኮይኑ ኣብ ኣስመራ ናይ ዝተወደቡ ኣባላት ሕቡኣት ሓፋሽ ውድባት ሓላፊ ብምኻን ኣብ ዓላን ሓረንገደለ (ከባቢ መንደፈራ) ተመዲቡ፡ ንናጽነት እጃሙ ዘበርከተ ውፉይ፡ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኔሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተመዲቡ ብፍላይ ኣብ ምክትታል መራሕቲ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ትካላትን፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት (NGO`s)ን ኣብ ምክትታል ግብረ ሽበራን ክነጥፍ ጸኒሑ ‘ዩ፡፡ ኣብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ባርካ፡ ኣብተን ንሸነኽ ደቡብ ኣብ ዝርከባ ቪላታት ዝነብር የማነ ሶኮሎቭ፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊት ክፍሊ ምምሕዳር ዝነበረትን፡ ብሰንኪ ትረታ ደስኪላ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሚኒስትሪ ቱሪዙም ምስ ዝተወዘዐት፡ ኣባል 06 ነበር፡ ሌ/ኮሎኔል ኣበባ ትኩእ ሓዳር ገይሩ ቆልዑት ወሊዱ’ዩ፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ “ኣካል ግብረ ሽበራን ብልሽውናን” እዩ፡፡ ምቋም ኣካላት ግብረ ሽበራ፡ ጥሩፍነትን ብልሽውናን ኣብ ናይ ኩለን ሃገራት መሓውራት ጸጥታ ዝቖውምን ዝስራሓሉን እዩ፡፡ ብስም ግብረ-ሽበራን ብልሽውናን ብበዓል ሶኮሎቭ ዝምራሕ ኣብ ሃገርና ዝቖመ ኣካል ጸጥታ ግን፡ ኣብ ምጥፋእ ብዙሓት ዜጋታት ዝነጥፍ እዩ፡፡ ብመሪሕነት ኮሎኔል የማነ ዝተፈላለየ “ምኽንያት” እንዳተጠቃዓሎም ዝተኣሰሩ፡ ዝተሰወሩን ስጉምቲ ተወሰደሎም ገለ ዜጋታት ንተዓዘብ፡፡

ሀ) ብምስምስ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት

ንኣጠፋፍኣ ባህር ስነ-ጥበባዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊን ብጾቱን ኣመልኪተ ኣብ ዝፈነኹዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወስደ ኣሰቃቒ ስጉምትን ከምዝገለጽኩዎ መጽንዕቱን ምጽንጻኑን ብበዓል የማነ ሶኮሎቭ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ምርመርኡን ቅትለቱን ድማ ብበዓል ኮ/ል የማነ ኣፈወርቂን መጀር ካሕሳይ በየነን ዝተፈጸመ’ዩ፡፡ ኩነታት ኣተሓሕዛን ኣቀታትላን እቶም ግዳያት ከምተገልጸ ኮይኑ፡ ካብኣቶም እቲ ሓደ ጋዜጠኛ ጅምዕ ከሚል ዝተቐተለሉ ምኽንያት ኣዚዩ ዘሕዝንን ዘስደምምን ‘ዩ፡፡ ጋዜጠኛ ጅምዕ ኣብቲ እዋን ናብ ኤርትራ ንዑደት ዝመጹ ፕረሲደንት ዓለም ለኸ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ኣንቶንዮ ሳማራዥ “ኣብ ኣስመራ ብሓለፍቲ ኮሚሽን ስፖርት ዝተውሃቦ ህያብ (ምግላጹ ብዘየግድስ) ንታሪኽ፡ ባህሊ፡ ያታን ብሄራትን ብማዕረ ዝውክል ኣይኮነን” ብምባል ኣብ ጋዜጣ ኢሪትሪያ ኣል-ሓዲሳ ብዝጸሓፎ ጽሑፍ ኣብ ጠመተ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ገለ ሓለፍቱን ስለ ዝኣተወ ኣብ መወዳእታ ከምቲ ዝሰማዕኹምዎ ብዘሰቅቕ ኣገባብ ኣብ ኣጻምእ ማይ ኣጣል ምስ ብጾቱ ተቐዚፉ፡፡ ንዝርደኦ ሰብ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ጅምዕን ብጾቱን ዝተወስደ ናይ ሞት ስጉምቲ፡ መርኣያ ኣብቲ ዝተረግጸ ቅዋምና ኣብ ምዕራፍ 3 ዓንቀጽ 19 ሰፊሩ ዝርከብ “መሰል ሓርነት ሕልና፡ እምነት፡ ምግላጽ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብን ምውዳብ” ዝብል ‘ዩ፡፡ ብ“ጥሩፍነትን ኣኽራርነትን” ምጥቃን ኣብ ኣመንቲ እስልምና ጥራሕ ከየብቀዐ፡ ንኹሎም ኣመንቲ ዝተናኽፍ ኣጽናቲ ፖሊሲ ኢሳይያስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና እውን መጋበርያ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ተጠቒሙ ንብዙሓት ኣጥፊኡ’ዩ፡፡

ብዓይኒ ሓቂ እንተተዓዚብናዮ ብማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ግብረ-ሽበራውያን ተባሂሎም ዝተረቑሑ፡ ከም በዓል ኣልሸባብ፡ ኣል ኢትሃድን ሑቱን ዓይነት ጉጅለታት ዝሕብሕብን ዘዕጥቕን ህግደፍ ክንሱ፡ መሳኪን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግን፡ ዝኣምንዎ ሃይማኖት ስለዝተኸተሉ ጥራይ “ጨሓማት፡ ጥሩፋት፡ ኣኽረርቲ” ዝብል ስም እንዳተጠቀዓሎም ናብ መቓብር ኣውሪድዎም፡፡ ብናይ በዓል የማነ ሶኮሎቭ “ምክትታላትን ውዳቤታትን” ተመምዮም ኣብ 1990ታት ዝተወሰዱ ገዲፍና፡ ብፍላይ ካብ 2001 ንደሓር ከካብ ቦቶኦም ብጸላም ተዓፊኖም ኣብ ካርሸሊ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ፡ ኣብ ኣፍሞት ዝርከቡን ዝሓቐቑን ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት በዞም መጋበሪያ ምልኪ ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝተወስዱ እዮም፡፡

ንሎሚ ኣሕጽር ኣቢለ ናይ ገሊኦም ክገልጸልኩም፡-
• ብምስምስ መንፈስ ተኣሲሮም ዝርከቡን ገለ ብከቢድ መጠንቀቕታ ንዓመታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑን፡
1. ፓስተር ፍስሃጽዮን ዝበሃል ኣማኒ ከኒሻ ንዓመታት ኣብ ካርሸሊ ተኣሲሩ ኩሊቱ ሞሽሚሹ ምማቱ ኣይተርፎን ተባሂሉ ዝተፈትሐ፡
2. ሳባ እመሃጽዮን ትበሃል ኣማኒት ፕሮቲስታንት፡ ኣብ ጥቓ ስነ-ጥበባዊት ተጋዳሊት ሰናይት ደባሳይ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 6 ዝተኣስረት
3. ዮናስ ኣለም ዝተብሃለ ኣማኒ ፕሮቴስታንት ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 12 ዝተኣስረ
4. ከም በዓል ዶ/ር ፍጹም፡ ዶ/ር ክፍሉ፡ ዶ/ር ተኽለኣብ ዝኣመሰሉ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 23 ካርሸሊ ኣብ ጸላም ንዓመታት ተሓዬሮም ዝርከቡ ኣመንቲ ፕሮቲስታንት ሓዊሱ ኣብ ወርሒ 01/ 2005 በዓል ጥምቀት ከኽብሩን ክቕድሱን ምስ ተበገሱ፡ ካብ መንበሪ ቤቶም ከይወጹ ተኣጊዶም፡ ንልዕሊ 10 ኣብ ሓደ ዕጹው ካንሼሎ ተሓዬሮም ዝርከቡ ፓትሪያሪክ ሃገረ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስን ካልኦትን ዝቕይዱን ዘሰራጥዩን ብበዓል ኮሎኔል የማነ ዓንደማርያም (ሶኮሎቭ) ዝምርሑ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን’ዮም፡፡ (ክቡራት ኣንበብቲ! ንኣተሓሕዛን ህልው ኩነታትን ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣመልኪተ ዘዳለኹዎ ሓበሬታ ሓደ መዓልቲ ክፍንወልኩም እየ፡፡)

ብምስም ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ካብ ዝጠፍኡ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ኮሎኔል የማነ ሶኮሎቭ ብዝምራሕ “ኣካል ግብረ ሽበራ” ኣባላት ጀሃድ ተሰምዮም ዝተኣሰሩን ዝሓቐቑን ዜጋታት ድማ ገዝኦም ይቑጸሮም፡፡ ካልእ ሓዲግና ኣብ ካርሸሊ ጀሃድ ተባሂሎም ብዘይዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ መስርሕ ቤት ፍርዲ፡ ንዋቶም ተመንዚዖም ካብ ዝተኣሰሩ፡ ዝተሰወሩን ዝሓቐቑን ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 5 ዝነበረ ወዲ ሙሳ፡ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 11 ኣብ ጥቓ መርማሪ ዓዲ ኣቤቶን ማይ ስርዋን ነበር ዮውሃንስ ወዲጋላ ዝነበረ (ስሙ ዘይሓዝኩዎ ዜጋ)፡ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 16 ዝነበረ ጋዜጠኛ ሳልሕ እድሪስ ስዒድን ሳልሕ ሑሴኖ ዝተብሃለ ተወላዲ ጾሮናን ብሓፈሻ ብስም ጀሃድ ዝተቐየዱን ስጉምቲ ዝተወሰደሎምን ንጹሃት ዜጋታት በበዓል ሶኮሎቭ ዝተጠቀኑ’ዮም፡፡

ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝቖሙ ጉጅለታት ገለ ብበዓል ኣቡሳሂልን ዓራፋትን ዝምረሑ ጉጅለታት “ጀሃድ”፡ ካብ ሱዳን እንዳተበገሱ ኣብ ከባቢታት ባርካ፡ ሳሕልን ሰምሃርን ( ከባቢታት ቃሩራ፡ ሰልዓ፡ መንሱራን፡ ካብ ኣቑርደት ንሸነኽ ደቡብ ዝርከብ ዓድታትን) ይንቀሳቐሱ ነይሮም፡፡ እዞም ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ብዘብጽሑዎ ሓደጋታት፡ ገና ከይተበገሱ ህዝቢ ስለ ዝነጸጎም፡ ክንድቲ ኢሳይያሳውያን ዘጋንንዎ ኣድማዒ ዓቕሚ ኣይነበሮምን፡፡ ብተወሳኺ ብኮሎኔል ስርናይ ዝምርሑ ኣባላት ምክትታል ዶባት፡ ብኮሎኔል ወዲ በላይን ሌ/ኮ ንጉሰ ዱማን ዝምርሑ ኣሃዱታት ስለያ ምክልኻልን፡ ብሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ጨንፈር ግብረ ሽበራ ዞባ ጋሽባርካ ሌ/ኮ ዑስማን መሓመድ ዓሊ (ኣቡ ጠዊላ) ብዝተኻየዱ ስርሒታት፡ ጉጅለታት ጀሃድ ጠፊሾም እዮም፡፡ ከምቲ ዝቖሰለ ስግኡ ዝምንጭት ዝኣረገ ዝብኢ፡ እቲ ብዙሕ ሰብ ዘሳቐየን ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዕሉል መጋበርያ ኢሳይያስ ዝነበረ ሌ/ኮ ዑስማን መሓመድ ዓሊ (ጠዊላ) እውን ሪጊኡ በጺሑ፡ ኣብ 2010 ብትእዛዝ ኢሳይያስ ብብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ዝተለኣኹ ኣባላት ተቐይዱ ናብ ጸልማት ጎዳጉዲ ቤት ማእሰርቲ ኣደርሰር ተደርቢዩ፡፡
ጉዳይ ጀሃድ ዘልዓልኩሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኢሳይያስ ንዓመታት “ጀሃድ” እንዳበለ ከም “ምምሕዳር ዋሽንግተንን ላቔብኡ ወያነን” ከም ሓደ መሳርሒን ምኽንያትን መናውሒ ዕምሪ ስልጣኑ ጌሩ ክጥቀመሉ ስለ ዝጸንሐ’ዩ፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ትእዛዛት ኢሳይያስ እንዳተቐበሉ፡ ብስም ጉጅለ “ጀሃድ” ንጹሃት ደቂኣዳም ብዘይወዓልዎ እንዳጠቀኑ ዘጥፍኡ ከም በዓል ኮሎኔል የማነ ሶኮሎቭ ዝኣመሰሉ ዕሉላት ገበነኛታት ሕጂ’ውን ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ኮይኖም እከይ ተግባራቶም ይቕጽሉ ኣለው፡፡

…..ይቕጽል……
ከምቲ ልሙድ መታን ኩሉ ግዱስ ዜጋ ክፈልጦ ሼር ኣብ ምግባር ኣይንሕመቕ!!!

ብጸሓፊ ፦ ሳክትዚም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *