ኣብ ሊቢያ ስርከብ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ መሳርሕቱ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተሃሪሙ።

ዛጊት መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ማዕጾ ሰቢሮም ብምእታው፡ ዓብደላ ሙሳ ንዝተባህለ ኣምባሳደርን መሳርሕቱን ብከቢድ ሃሮሞም፡ ሰነዳትን ካልእ ንብረትን ሒዞም ከም ዝኸዱን ንኣል ጀብሃ ዶት ኔትን ኣዶሊስ ዶት ኔትን ብምጥቃስ ገዳብ ኒውስ ብ31 ሓምለ 2016 ኣብ ዘውጸኦ ዜና ሓቢሩ።

ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ዳኒኤል ዝተባህለ ኤርትራዊ ብዝሃቦ ምስክርነት መሰረት፡ ኣብ መንጎ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ሓያል ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዘሎ፡ ጠንቂ ናይ’ቲ ምስሕሓብ ከኣ ገንዘብ ምዃኑ፣ ምኽንያቱ እቲ ኤምባሲ ንገዛእ ርእሱ ኣብ’ቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኢድ ከም ዘለዎ፡ በዚ መንጽር ኣምባሳደርን መሳርሕቱን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ምቕጥቃጦም ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን ከም ዝበለን ኣፍሊጡ።

ገለ በሃማት ደገፍቲ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ ዝተባህለ ሕጋውነቱን ኣንፈቱን ዘይፍለጥ ዋዕላ

ከም ዓቢ ፖለቲካዊ ዓወት ዝተጎናጸፉ ይጀሃርሉ ከም ዘለው ምንጭታት ሓቢሮም።

ዝመርሓሉን ዝምረሓሉን ሃገራዊ ቅዋም ዘይብሉ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ድማ ዘይቅየድ ሃላሊ ጃንዳዊ መሪሕነት፡ ያኢ ካብ ኣትይዎ ዘሎ ድቕድቕ ፖለቲካዊ ጸልማት ናብ በርሃው ዝበለ መድረኽ መቐልቀሊ ክኾኖ፡ ንኣምለኽቱ ድማ ኣለኹ ተስፋ ኣይትቑረጹ ዝብል መልእኽቲ ንምምሕልላፍ፡ ሕጋውነቱን ኣንፈቱን ብልክዕ ዘይፍለጥ ኣብ ኣስመራ ኣካይደዮ ንዝበሎ ዋዕላ፡ “መስ ንዘይፈልጦ ..እንታይ ይብሎ” ከም ዝበሃል ከም ሓደ ዓቢ ዓወት ቆጺሮም ይጀሃርሉ ከም ዘለው ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ካብ ሆላንድ ኣፍሊጦም።

ከም ምልክት ፍጹም ውድቀቱ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ናብ ጨረታ ኣውሪዱ ይዋገየሉ ከም ዘሎ፡ ሃገርና ናብ ወተሃደራዊ መደበር ናይ ዝተፈላለዩ ተነሓናሕቲ ዞባውን ዓለማውን ሓይልታት የእትዋ ከም ዘሎ ከየገደሶም፡ መንግስቶም ወጻእተኛታት ዝተሳተፍዎ ክልተ ዋዕላ ኣተኣናጊደ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ስለዝነዝሓሎም፡ ካብ ተነጽሎ ወጺኡ እግሪ ዝተክል ዘሎ መሲልዎም፡ ሰሚዕካ’ዶ እናበሉ ገዛ ገዛ ክዘውርሉ ከም ዝቐነዩ፡ ኣረጋጊጾም።

ምንጪ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ብኩራት ስርዓተ መንግስቲ’ዩ ክብል ሓደ ወጻእተኛ ሓቢሩ።

ሓላፊ ትካል ምርምርን መጽናዕትን ኣፍሪቃ ዝኾነ ኣቶ ጃይምስ ኮፕኖል፡ ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማትን መንቀሊኡን ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ንዝቐርበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሳላ ፖለቲካዊ ልቦና ኔንሰል ማንዴላ ምስ ኩሉ ጸገማቱ፡ ቅዋም፡ ባይቶን ስርዓተ መንግስትን ኣለዋ። ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ስልጣን ጽምኣት ዘበገሶ ውድድር’ዩ። ምንጪ ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገም ግን፡ ብኩራት ስርዓተ መንግስቲ ክብል ገሊጹ።

እቲ ጃይምስ ኮፕኖል፡ ብ30 ሓምለ 2016 ምስ ትካል ዜና ቢቢሲ ዝገብሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኤርትራ እቲ ንቡር ቅዋምን ባይቶን ዘይብላ ናብ ግዝኣት ሓደ ሰብ ዝተቐየረት ሃገር’ያ። ስለዚ ከኣዩ ባርነትን ማዕበል ስደትን መለለይኣ ኮይኑ ዝርከብ። መጽናዕትና ከም ዘረጋግጾ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣገዛዝኣ ዋላ ብደረጃ ኣፍሪቃ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ሕሉፍ ምልኪ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 03-08-2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *