ዜና 01-08-2016- ኣብ ድፋዕን ደጀንን ተወዚዖም ዝነበሩ ልዕሊ 130 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ንምልካዊ ጉጅለ ኢሳይያስ ራሕሪሖም ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም።

ካብ ከተማታትን ገጠራትን ብኣስገዳድ ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 27 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ብሽፋን ክረምታዊ ማእቶት ካብ ትውልዲ ከባቢኦም ርሒቖም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዘይዝኾነ ክፍሊት ኣብ ጉልበታዊ ዕዮ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ገሊጹ።

እዚ ተግባር ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም’ዩ ንዜጋታቱ’ዉን ብባርነት የስርሕ’ዩ ክብል ዘቕረቦ ጸብጻብ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ እቲ ምንቅስቓስ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ይቕጽሎ ከምዘሎ’ዉን ኣነጺሩ።

ህግደፍ ኣብ ዘመሓድራ ኤርትራ ዝተባሃልካዮ ግበር ስለዝኾነ እዞም ገና ዘይበሰሉ መሳኪን ዕሸላት’ዉን እምቢ እንተድኣ ኢሎም ኢ-ሰብኣዊ ስቅያታዊ መግረፍቲ ከምዝጽበዮም ስለዝፈልጡ ዝተባህልዎ ተገዲዶም ክትግብሩ ይቕሰቡ ከምዘለዉ’ዉን ኣገንዚቡ’ዩ።

ዓመት መጸ ብጉልባብ ክረምታዊ ማእቶት ካብ ስድራቤቶም ተነጺሎም ዝውሰዱ መንእሰያት ኣብ ግዱድ ወፍሪ ከምዝጽመዱ ነቲ ኩነታት ቅርበት ካብ ዘለዎም ወገናት ንዝረኸብናዮ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ምግላጽና ይዝከር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *