ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዘለና ድኻማት ወጺእና፡ ጸላኢና ኣሊና ህዝብን ሃገርን ከነድሕን፡ ክፉት መድረኻት ፈጢርና ጸገማትና ክንፈትሕን ዓቕሚና ኣላፊና ክንሰርሕ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ።

ኣንጻር መላኺ ስርዓት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቃልሲ እንርከብ ሓይልታት፡ ሓሊኹ ዝሕዘና ዘሎ ውሽጣዊ ጸገማት ፈቲሕና ህዝብና ካባና ዝጸበዮ መልሲ ክህንብ መታን ክንበቅዕ፡ ክፉት መድረኻት ፈጢርና ክንዛተ፡ ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘለና ኣብ ሓደ ክንመጽእ፡ እቶም ፍልልይ ዘለና ከኣ፡ ፍልልይና ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣመሓዲርና ዓቕሚታትና ኣላፊና፡ ሓቢርናን ተኸባቢርናን ክንቃለስ ይግባእ ክብል፡ ደሞክራስያውያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ናብ መስራቲ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ-መታሕት ኤርትራ ኣብ ዝሰደዶ ናይ ደገፍ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምትእስሳር ደቂ-መታሕት ኤርትራ፡ ከም ኣካል ኣምሳል ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ መጠን፡ ኣብ ምሕያል እቲ ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ልሉይ ተራኦም ክጻወቱ ብምጽዋዕ፡ ንዝተገብረሉ ዕድመ ብምምስጋን፡ ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ኣብ ዘራኽቡና ሃገራዊ ጉዳያት ምስ ምትእስሳርኩም ተደጋጊፉ ክቃለስ ድልዊ ምዃኑ ክንገልጸልኩም ንፈቱ ክብል ኣብ’ቲ 18 ሓምለ 2016 ዘውጸኦ ናይ ደገፍ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ወደብ ካለ ፈረንሳ ዝርከቡ ስደተኛታት

ኣብ ሕድሕዶም ብዝፈጠርዎ ባእሲ ሞትን መጉዳእትን ኣስዒቡ

 ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደብ ካሌ ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ብ25 ሓምለ 2016 ኣብ ሓድሕዶም ብዘካየድዎ ግጭት ሓደ ወዲ 37 ዓመት ኢትዮጵያዊ ከም ዝሞተ፡ ካልኦት ኣስማቶም ኮነ ዜግነቶም ዘይተረቑሐ ሽዱሽተ ሰባት ድማ ከቢድን ፈኩስን ኣካላዊ ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ንፖሊስ ፈረንሳ ብምጥቃስ ኣብ ፈረንሳ ዝመደበራ ረዲዮ ኤረና ብ26 ሓምለ 2016 ሓቢራ።

ኣብ’ቲ ግጭት ኣስታት 200 ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታንን ከም ዝነበሩ፡ ጠንቂ ናይ’ቲ ደም ዘፋሰሰ ግጭት ዛጊት ብልክዕ ከምዘይተፈልጠ፡ ፖሊስ ፈረንሳ ጠንቁ ንምርግጋጽን ንኣብገስቲ ብሕጊ ንምሕታትን ይሰርሕ ከም ዘሎ ምግላጹን ኣረዲኣ።

ብካልእ ዜና፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባትን ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮን ዝተጠርጠረ ምሕረታኣብ ስዩም ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ረድዮ ኤረና ወሲኻ ገሊጻ።

ብስም ክረምታዊ ማእቶት መብዛሕቲኦም ንዓቕመ ኣዳም ዘይበጽሑ

27 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ዕዮ ባርነት ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ተገሊጹ

  ካብ ከተማታትን ከጠራትን ብኣስገዳድ ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 27 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትርውያን ብሽፋን ክረምታዊ ማእቶት ካብ ተውልዲ ከባቢኦም ርሒቖም ኣብ ዝተፈላለየ ዝኾነ ክፍሊት ዘይብሉ ጉልበታዊ ዕዮ ተዋፊሮም ይስርሑ ከም ዘለው፡ እዚ ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ስርዓት ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም’ዩ። ንዜጋታቱ ብባርነት የሰርሕ’ዩ ክብል ዘቐርቦ ጸብጻብ ዘረጋግጽ’ዩ ክብል ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተባህለ ማሕበር ካብ ደብቡ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዘመሓድራ ኤርትራ፡ ዝተበሃልካዮ ኣሜን ኢልካ ምቕባልን ምትግባርን ‘ምበር፡ እምቢ ኣይጥዕመንን ኣይገብርን ዝበሃል ነገር ቦታ የበሉን ዝበለ ኤምዲሰመ፡ እዞም ገና ዘይበሰሉ መሳኪን ዕሸላት እምቢ እንተደኣ ኢሎም ኢ-ሰብኣዊ ስቅያታዊ መግረፈቲ ከም ዝጸበዮም ስለዝፈልጡ፡ ብዘይብሎም ጉልበትን ጽሮትን ዝተባህልዎ ክገብሩ ተገዲዶም ኣለዎ ኢሉ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 29-07-2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *