ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒታት ኣልሚሱ፡ ልኡላዊ መሬት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ ስርዓት፡

 

ስርዓት ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብል ኣትሒዙ፡ ካብ ፖለቲካዊ ማዕበያኡን ደርባዊ ባህሪኡን ብምንቃል፡ ብዙሕ ኣዝዩ ብዝሑ ንሓድነት ህዝብታት ኤርትራ ዝበታትን ኣዕናዊ ፖሊስታት እናተግብረ’ዩ መጺኡ። ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምብጻሕ፡ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ከም ቃሕታኡ ዝዕንድረሉ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ከሎ ገና ንጉጅላዊ ረብሓታቱ ዘገልግል ባይታ’ዩ እናንጸፈ መጺኡ። ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ፡ ንመሰሉ ዝከላኸል ንቑሕ ሕብረተ-ሰብ ዘይኮነ፡ ካብ ላዕሊ ዝወረደሉ መምርሒ ከይመመይ ዝትግብር ኣተሓሳስባ’ዩ ሃኒጹ። ከምኡ ክገብር ዘኽኣሎ ከኣ ኣብ ህዝብታት ኤርትራ ዝነበረ ንጹህ ሃገራዊ ስምዒታት’ዩ። ነዚ ንጹህን ሓርበኛዊ ስምዒት ከም ጸጋ ወሲዱ ብፖለቲካ ኣንቂሑ ናብ ነገራዊ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ዝቕይሮ፡ ብግዝያዊ ስምዒታት እናሳራሰረ ርሑቕ ዘይጥምት፡ ፈተውቱን ጸላእቱን ብናይ ርሑቕን ቀረባና ፈላሊዩ ዘይርኢ ኩሉ ግዜ ዝተባህለ ጥራሕ ዝሰምዕን ዝደግም ስነ-ኣእምሮ ክህልዎ ናይ ምግባር ውጥን ሒዙ’ዩ ዝረባረብ ኔሩ። ስለምንታይ’ሲ ኣብ ጓጓ ዘይነቕሓ ሓፋሽ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣስተርህዩ መታን ክነብር።

ካብ ጥንቲ ኣብ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህብዝታት ኤርትራ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባታትን ያታዊ ናይ ምምሕዳር ሕግታትን ህግደፋዊ ባህሊ ኢሉ ብዝገልጾ ቀይዲ ኣልቦ ሃሊላ ኣካይዳ ክዳኸም ዘይገበሮ ፈተነ የለን። ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ) ከምኡ’ውን ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኢሉ ብዝጽወዖም ጉጅለታት፡ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ልምዲ፣ኣወንታዊ ስነ-ምግባር ናይ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምርኻስ ከመይ ይሰርሕ ኣሎ ልቢ ኢሉ ንዝተዓዘበ፡ ህግደፍ እንታይ’ዩ ዕላማኡ ንምግማት ኣይጽገምን። እዚ ጃንዳዊ ናይ ጥፍኣት ጉጀለ ከይዱ ከይዱ ነቲ ሃገራዊ ነጻነት ዘምጸአ፡ ኣዚና ንሕበነሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ሓርበኝነትን ኣብ ምድካም’ዩ ተጸሚዱ ዝርከብ። በዚ ኣዕናዊ ኣካይዳኡ ገለ ዝሕታለታት ኣይፈጠረን ክበሃል ኣይከኣልን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ሎሚን ትማልን ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ኣውሪድዎ ከም ዘሎ ዝሕባእ ኣይኮነን። እዚ ናይ ገበን ገበን ናይ ሞት ድማ ሞት’ዩ። ምኽኒያቱ ሃገራዊ ስምዒት ብቐሊል ኣይተሃንጸን። ብዙሕ ግዜን ዋጋን ተኸፊልዎ’ዩ። ካብ’ዚ ሕጂ ወሪድዎ ዘሎ ናብ’ቲ ዝነበሮ ንምምላስ ድማ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና’ዩ።

እዚ ድሑርን ኣዕናውን መደብ መሪሕነት ህ.ግ/ህግደፍ ድሕሪ 1991 ዝመጸ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። ካብ ቅድም ዝነበረ፡ ድሕሪ 1991 ግን ኩለ-መዳያዊ ሓያሊ ረኺቡ ብዝተወደበ ኣገባብ ዝቐጸለሉን እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዝሕታለ ዘፍረየሉን’ዩ። ሎሚ ዘይከም ትማሊ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝነበረ ጉዳያት ብሂን ምሂን ናይ ምፍታሕ ባህሊ ናብ ነበረ ደረጃ ወሪዱ፡ ድሑር ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣተሓሳስባታት ሳዕሪሩ፡ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ። ከም መግለጺ ኣብ ኤርትራውያን ዝረአ ፖለቲካዊ ግርህናን ብኣጉል ህግደፋዊ ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ዝተጸልወ መንፈስን፡ ዛጊት ውሑዳት ዘይኮኑ ዜጋታት ክሳብ’ውን ኣብ’ቲ ስልጡን ምዕራባዊ ዓለም ዝነብሩ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኩነታቶም ዝጥምቱ፡ ግዙኣት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኮይኖም ዘየለው ናይ ግዳም ጸላእትን ተጻባእትን እናማዕደው፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝሩዓት ህግደፍ ኮይኖም ምህላዎም’ዩ። እዚ ዓወት ንህግደፋውያን ዕንወት ንሓላፍነታውያን’ዩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒታት፡ ህዝብታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ወልዶ ዝተዛበዐ ርእይቶ ሒዙ ኣንፈቱ ከጥፍእን ሃገራዊ ስምዒቱ ክድብዝዝን’ዩ ክገብር ጸኒሑ። ቋንቋ ሰላም ዝደጋግም ግን፡ ሰላም ብመን ከም ዝተነፍገትን ብኸመይ ከም እትመጽእን እንዶ ዘይብሉ፣ብዛዕባ ኣድላይነት ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ ፍትሒ፡ ሓድነት ብዙሕ ዝምድር ግን፡ ንስነ-መጎት ሓይሊ ዘተኣንግድ ስነ- ኣእምሮ፣ ብዛዕባ ማዕርነት ሃገራዊ ሓይልዮት ዝጭርሕ ብተግባር ግን፡ ብውልቃውነት ነብሰ ትሕተትን ዝተጠቕዐ ኣተሓሳስባ ዝሃነጸ መንግስታዊ ጉጅለ’ዩ። ምሁራትን ተመራመርትን ዝፈርይሉ፡ ስርዓተ ምምሃርን 2 ምስትምሃርን ምዝብዑ ሓደ ካብ ዓወቱ’ዩ ንጃንዳ ህግደፍ። ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ መንነት ዘለዎ ውዑይ ሓይሊ መንእሰይን፡ ህዝባዊ ራእይ ዘለዎ ምሁርን ኣብ ጥቓኡ ከጸግዕ ዘይደሊ፡ ብኣንጻሩ ንስሙ ካብ መንእሰያትን ምሁራትን ብገንዘብን ስልጣንን እናተነስዑ ዘግልግልዎ ልሙሳት ሒዙ ነቲ ካልእ ብመደብ ዘየጸግዕ ዘግልል ጃንዳ’ዩ። ከም ፖለቲካዊ ውድብ ካብ ዝተፈጥረሉ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዘለዎ ተመክሮ ኣይተለወጠን።

እዚ ምልማስ ሃገራዊ ስምዒት፡ ብስትራተጂካዊ ውጥን ዝምራሕ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ሃገራዊ ስምዒታት እንተዘየልሚሱ፡ ባህሊ፣ ቋንቛ፣ ልምዲ ሕብረተ-ሰብ እንተዘየራኺሱን በሪዙን ሓርበኝነቱ እንተዘይኣዳኺሙን ቀሲኑ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ኣይክእልን። ስለዚ’ዩ ከኣ፡ ጉዳይ ስልጣን ‘ምበር ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዝምልከት ብቑም-ነገሩ ክሰርሓሉ ወይ ክዛረበሉ ዘይስማዕ። ምህርቲ ናይ ስትራተጂካዊ ውጥኑ ድማ ይውሓድ ይብዛሕ ይሓፍስ ኣሎ። ዝተባህሎ’ምበር ስለምንታይ ንምታይ ኢሉ ክቃወም ዝኽእል ሕብረተ-ሰብ ስለዘይሃነጸ’ዩ ሕጂ ከም ቃሕታኡ ዝገብር ዘሎ። እንተደለየ ኲናት ይውልዕ፣ ንቃሕ ዝበሎ ሰብ የቐትል፡ ሰላም ዞባና ይዘርግ። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ብደም ኣሽሓት ብሉጻቱ ስውኣትና ዘረጋገጽናዮ ልኡላዊ መሬትና ንቑጠባዊ ረብሓኡን ግዜያዊ ፖለቲካዊ መኽሰቡን ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ይዋገየሉ ኣሎ። ከም ተራ ናይ ሸቐጥ ኣቕሓ ንወጻእተኛታት ንቀዋሚ ወተሃደራዊ መደበራት ክግልገልሉ ብገንዘብ የጫርቶ ኣሎ።

ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ጽገዕተኛ ዝኾነ ስርዓት ክኒዮ’ዚ ክሰርሕ ኣይክእልን። ፈታዊኡን ጸላኢኡን ኣነጺሩ ዝፈልጥ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዝወነነ ንቑሕ ሕብረተሰብ ምህናጽ ኣይደልዮን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ከም ባህሪ ዕማሙ’ውን ኣይኮነን። ስትራተጂካዊ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ካብ ዝኾነ ስርዓት፡ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል፡ ራስያ ንብረት፡ ጭውያን መቐተልትን ‘ምበር ካልእ ክገብር ትጽበዮ ኣይግበረሉን። ኣዕናዊ ስማዊ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ተወጊዱ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ ድማ ኣብ ኢድና ዘሎ ባትሪ ይመስለኒ።

ብኣሕመድ ኢብራሂም

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 27-07-2016

Togoruba.org

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *