ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ-ሕድሪ 8ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ፡
ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) 8ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 25-26 ሰነ 2016 ብዘመናዊ መራኸቢ ተሓጊዙ ብምክያድ ዛዚሙ፡፡ ፈጻሚ ኣካል ኣብዚ ንክልተ መዓልቲ ዘካየዶ ኣኼባ 6ተ ወርሒ ጸብጻቡ፡ ህልዊ ኩነታት ዓለማዊ፡ ኣህጉራዊ፡ ከባብያውን ውድባውን ኣመልኪቱ ብዕምቆት ዘትዩን መዚኑን፡፡
ፈጻሚ ኣካል፡ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክፍጸም ዝጸንሐን ዝፍጸም ዘሎን ጸብጻብ፡ ወሰን ዘይብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብንጹር ምቕራቡን ሓቂ ምኳኑን ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ተወዲቡ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ራዕዲ ዝፈጠረ፡ ብዕለት 23 ሰነ 2016 ኣብ ጀኔቫ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ማዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ብዕለት 21 ሰነ 2016 ኣብ እስራኤል ብሕኑን ድምጺ ኤርትራውያን ዝቐረበ ድጋፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎ መዚኑ፡፡
ፈጻሚ ኣካል፡ ነዚ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘወሃሃዱን ግዜኦምን ገንዘቦምን ከይበቐቑ ንዝተኻፈልዎን ብሓፈሻ፡ ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መሰረታትን መሪሕነትን ኣባላት ግሃድኤ – ሕድሪ ከኣ ብፍላይ ንዘርኣይዎ ተወፋይነት አድኒቑ።
ፈጻሚ ኣካል፡ ኣስዒቡ ናይ ሽዱሽተ (6) ኣዋርሕ ሕድሕድ ቤት ጽሕፈታቱ ዝቐረበ ጸብጻብ ብዕምቆት ገምጊሙ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንዝካይድ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ከቕርብ ምኳኑ ዝበጽሓና ጸብጻብ ሓቢሩ፡፡ ኮምኡውን ፈጻሚ ኣካል፡ ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ ልፍንታዊ መስርሕ ማሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ሓፈሻዊ ደምበ ተቓውሞን ኣመልኪቱ ሚዛኑ ብምቕማጥ ኣኼብኡ ከምዝዛዘመ ተሓቢሩ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግሃድኤ-ሕድሪ
27-06-2016
