መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ይካየድ ኣሎ

 

መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጄኔቫ ይካየድ ኣሎ።

HRC

 

እቲ ብ13 ሰነ ዝፈለመ ስሩዕ ዋዕላ እቲ ባይቶ፣ ኣብ መኽፈቲ መደቡ ካብ ዘተኮሮም ነጥብታት ሓደ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ምህላዉ ዝጠቕስ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን’ዩ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ዛይድ ዓሊ ሑሰን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዖ መደረ’ውን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ካልእ ኣገደስቲ ጉዳያት፣ ጉዳይ እቲ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ምህላዉ ዝተጠቕሰ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዘልዓለ ካብ ጄኔቫ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የረድእ።

 

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ’ውን፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ፣ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ ዝጠቕስ ጸብጻብ ዝቃወም መግለጺ ብ14 ሰነ ኣብቲ ዋዕላ ከምዘቕረበ ተሓቢሩ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ’ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝቐርብ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣብ 21 ሰነ ክዝቲ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ከኣ ነቲ በታ ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብን ዝተኻየደሉ ዘተን ብምግምጋም ናብ ሓፈሽእዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከቕርብ’ዩ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝቐውም 10 ዓመታት ዘቑጸረ ኮይኑ፣ 47 ኣባላት ሃገራት ጥራይ’የን ዘለውኦ።

13 ካብዚኣተን ኢትዮጵያ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ ግና ኣባል እዚ ባይቶ ከምዘይኮነት ይፍለጥ።

Radio Erena: 16 June 2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *