
Stand up and speak out
ብኣዳላዊት ኮሚተ ደሞንስትረሽን ጀንቫ ከምዝተገልጸ ንዕለት 23.6.2016 ጸብጻብ ኣጻራይት ኮምሽን (Commission of Inquiry) ናብ ቤት ጽሕፈት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐርበሉ መዓልቲ ኮይኑ ንኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ኣብዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕለት እዚ ተረኺብና : ምስክርነትና ብድምጽና ከነስምዕ ጻዊዒት ተገሩልና ኣሎ።
ንሕናውን ኣብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ንርከብ ተቓለስቲ ንህዝብና ካብዚ ናይ ጉጂለ ህግደፍ ሕሰምን ማእሰርትን ቅትለትን ክነናገፍን፣ ፍርሕን ራዕድን ስደትን ዘይብሉ ቀሲኑ ክነብረሉ ዝኽእል ኩነታት ምእንቲ ክመጽእ ንዲክታቶርን መሻርኽቱን ኣብ ናይ ዓለም ቤትፍርዲ ክኽሰሱ እጃምና ሕጅውን ከነበርክት ግዴታናን ሓላፍነትናን ኢዩ።
ብፍላይ ጉጂለ ህግደፍን ሰዓብቱን ነዚ ናይ ኮሚሽን ስርሓት ክዓናቅፉን ደው ከብሉን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘየሎ ከእምኑ ዝከኣሎም ይገብሩ ኣለው ሕሉፍ ሓሊፎም ግንቦት ሰባት ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ተቓዋሚ ጉጂለ ክታማትን ጎስጓሳትን ንኽገብረሉ ኣዋፊሩ ይርከብ።
ስለዚ ንሕና ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ ዝገደፍና ገዲፍና ከም ዝሓለፈ ዓመት ነዛ መዓልቲ እዚኣ ብዝሓየለን ዝበርትዐን ተወዲብናን ተጠፍርኒፍናን ክንብገስን ካብቲ ናይዓሚ ንላዕሊ ተሳትፎ ከነርኢ ንጽውዕ።
ብስራሕ ምኽንያት ክትሳተፉ ዘይትኽእሉ ከምቲ ልሙድ ገንዘባዊ ሓገዝ ንኸተብርክቱ ብትሕትና ንሓትት ። ናይ ኣውቶቡሳት ምምዝጋብ ዝምልከት ኣብዚ ታሕቲ ሰፊሩ ዝርከብ ቁጽሪ ተለፎን ደዊልኩም ክትምዝገቡ ንላቦ።
ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ሰላማዊ ሰልፊ ስቱትጋርትን ከባቢኡን
1. 015730407119 2.
017642971121 3.
015758242194 4.
015752093662 5.
01728357192 6.
ኣብ ክለብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ሰላማዊ ሰልፊ ስቱትጋርትን ከባቢኡን።