ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ብሓበራ፡
ሕቡራት መንግስትታት ኦይሮጳ ንኣፍሪቃውያን ሰደተኛታት ብዝምልከት ዝወስድዎ ዘለዉ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምትታት ዓገብ ንምባል ወይ ውን ዝዝንግዕዎ ዘለዉ ሓላፍነታት ንምዝኽኻር፡ ዝተመደበ ኣኼባ ዘተ ንኽትሳተፉ፡ ብኽብሪ ንሕብረኩም።
እዚ መዓልታዊ ንግንዘቦ ዘለና ህልቀት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መዲተራንያ፡ ንቡር ኣይኮነን፡ ቅቡል ኣይኮነን፡ ክኽውን ውን ኣምስተገብኦን! ንዝምለክቶም ከነመልክት፡ ምስ ኣፍሪቃውያን የሕዋትናን ካልኦት ደገፍትናን ክንዛመድን ክንተኣሳሰርን፡ መኣዲ ዘተ ንጠቐመሉ።
ምንጪ እቲ ሽግር ንምሕባር፡ ኣብ ፍታሕ እውን እጃምና ወስ ከነብል ሓላፍነት ስለ ዘለና፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ንዋስኣሉ!
ቦታ Haus der Demokratie und Menschenrechte, Greifswalder Str. 4, 10405 Berlin
(S41/S42) – Greifswalderstrasse (+ M4 ካብ Alexanderplatz)

ኣዳለውቲ AfricAvenir und Afrique-Europe-Interact
ደገፍትን ተሓባበርትን ትካላት Landeszentrale für Entwicklungszusammenarbeit und von Engagement Global
ዕዱማት ኣጋይሽ – Ousamane Diarra,
ኣቦ መንበር „Assoziation der Abgeschobenen Malis“.
(ኣቦ መንበር „ማሕበር ናይ ንዓዶም ክምለሱ ዝተገደዱ“)
– Freweyni Habtemariam,
ምክትል ኣቦ መንበር
“Eritrean Initiative for Dialogue and Cooperation e.V. i.G (ErIDaC)”
– Riadh Ben Ammar
ተዋስኣይ ትያትር ናብ ቱኔዝያ ይመላለስ፡ ምስ ኡስማን ድያራን ርያድ በን ኣማርን ኣብ ማሕበር “Afrique-Europe-Interact” ንጡፍ ይንቀሳቐስ
ዕለት 08.06.2016
ሰዓት 19:30
ብደሓን ምጹ!