ስለምንታይ’ዩ ጀነራል ቢተወደድ ኣብራሃ ዘይሃደመ? 29-05.16፡

“ . . . እዚ ናባይ ዝበጽሐ ቀሊል ኢዩ፡ ዝሓለፈ ዘይኮንኩ ዝርኢ፡ ናይ መጻኢ’የ ዝርኢ፣ ህዝባዊ ቃልሲ ስለዝኾነ እዚ ዕሽር ካብቲ ነዊሕ መገዲ ጉዕዞና ንሓርነት ወዲ-ሰብ’ዩ፣ ሕጊ እንዳባሲ ብዘይብረት ኢዩ ህዝቢ ዝዳኒ ነይሩ፡ ካርሸሊ ኣይነበሮ ፖሊስ ኣይነበሮ፣ ሽፍታ እንተኾይኑ ንጹግ ኢዩ፡ ዓማጺ እንተኾይኑ ንጹግ ኢዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣይፈቱን ኢዩ ከምዚ፡ በዓል ሕጊ በዓል ፍትሒ ኢዩ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ከነንግስ ምውፋይ ከድልየና ኢዩ፡ ሃገር ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢየ ኣነ!፣

ኣነ ዝመርጾ መገዲ ዕርቂ፡ ሰላም ኢየ ዝመርጽ፡ እቶም ዝበደሉኒ ኣይቀጽዖምን ኢየ’ውን፣ ንኩሎም ዝበደሉኒ ምሕረት ኢየ ዝህብ፡ ይቕረ ምባል ካብ ኩሉ ስለዝበልጽ፣ ብዓቢኡ ድማ ምሕረት ክንህብ’ውን ትብዓት የድልየና ኢዩ፡ ቀሊል ግን ኣይኮነን፣ ኣብ 1998 ብሓድሽ መንፈስ ብሓድሽ ቅዋም ኤርትራ ይብገስ ኣለኹ ናብ ስራሕ፣ ብደቅና ንሕሰብ፡ ብደቂ-ደቅና ንሕሰብ፡ ነዛ ተረኺባ ዘላ ሰላም ንዓቅባ ኣይነበላሽዋ፣ ንናጽነት 50 ዓመት ወሲዱ፡ ንማሕበራዊ ፍትሒውን 50 ዓመት ክወስድ ኢዩ፣ ሰብሲ ኣይትፍራሃዮ፡ ንሕጊ ፍራህ፡ ንዝጊሄር ፍራህ፣ ክንደይ ቀቲልካ ኣይኮነን፡ ንክንደይ ምሒርት ሂብካካ’ዩ ጅግና ዘብል፣ ዓው ኢልና እሱራት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ዲዮም ንበል፣ ካልኣይ ግዜ ክትእሰርኢኻ እንተኢሎሙኒ ክእሰር ኢየ፡ ፍትሒ ክሳብ ዝመጽእ፣ ሰብኣይ ዝኸውንሲ ክፍተን ኣለዎ፡ ምስ ወጸ ግን ሰብኣይ ኢዩ ዝኸውን፣ ንካልእ ሰብዊን ናጽነቱ፡ መሰሉ ሓልወሉ፣ ክኣስሩኒ እንድዮም፡ ይእሰር! . . . .”

ከም ብውልቀይ ቃላት ቢተው ክሰምዕ እንከለኹ ወርቃውነቱን ተዓዋትነቱን ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ነባርነቱ’ውን ይረኣየኒ። ግናኸ ብዛዕባኡ ስለዘልዓልኩ ማለት እንተዘይኮይኑ ኩሎም ግዱያት ብጾትና ብኽብሪ ዝዝከር ነባሪ ታሪኽ ከምዘለዎምሲ ኣይስሕቶን። ነገር ቢተው ካብ ኣልዓልኩ ግን ንሱ ብከመይ ካብ ማእሰርቲ ከም ዝሃደመ ትፈልጡዶ? ሃዲሙ እንተነይሩኸ ንምንታይ ብጭራ ቁረ ጽን ማልጥ-ማልጣን ካብታ ሃገር ዘይተቦቆጸ? ንምንታይ ከምዞም ገለ ናይ ምህዳም ዕድል ከምዝረኸቡ ዝውረየሎም ካብረኸበስ “እ ንኳዕ ብርሃን ረኣኹ” ኢሉ ዘይጋለበ? ንምንታይከ ተገምጢሉ ብለይቱ ተሌፎን እናደወለ ንሰበ-ስልጣናት ከሰራጢ ተሰሚዑ? . . .

ሓቂ እንተኾይኑኸ እቲ ብሳልሳይ ጐደና ከምዝምርሽ ዝነግርን ዝንገረሉን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብለይቱ ካባ ዕርቂ ተጎምጒሙ ብምኻድ ብኸመይ ዝኣመሰለ ሞንጎኝነት ነቲ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ዘህድሞ ሰብ ዝለኣኸሉ ኢሳይያስን፡ ነቲ “እምቢ ኣይሃድምን” ዝበ ለ ቢተወደድን ከሰማምዖም ክኢሉ? ማለተይ ኣብቲ ለይታዊ ምጉት ክልተ ጀነራላት፡ ቢተው ፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ክሃድም ዘይኮ ነስ ደጊሙ ክእሰር ካብ መረጸ፡ ከመይሉ ነበረ ጀነራል ስብሓት ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ዳግማይ ማእሰርቲ ጀነራል ቢተው ከጽድቕ ለሚኑ ንቢተው ናብ ሸላኡ ዝመለሶ? ኢሳይያስከ ዋላ’ኳ ተንኮሉ እንተገለጾ ካብኡ ንዘይሓልፎስ ንምንታይ ሞት ዘይፈረዶ? ጀነቫ!!!

ንነገሩ ቢተው እንተዝሃድምከ ከመይ ዝኣመሰለት መፈንጠርያ ቅትለት ተዳልያትሉ ትነብር? እንተ’ታ ካብ ማእሰርቲ ምህዳም ሓቅነ ት እንተልይዋስ ግርም ምኾነት። ዘይትግርም ንገለን ዝቐትል ንገሊኡ ‘ዝምሕር’ ውሽጣዊት ጣቛ ምስትህልዋ ጥራይ ኢዩ’ሞ ዕዮ ና ይቶም ዘዝወጹ ምፍታሽ እንታይ ክብል ኢሉ! እንኳዕ ድማ መዋጽእቲ ፈጠረሎም’ምበር ድሕሪኡ ዘሎ ጉያስ ከም ምርጫኦምን ኣእ ጋሮምን እንሆ ፈረስ፡ እንሆ ድማ ጎልጎል!!!!

ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ሳልሳይ ጐደና ግሩም ኣማራጺ ምዃኑ ካብ ባህልና’ውን ዝወረስናዮ ብልጸት ኢዩ። እዚ ጥበብ ክዕወት ግና ሰናይ ድሌት ከሳሲ/ኣሳሪ/ ክህልዎ እንከሎ’ዩ ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ። “ንስኻ ነዚ ግደፍ፣ ንስኻ’ውን ነዚ ገዲፍካ ከምዚ ግበር” ክበሃል በሃሊ ንርእሱ ናጻን ናጽነት ዘለዎን እንተኾይኑ’ዩ ዝእመንን ዝዕወትን። በዚ መልክዕ ክርአ እቲ ኣብ ኩሉ ምጉርፋጥ ከም ኣብ ጉዳይ ወዲ ዓልን ድሕሪኡ ዝሰዓቡን፡ ክሳብ ኣብ ኩሉ ጉዳያትን ውራያትን /መቓብር ከይተረፈ/ ከይተሓለለ ከምዝርአን ዝሽምግልን ዝንገረሉ ጀነራል ስብሓት ክሳብ ክንደይኮን ይዕወት ይህሉ?

ማለተይ ቢተው ክንዲ ዝሃድም ብምርጫኡ ዳግማይን ሳልሳይን ካብተኣሰረ፣ ብሙሉኦም ጉጅለ ተቓለስቲ ክንዲ ዝሃድሙን ተጣዒሶ ም ባህ ክብሎ ዱባ ዝጸብሑሉን፡ ክሕየሩን ክቕተሉን ካብ መረጹ፣ ልክዕ ከም ኣብ ብሃገሩ ኣብዚ ኣብ ወሽጢ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባ ር’ውን ምእንቲ ፍትሒ ኲናት ሓድሕድ ተባሪዕሉ ዘሎ ህሞት ብሳልሳይ ጐደና ዝምርሽ ጀነራልናኸ ክሳብ ክንደይ ሞንጎኝነት ይቐንዖ ይህሉ? እምበርከ ከም ተጋዳላይ መጠንሲ ኣብ ጉዳይ መንካዕዶ የሚን ዝነበሮ መርገጺ ንጎድኒ ገዲፍና ኣብዛ ንበርሰላ ዘለና እዋን ንርእሱ ብሞንጎኛነት ክቐርብ ሕጋውነትን ወግዕን ኣለዎዶ?

ገና ታሪኽና ብሕፍንቱ ጥራይ ኢና ፈሊጥናዮ!

ዘልኣለማውነት ድማ ንጀጋኑና! ንህዝቢ ኤርትራ መዋጽኦ ይፍጠር ጌታ!

ጎደፋ፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *