ህዝብናን ሃገርናን ዘለዎ ኩነታት ንማንም ስውር ኣይኮነን። ህግደፍ ዝሓበጠ ይተኮስ መን ኣብ ቅድመይ ሰብኣይ ኮይኑ እሕሕ ይብል? ዝብል ትምክሕቲ ተዓጢቑ ክሳብ ደቂ 70 ዓመት ኣብ ዘይዓቕሞምን ኣብ ዘይዕድሜኦምን ጠበንጃ ኣሰኪሙ ብወተሃደራዊ ዲስፕሊን ዝብሎ ንሱ ጅሆ ሒዙ ካብ ስድርኦም ኣርሒቑ የከላብት ኣሎ፡፡
ክእለት ዝረኸበ ምስ ጥሪቱን ንብረቱን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ናብ ኢትዮጵያ ይግዕዝ ኣሎ፡” ከም ጭርቃን ዝመስል ኣብ ቀረባ እዋን ሓንቲ ሆላንዳዊት ፕሮፈሰር ናብ ኢትዮጵያ ናብቲ ኤርትራውያን ተሰዲዶምሉ ዘለው ቦታ ምስ ከደት ዘጋጠማ ተረኽቦ ኣብ ሓደ ቀዳም ናይ ቅሉዕ ዘተ ራድዮ ኤረና ዝሰማዕክዎ እቲ ቃላታ ክሳብ ሕጂ ኣብ እዝነይ ይድውል ኣሎ፡፡ ንሳ ትብል“`ሓደ ኤርትራዊ ዝዕቆባሉ ሕጊውን ከድልየና ኢዩሞ ክንሕንጽጾ ኢናምስ ከብቱን ጥሪቱን ዑቕባ ክሓትት ምስ መጸ እቲ ተቐባሊ ዕቕባ ኢትዮጵያዊ ሙኻኑ ኢዩ፡ ብሓውሲ ጭርቃን ዝመስል ጌሩ” ክሳብ ሕጂ ናይ ሰብ መዕቆቢ ሕግታት ኢዩ ጸኒሑና ካብ ሎሚ ግን ናይ ከብቲ “` ኢሉ ክትብል ምስ ሰማዕኩ ወይ ኤርትራዊ ሙኻን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብምባል ከርምመኒ እንከሎ ክሳብ ሕጂ እቲ ደወል ይድውል ኣሎ ኣብ እዝነይ፡፡
ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ጽምብል ኢዮቤል እቲ ካልእ ዓጀወጀው ገዲፍካ “ኣብ ወርቃዊ ጽምብል የራኽበና“` ኢሉ ምዕጻው ጌና 25 ዓመታት ክረጸክን ኢየ “፡ ኢዩ ኢሉና፡፡ ክሳብ ወዲ 96/7 ዝኸውን ካብኡ ኸኣ ናይ ድያመንት ክብል ዘይምነ ኣይኮነን፡፡
ነዛ ንእሽቶ ዓንቀጽ ክጽሕፍ እንከለኹ ነዚ ቀጺለ ዘቕርቦ ንምባል መእተዊ ንምግባር ክኸውን እንከሎ ምኽንያቱ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ህሉው ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ብምንጽጻር ዘሎ ፍልልይን ድሌትን ብምግንዛብ ኢየ፡፡
ዓሚ ሰነ 26 2015 ኣብ ጀነቫ ድሙቕን ኣንጸባራቕን ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ እዋንቲ`ውን/ ክልተ ውዕሎታት ጀነቫ/ዝብል ሓጺር ዓንቀጽ ነቲ ብደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተገብረን ብደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ዝተገብረን ክልተ ዘይራኸብ ዕላማን ትሕዝቶን ዝነበሮ ሰለማዊ ሰልፍታት ዝምልከት ኮይኑ ነቶም ደገፍቲ ንሳቶም እውን ካብ ህግደፍ ዝረኽብዎ ጉንዖን ሓለፋን ከምዘይብሎም እታ በትሪ ምልኪ ዘይትፈላሊ ሙኻና እሞ ኣንጻር ነፍሶም ምስላፎን ጌጋ ምንባሩ ንምሕባር ኢዩ ተፈቲኑ፡፡
ነቲ ውጽኢታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘዳለውዎ ውሑዳት ኮይኖም እቲ ስራሕ ምስ ንኣሽቱ ጉድለታቱ ምስ ዝነበረ ብዝሒ ተሳታፍቲ ውጽኢታውን ጽቡቕ ኢዩ ኔሩ፡፡ ነቲ ናይ ዓሚ ጽቡቕ ብምርኣይ ኢዩ ዝመስል ናይ ሎምዘበን ናይ ዕለት 23 06 2016 ንኽግበር ተወጢኑ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ግን ኣዳለውቲ ኮይነን ቀሪበን ዘለዋ ኣስማት ናይ 15 ውድባት ድየን ምንቅስቓሳት ተዘርዚረን ኣለዋ፡፡
ወልቃዊ ድሌተይን ትዕዝብተይን፡
ክንዲዝኤን ዝኣኽላ ውድባት ድየን ማሕበራት እንከለዋና እምባኣር ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ካርቱም ካብ ካርቱም እንዳሓነቐ ናብ በላዒ ህግደፍ የረክቦም ኣሎ፡ እሞ እዘን ዓሚ ኣብ ጀነባ ብዘይ ኣዳላውነትና ድሙቕ ኔሩ ሕጂ ግን እቲ ድምቀት ንዓናውን ክጸልወና ኣለዎ ድዩ እቲ ሕቶ? ክሰርሕ ዝደልን ዝኽእልን ዜጋ እንተሃልዩ ንኤርትራ ሃገርናን ህዝብናን ዝምልከት ቁጽሪ ዘይብሉ ስራሓት ኣሎ፡፡
ከምቲ ኣሓ ሕማቕ ጓሳ ይህረማን ድሕሪ ኹለን ይሰትያን ዝብሃል ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዘራይ ስለ ዝሰኣነ ይዋረድን ይግፋዕን ኣሎ፡፡ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ብመንግስቲ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራያን ኣዝዩ ዘስካሕክህ ኢዩ፡፡ እሞ እዘን ኣስማተን ተዘርዚረን ዘለዋ 15 ዝጠጠርነፋ ኣብ ክንዲ ንጀነቫ ናብ መንግስቲ ካርቱም ሓደ ስምዕታ ክገብራ ጽቡቕ ኢዩ፡፡ ናብ ጀንቫ ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ኢዩ ዝብል ሓበረታ ኢዩ ዘድሊ፡፡ ናይ ዘዳልውዎ ሊስታ ኣይኮነን ዘድሊ፡፡ስለ ዝኾነ ኩልና ኣብ ኤውሮጳ ዘሎና ከምንሳተዎ ይተኣማመን ኢየ፡፡
ኣነ ብመሰረቱ ኣንጻር ውድባት ኣይኮንኩን፡ እተን ውድባት ግን ዜጋታት ኣብ ጎድነን ከዕስላ ከምዘይካኣላ ናይ ካብ 1981 ክሳብ ሕጂ እቶም ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ድማ ካብ 2001 ክሳብ ሕጂ ዘካየድዎ ዘለው ቃልሲ ካብ መመሊስካ ምርባሕን ምፍልልላይን ከምቲ ዝድለ ውጽኢት ኣየመዝገበን፡፡ እዚ ሓቂዚ ቀለዓለም ሓዲሩካን ሒዙካን ብንሕፈት ዝሕለፍ ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ለውጢ ዝደሊ ዝሕተተሉ እውን ኢዩ፡፡
እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉን ዝተገብረሉን ምንቅስቓስ ስምረት ንድሕነት ሃገር ዝብል ናይ መንእሰያት ውዳቤ`ውን እቲ ሕማም ዓበይቲ ኣይገደፎን፡፡ ኣብ ኽንዲ ሓላፍነቱ ዝወስድ ኣብ ምፍልላይን ኣባላቱ ንሕሉፍ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ምቁንጻብን ንስዋኣት ኣብ ምዝንጣልን ተዋፊሮም እንዳረኣየ ዲስፕሊናዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቖጢቡ፡፡ ዝገደደ ድማ እቲ ምንቅስቓስ ንባዕሉ “ህዝብና ኣይነቐሐን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ “ ኣየጥረየን ዝብል ክልሰ ሓሳብ ከም መምርሒ ክጥቀመሉ ንሰምዕ ኣሎና፡፡ ብፍላይ እዛ ኣበሃህላ እዚኣ ንዕቀት ህዝቢ ስለ ትገልጽ እቲ ምንቅስቓስ ክእርማ ኣለዎ፡፡ ሕዝቢ ኤርትራ ናይ ዘመናት ንቕሓትን ተሞክሮን ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንሕና ደቁ ምናልባት ዘመን ዘምጽኦ ኢንተርነት ፌስ ቡክ ብምራኣይ ክንቅድሞ ንኽእል ንኸውን ከም ልቦናን ፍልጠትን ተሞክሮን ግን ኣይክንዳኡን፡፡
ኣብ መወዳእታ ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ዕለት 23/06/2016 ናይ መወዳእታ ቅላዕን ጽፍዒትን ንህግደፍ ስለ ዝኾነት መን ኣዳልውዎ ብዘየገድስ ኩሉ ዜጋ ክሳተፎን ዝኽእሎ ከበርክትን ሙኻኑ ብሩህ ኮይኑ ተሳትፎና ከነዕዝዝ ኢዩ ዝድለ፡፡ ኣብቲ ከምጸዋዒት ኮይኑ ወጺኡ ዘሎ ዝርዝር ጀነቫ ዘይበለ ካባን ይፈለ ዝምሰል ግን ሰሓቢ ኣይኮነን፡፡
ፍትሒ ይንገስ
ምልኪ ይፍረስ
By assenna on May 27, 2016
ዓ.ብርሃነ
