ሓበረታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ፍራንክፈርት ዕለት 19 03 2016 ዓ ም

ጉባኤ ብምክያድ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ድሕሪ ምምራጹ እታ ዝተመርጸት ሽማግለ ኣብ ውሽጣ ኣኼባን ርክባትን ክተካይድ ድሕሪ ምጽናሕነብሳ ሰሪዓ ምስ ንኡሳት ጨናፍር ንምርኻብ በብዞባኡ መደባት ብምስራዕ ንዕለት 29 05 2016 ዓ ም ንዶቡባዊ ዞባ ኣብ ስቱጋርት ከተካይድ ስለ ዝኾነት ኣባላትን ተደጋገፍትን ኤ ሃ ባ ንዲ ለውጢ ብተገዳስነት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ትዕድም ። መደባት፣1, ሽማግለ ንነብሳ ምልላይ 2, ጉባኤን ወጽኢቱን ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ስርሓትን 3, ናይ መጻኢ መደባት ኣካያዲት ሽማግለ ጨንፈር ጀርመን ኤ ሃ ባ ንዲ ለውጢ 4, ኣብ መሪሕነታት ኤ ሃ ባ ንዲ ለውጢ ዘለዋ ርእይቶ ዝብል ዝትሕቶኡ ከኸውን ኢዩ ። ግዜ ካብ ሰዓት 14 ክሳብ ሰዓት 17 ካብ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ሰዓት ሾውዓተ ናይ ምሸት

ኣድራሻ፣ Caritas Migrationszentrum Badcannstatt Spreuergasse 47 70372 Stuttgart ኢዩ

ብደሓን ምጹ ምጻ ኣካያዲት ሽማግለ ኤ ሃ ባ ንዲ ለውጢ ጀርመን።

ሓበሬታ ንምርካብ ተለፎን 1. 015730407119 2, 015758242194 3. 015770623099

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *