ህዝቢ ኤርትራ ማዕርነት መሰሉን ሓላፍነቱን ክሕሎ ዓለማዊ /ዕልመናዊ / ገድሊ ዬድልዬና አሎ

  • ናይ ቃልሲ ልዝባትና ይኹን ክትዓትና  ብጉዳይ ኤርትራ ንዝምልከት ዕላሙኡ ን ድሕነት ህዝብን ኤርትራን ብግብሪ ንምዕዋትን
    ምዉሓስን ምኻኑ  ብስነ ሓሳብ ደረጃ ኩላትና ደለይቲ ፍትሕን ሕግን እንፈላለዬሉ አይመስለንን ።
    ብፍላይ ከአ እቲ ዘሕዝን  ተርእዮ ህልዊ ኩነታት ህዝብና ትማሊ  ተአሳሲሩ ዝነበረ ማሕበራዊ መትንታት ሕብረተሰብና 
    ሎሚ ብህግደፍን ዘራጊ ፖለቲኩኡን ህዝቢ ተበታቲኑ ምህላዉን  ስንብራት ከአ ሰዲዱ ብምህላዉ ነዊሕን ድርብን ቃልሲ
    ተሓድሶታቱ ጊዝዬ ክወስድ ምኻኑን ግምታዊ ትዕዝብትታትና ዝኽሕዶ አይኮነን ።
    ንሱ ኸአ ገለ ክፋል ካብ ሕብረተሰብና ህግደፋዊ መንነት ክሕዝ ዝመረጸ ብምኻኑን ነቲ ተጮቂና ተበዲልና ጽቡቕ ዬለናን
    ብሕጊ ኤርትራዉያን  ማዕረ ንኹን ኢሉ ብምሕታቱ አብ ገዛእ ሃገሩን መወለዱን ከም ካለአይ ደረጃ መንነት ዘለዎ ኤርትራዊ
    ተቖጺሩ ። ህግደፍ እንተዘይ አሚንካ ከአ ኤርትራዊ አይኮንካን ተብሂሉ ። አብሓንቲኤርትራገፋዕንተገፋዕንተጠቓምን
    ዘይተጠቃምን  ንክኸዉን ብህግደፍ ተፈሪዱ ምህላዉ እዩ በዚ ኸአ ነቲ ተፈጥሮአዊ ኤርትራዊ መንነቱን  መፈጠር ትውልዱን
     ሰብአዊ መሰላቱን  ተገፊፋ ንመሰሉን ክብሪ ሰበአዉነቱን ዝቃለስ ዘሎ አካል ህዝቢ ምኻኑ እዩ
    ዝተቓለሰን ዝደመዬን ህዝቢ  ንስለ ሃገሩ ኤርትራን ን ነጻነትን  ንክብሪ ሰብኣዊ መሰላቱን ዬዒዊቱ ንምዉሓስ ደአ እንበር ነጻነቱ
    አብ ዋጋ ዕዳጋ ንምዉዓል አይኮነን ሎሚ ብስም ነጻነት  ኤርትራ ብሕታዊት ግራት ጽልሚ  መገልገሊት ናይ ሓንቲ ዉድብ
    //// ንክትከዉን አይነበረን ። ገባትን ሓላይ ነብሱን ጉጅለ ህግደፍ ከአ ናይ ሓባር ህዝባ ዝነበረት  ናይ ብሕቲ ዋንነት
    ንኽትከዉን 25 ዓመታት ዝነበረ ብምብራስ  ዝተጠርነፈ ብምብታን ብስደትን  ብግፍዕን ሞትን ቀዳመይቲ ክትከዉን አብቂዕዋ
    አሎ
    ምንዮት ነጻነት አብ ባርነት ተለዊጡ  ዕድመ ንእስነት ኤርትራዊ አብ ስደት ንክበሊ ተገዲዱ አሎ።እንተኾነህዝቢከቢድ
    መስዋእቲ ዝኸፈሎ  ንመሬቱ ካብ ዘይ ደቂ ሃገር ገዛእቲ ነጻ ከዉጽእ ጥራይ አይነበረን ። እንታይደአ ዝሓሸ ናብራን ዝሓሸ ነጻነትን
    ካብ ዝነበረ ንምርካብ እካ እንተኾነ ካብ ዝሓለፉ ናይ መግዛእትታት ባርነት ብዝተዓጻጸፈ አብ እዋን መግዛእቲ ህግደፍ ተራእዩ ።
    ደቂ መን እዮም ተሰዊኦም ንነጻነት  በዓል መንእዮም ከ ተጠቀምቲ ነጻነት  ክንደይ እዮም ኸ ብዝሖምንምምላሽሓቂ ኸአ
    ንምፍላጥን  ሰነዳት ናይ ነብሲ ወከፍ ስድራቤታትን ዓድታትን  ዝኸፈሎኦ ብዝሒ ደቃተን ሓቲትካን ሰነዳት ገንጺልካን 
    ዝረጋገጽ  ናይ ስዉአትና ታሪኽ ብምኻኑ ህያው ምስክርን ዘይድምሰስ ሰነድን ናይ ዘልአለም ታሪኽንንህዝቢ ዝሕደግ  ጉዳይ
    እዩ
    እዚ ብምኻኑ ስነሓሳብ ሃገራዉነት ክንክተል ኤርትራዉያን ግደታን ሓላፍነትን ኤርትራ  ይህልወናን  ንነብሲ ወከፍና ከአ
    ዝምልከተናን ብምኻኑ ብሃገር ደረጃ ንሃገር ብዘገልግል ቃልሲ ክንቃለስ ንላዘብ ንሰማማዕ ከአ
    እምነታትና  ብሄረታትና  አዉራጃታትና  ጂኦግራፊካዊ አቀማምጣ ትዉልድና  ኩሉ ተፈጥሮአዊ ህያባትና እዩ እዚ ስለዝኾነ
    ከአ ኢና ከም ሓንቲ ኤርትራ እንጽዋዕን  አብ ክሊ ሓንቲ ኤርትራ ንነብርን ብስማ ብስማ ከአ እንጽዋዕን ። ናይዚ ኩሉ እኩብ
    ድምር ከአ እዩ መንነት ሃገር ዘዉህበና ። ቃልሲ ክንቃለስ ዘገድደና ከአወጽዓን ግበታን ጭቆናን  ዘይ ሕጋዊ አገዛዘአን 
    ህግደፍ ዝመረረና አካላት ህዝቢ ብምኻና ጥራሕ እዩ
    ኤርትራዉያን ኢናአብ ዓለም ከምንነብር ፍጡራት መጠን  አብ ዓለማዊ/ዕልመናዊ/ ጉዳያት ከነተኩር ዬድልዬና ። አብ
    ምሕደራዉን  ማሕበራዉን  ቁጠባዉን  ፖለቲካዉን ኩነታትና ከም ኤርትራዉያን ሓንቲ ሃገር ሓንቲ መንነት  ሓደ ሃገራዊ
    ሕጊ ማዕርነትን ሕዉነትን ዘናብረና ክትከል ። ብ ዓለም ደረጃ ሓደ ናይ መንነትና ምልክት  ንክህልወና ምእንቲ
    ቃልስና  ንዕልመናዊ ገድሊ ዘተኮረ ቃልሲ  ከነካይድ ሃገራዊ ሓላፍነትና ዘገድደና ምኻኑ ዝከሓድ አይኮነን ።
    ስለምንታይ እንተደአ ኢልና  ኤርትራ ኢያ ዓለማዊት እምበር ህዝባ አይኮነን ።ሓደ ህዝቢ ክበሃል ኮሎ ምስ ዝተፈላለዬ እምነታቱ
    ባህልታቱ ደረጃ ናብሩኡ እዩ ዝሓብር ናይ ሓባር ፍትሒ ከነንግስ ከአ ብሓባር  ደሞኩራስያዊ ለዉጢ ከነካይድን ከነስፋሕፍሕ
    ን ከምዘገድድና ዝከሓድ ስለ ዘይኮነ ።
    ብዝተረፈ ኤርትራ እንተዘዬልያ  ኤርትራዊ ክህሉ አይክእልን እዩ ኤርትራ እትጽዋዕ  ኤርትራ እትዕወት  ብሓድነት ህዝባ
    ጥራሕእዩ ።ፍልልያትና እንተደአ አቐዲምና ግናነናብ ገዛእ ነብስና ስለ ዘእምነና  ነቲ ናይ ሓባር ጉዳያትና ስለዝዉሕጦከምዚ
    ስጋብ ሕጂ ሓቢርካ ንምቅላስ ዘይበቓዕናዮ ክቕጽል ከምምድጋፍ ክኾነና እዩ
    ስለ ዝኾነ ዝተፈላለዩ መንገድታት ሓድነት  ከም ስምረት/ ስኒት/ጽላል/ልፍንቲ/ወዘተተጠቒምና  ንናይ ሓባራዊ
    ረብሓታትን ክብርታትን ሃገር አቐዲምና ንሕማቕ ተግባራት ዘማዕብሉ ባህርያት ወጊድና  ብስም ኤርትራን ሽግር ህዝባን ይኹን
    አርእስቲ ልዝባትና  እንተደአ ናይ ሓባር ጸላኢና ህግደፍ እዩ ኢልና አምን ኮይና ። ሕብረተሰብና ዝተዛመደ ደረጃ ምዕብለን
  • ሓድነትን ዘለዎ ህዝቢ ሆምጀን እዩ ። ተቓወምቲ ከይሓበርካ ህዝቢ ከተሕብር ከአ ዘይከአል እዩ ። ንገዛእ ርእስኻ ናይ ምፍልላይ
    ሰራዉርትኸዉንብምህላዉካ።
    ስለ ኤርትራን ህዝባን ንምቅላስን  አገልገልቲ ሕብረተሰብካ ክትከዉን ምድላዉን ከአመተካእታዬብሉን።ብግብርን
    ብጥርኑፍ ሃገራዊ ራእን ተመሪሕካ  ብናይ ሓባር ግብራዊ መደባት ዕዮን ናይ መቃለሲ ሓባራዊ መምርሕን  ናይ ሓባር ቃልሲ
    ብሓባር አብ ባይታ ምትግባር ዬድሊ አሎ።ብዝተሰማማዕካሉውዕላትተጸሚድካምቁጽጻራትምክያድ።ዕላማታትን
    መትከላትንሓባራዊስምምዕንምትግባርሰናይፍቓዳትምግባርንሕተትአሎና።
    አብ ጉዕዞ ልዝባት ንግዝዬኡ ዘይተረዳዳእካሎም ምስዝህልዉ ንጊዜ ገዲፍካ ቃልስኻ ንምቕጽዝል ቅሩብነትን ቆራጽ ዉሳንዬን
    ይሓተና አሎ ። እቶም ናይዚ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሕግን ምኻኖም ዘጠራጥር ዬብሉን ።
    ብዝወሓደ ከአ ካብ ንነብሮ ናይ ስደት ቦታታትና አብ መላእዓለም ዝርከቡ ናይ ህግደፍ መሰረታዉያን ዓንድታት ማእቶትን
    ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳታትን  ንምዕናዉ ብሓባራዊ ቃልስታትና  ክጅመር ዝግቦኦ ምኻኑ ክንአምን ዬድልዬና አሎ
    ንኤርትራ ካብ ራዕዲ ህግደፍ ዘይትፈርሕ ሃገር ምኻና ከነረጋግጽ ንምኸአል ከአ መሰል ቃልስና ከገድደና ይግብኦ ።
    ስለዚ ክብሪ ዲሞክራሲ ክንረክብ ካብ ተቓለስና ሕድሕድካ ካብ ምርኻብን  ን ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ ካብ ኤርትትራዉያን ብ
    ኤርትራዉያን ሓቢርካ ናይ ሓባር ጉዳይ ብሓባ ምቅላስ ን  መደባትካ ካብ ምስልሳልን ክንዝሕትልን  ግዜ ክንበልዕን አብዚ
    ዘለናዮህልዉናዝግባእአይኮነን።
    ኤርትራ ካብ ብርሰትን ምጽናትን ሓደጋታት ከነድሕን  እንተኮይና  ንጠርነፍ  ንወደብ ሓቢርና ከአ ካብ መግዛእቲ ህግደፍ ነጻ
    ንምዉጻእ ቀዳማይ ዕማምና ንግበሮ ። ኤርትራ ህዝባ ልዑላውነቱ ክጭብጥ  ህዝባዊ ስርዓት ከአ ንኽተከል  ብሕጊ እትናበር
    ሃገር ከአንክትህልወናሓድነትነብስናነተግብርንብግብሪንስርሓሉን።
    ኩነታት ዓለም እናአሰ ይኸይድ አሎ  ተኸላኻሊ ህዝቢ ዝኸዉን ሓደ ሓይሊ ተቓወምቲ ሓይልታት አይተሃንጸን ዘሎ
    ኩነታት ኤርትራ ሃገርና ከአ ናብቲ ዝበአሰ ኩነታት ተሰጋጊሩ አሎ ። ዕዉር ናይ ዕንወት ሓይሊ ህግደፍ አብ ዝተመሳቐለ ኩነታት
    ይርከብ አሎአብ ከምዚ ዘአመሰለ ኩነታት ህልዉናና ከም ተቓለስቲ ሓይልታት ግደና እንታይ እዩ ሓቢርና ንመልሽ ።
    አብርሃም እያሱ 14/02/2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *