
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዘይ መሰል ካብ ስራሕ ዝተባረሩን ንሽዱሽተ ወርሒ ደሞዞም ዘይተኸፍሉ ኣሳትት 50 ሽሕ ሰራሕተኛታት ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ሓያሎ ኣውቶቡሳት ከምዘቓጸሉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።
እቶም መብዛሕቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ብ ትካል ቢንላደን ዝፍለጥ ኩባንያ፣ ብዘይዝኾነ መሰል ካብ ስራሕ ድሕሪ ምብራሮም ነናብ ዓዶም ክፋነዉ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጹ’ዮም ነቲ ተቓውሞ ኣብ ድሮ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ዘካየድዎ።
በቲ ኣብ ከተማ ሜካ ዝተኻየደ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ፣ ሰራሕተኛታት 10ታት ኣውቶቡሳት ከምዘቓጸሉ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
መሰል ሰራሕተኛታት ብፍላይ ከኣ መሰል ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ብምግሃስ ሓብቲ ካብተን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስራዕ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሰራሕተኛታት ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ክውድቡ እዚ ናይ መጀመርያ’ዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና’ውን ኣብ ፈረንሳ፣ ምስ መሰል ሰራሕተኛታትን ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፣ ሰለፈኛታትን ምስ ፖሊስ ብዘካየድዎ ግጭት ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም።
እቶም ሰልፈኛታት፣ ኣብ ጉዳይ ጥሮታ፣ ተወሳኺ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ካልእ ስራሕ መሰላትን ምትዕርራይ ክግበር ብምጥላብ’ዮም ነቲ ተቓውሞ ወዲቦሞ።