ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከም ብዙሓት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ዘቖምዎ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መጠን፡ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥምዎ ዘለው ዕንቅፋታት ብቃልሲ ንምስጋር ዝግበር ጻዕሪ ቀጻሊ’ዩ ክብሉ፡ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ 15 ፖለቲካዊ ውድባት፡ ነቲ ብ19 ሚያዝያ 2016 ብ6 ውድባት ዝተዘርገሐ ዘይሃናጺ ዝበልዎ ጽሑፍ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኣረጋጊጾም።
15 ውድባት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዘጋጥምዎ ዘለው ዕንቅፋታት ኣለልዩ ፍታሓት ንምግባር፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብጽፉፍ ኣገባብ ንምስልሳልን ዝሕግዝ ሰሚናር ድሕሪ ምዝዛሞም፡ ምስ’ዞም ብስም 6 ወድባት መግለጺ ዘውጽኡ 5 ውድባት ኣብ ዙርያ ጸገማት ባይቶ ተራኺቦም ንምዝታይ ኣብ መስርሕ ምድላው እናሃለው፡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ መግለጺ 6 ውድባት ዝብል ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተመልኪቶም ከም ዝተገረሙን ግሩሃት ከይደናገሩ መልሲ ክህብሉ ከም ዝተገደዱን እቲ ጽሑፍ ይገልጽ።
ክልቲኡ ኣካላት ንዘተ ቅሩብ እናሃለወ ብስም 6 ውድባት ከም’ዚ ዝበለ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዘይሕግዝ፡ ሕድሕዱ ዘይቃዶ ጠለባት ዝሓዘ መግለጺ ፈታውን ጸላእን ኣብ ዝርእዮ ቃልዕ ዝተዘርገሓሉ ምኽንያት፡ እዚ ኣካል ኣብ ባሕሪ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ጥሒሉ ንገለ ግሩሃት እንተደናገርኩ ኣብ ዝብል ሕልምታት ኣትዩ ከም ዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ብምግላጽ፡ 15 ፖለቲካዊ ውድባት ሕጂ’ውን ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ተታሒዝሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ክትግበር ካብኡ ዝጥለብ እናገበረ፡ ንዘተ ኣፍ ደገኡ ክፉት ከም ዝኾነን ኣብ’ቲ ብ23 ሚያዝያ 2016 ዝዘርገሖ ጽሑፍ ግልጺ ጌሩ።
ላዕለዎት መራሕቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፡
ክፍሊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ኣብ ኣገደስቲ ዝበልዎም ዛዕባታት ተዛትዮም።
ዶ/ር ሃብተ ተስፋ ማርያምን ዶ/ር ዮሱፍ ብርሃኑን ላዕለዎት ኣመራርሓ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ኣካላት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፈረንሳ ተራኺቦም ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታትን ከኣ ብፍላይ ኣመልኪቶም ሰፊሕ መረዳእታ ብምሃብ፡ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ዓለምን ኣህጉር ኣፍሪቃን ብዘለዎ ጽልዋን ተቐባልነት፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምልዋጥ ናቱ ኣወንታዊ ኣስተዋጽኦ ክገብር ከም ዘዘኻኸርዎም ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሓቢሮም።
ብመሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተዋህቦም ሰፊሕ መብርሂ ብጽሞና ዝተኸታተሉ እቶም ሓለፍቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፈረንሳውያን ሓለፍቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብ ነዊሕ ክከታተልዎ ዝጽንሑ ጉዳይ ምዃኑ፡ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዘጋጥም ዘሎ ዘባህርር ሓደጋታትን ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምሕደራ ውጽኢት ምኳኑ ምሉእ ኣፍልጦ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ደሞክራስን ክመጽእ መንግስቶም ዝከኣሉ ክገብር ምዃኑ ከም ዘረጋገጽሎምን እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።
ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ዝተባህሉ ሓላፍቲ ህግደፍ፡ ኣንጻርቲ ኣብ ዝመጽእ ሰነ 2016 ኣብ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባኡ ብመርማሪ ኮሚሽን ንዝቐርበሉ ጸብጻብ ንምስማዕ ኣብ ምድላው ንዝርከብ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ንምቅዋም፡ ናይ መጋበርያታት ክታም ንምትእኽኻብን ናይ ኣድሕኑና ሓግዙና ዲፕሎማስያዊ ወፍርታት ንምግባርን ኣብ ፈረንሳ ምስ ዝተፈላለዩ ሓላፍቲ ወጻኢ ጉዳይ እታ ሃገር ተራኺቦም ከም ዝተዛተዩ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ትሕተም መጽሔት ታይምስ፡ ንመሰል ስደተኛታት ንዝጣበቑ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ሓደ
ካብ’ቶም ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ጸለውቲ ዝበሎም 100 ሰባት ኣስፊርዎም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ናይ ኣሜሪካ መጽሔት ታይምስ ንኤርትራዊ ቀሺ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ምስ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ፡ መራሒት ሃገረ ጀርመን ቻንስለር ኤንገላ መርክል፡ መራሒ ኣሜሪካ ፕረሲደንት ባራኽ ኣቦማን ዝርከብዎ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ጸለውቲ ዝበሎም 100 ከም ዘፈሮም ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ24 ሚያዝያ 2016 ኣብ መርበቡ ኣብ ዘስፈሮ ዜና ኣረዲኡ።
ኣባ ሙሴ ነዚ ኣፍልጦ ዝተመርጹ፡ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ህይወት ስደተኛታት ካብ ሞት ንምድሓን፡ በብግዜኡ ነናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ዝገበርዎ ኣስተዋጸኦ ከም ዝኾነ፡ ንሶም ሓደ ካብቶም 5 ካብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ናይ 100 ሰባት ዝርዝር ተጠቒሶም ዘለዉ ምዃኖም፡ እቶም ዝተረፉ 4 ኣፍሪቃውያን ካብ ጋምቢያ፡ ላይበርያ፡ ደሞክራሲያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎን ደቡብ ኣፍሪቃን ከም ዝኾኑን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝነጥፉ ኣይ ወይወይ ዝተባህሉ ቻይናዊ ኣቕድም ኣቢሎም ንኣባ ሙሴ ብዝምልከት ኣብ መጽሔት ታይምስ ከምዚ ክብሉ ኣስፊሮም ኔሮም።
ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ካብ 2003 ጀሚሮም ህይወት ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ተዋፊሮም ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም፡ ኣብ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣፍሪቃ ካብ ዝተጨነቑ ስደተኛታት ክሳብ 50 ናይ ስልኪ መጸዋዕታ ከም ዝቕበሉ መስኪሮም ዝበለ እቲ ዜና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ማኸላይ ባሕሪ ህይወት ኣስታት 25 ሺሕ ሰባት ከም ዝጠፍአን ወሲኹ ሓቢሩ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 27-04-2016