Frankfurt ፍርንክፈርትን ከባቢኡን ዝኽሪ ቅዝፈት 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ.ናይ ዝኽሪ መዓልቲ..ንቀዳም ዕለት 16.04.2016

ዝኽሪ ቅዝፈት 3 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ብመኽንያት ብሰንበት ዕለት 3 ምያዝያ ዝተፈጸመ ባርባርዊ ቅዝፈት መንእሰያትን ከምኡውን ሕጻናት ቆሉዕን ኣደታትን ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንቀዳም ዕለት 16.04.2016 ካብ ሰዓት 17:00 ክሳብ ሰዓት 19:00 ኣብ ሳልባው ኒድ በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ክግበር ምኻኑ ንሕብር።

SAALBAU Nied

Heinrich-Stahl-Straße 3

65934 Frankfurt am Main

ኩሉ በዚ ባርባራዊ ተግባራት ዝሓዝንን ብሃገሩ ዝሓምምን ኣብዚ ናይ ዘኽሪ መዓልቲ ብተገዳስነት ክሳተፍ ንላቦ። ሓበራዊ ኣዳላዊት ሽማግለ ፍርንክፈርትን ከባቢኡን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *