ልዕሊ 13 ካህናት ቤተክርስትያን ተዋህዶ ተኣሲሮም

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ልዕሊ 13 ዝኾኑ ሓለፍቲ ኣብያተ-ክርስቲያንን (ሊቃነ-መናብርት) ኣገልገልትን ካህናት ኣስመራ ብማእሰርቲ ከም ዝተዳጎኑ ካብ ቤትጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና የረድእ።

ብተወሳኺ ኣቡን ቄርሎስ፥ ኣቡን ዮሓንስን ኣቡን ሰላማን ዝበሃሉ ጳጳሳት ካብ ምዱብ ስርሖም ብጥበብ ከም ዝተኣገዱ፥ ካልእ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ካህናትንዲያቆናትን ከኣ ተሓድሶ፥ ጴንጠ፥ ጥርጡር፥ መናፍቕ፥ ደቂቀ-እንጦንዮስን ካልእን ብዝብል ናይ ጸለመ ስም ብምጥቃን ካብ ኣገልግሎት ተሰጊጎም ኣለዉ። እዞም ዝተሰጉ ውሉደ ክህነት ካብ ዝተፈላለያ ቤተክርስትያናት ክኾኑ እንከለዉ፥ ብዝያዳ ዳማ ካብ ርእሰ ኣድባራት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ-ምሕረት ሰምበል፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል 35ኛ፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጀረት፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ቲራቮሎን ካብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ገዛ ባንዳን ከምዝኾኑውን ተፈሊጡ ኣሎ። ናይዞምኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብሃንደበት ዝተኣስሩ ሓለፍትን ኣማሓደርትን ካህናት ኣስመራ ምኽንያቶም እኳ እንተ ዘይተገልጸ እቶም ንዘይሕጋዊ መሪሕነት ኣባ ሉቃስክቃወሙን ከስግኡን ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ እሙናት ካህናት ንምጥፋእ ብመንግሥቲ ኤርትራ ዝተኣልመ ፍሕሶ ናይ ሰይጣን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ብፍላይ ድሕሪ ሞት ኣቡን ዲዮስቆሮስን ምብርዓን ዕርቂ ጳጳሳትን ከኣ ብዝኸፍአ ግብርን ብዝበዝሐ ቁጽርን እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ውሑዳት ምሁራትንንፉዓት ሰበኽትን ውሉደ-ክህነት ተዋሕዶ ብኣባ ሉቃስን ተሓባበርቶም መንእሰያት ማሕበረቅዱሳን ኪዳነ-ምሕረት ማይ ተመናይን ክህደኑ ጸኒሖም እዮም።ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ጉዳይ መንፈሳዊ ዕርቂ ጳጳሳት ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዙሕ ጻዕሪ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣባ ክብርኣብ ዝበሃሉ መነኮስ ገዳም ደብረቢዘን ዝኾኑ፡ ከምኡውን እቲ ብጣዕመ-ስምከቱ፥ ብትሕትናኡን ሊቅነቱን ኣብ መንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ግብጺ ዘመስከረ ሊቀ-ማእምራን መሪጌታ ሠመረ-ኣብ ወልደገብርኤል ብክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ 6ይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ሃላዋቶም ካብ ዝጠፍእ ድሮ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ 2005 ዓ.ም ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብምውራድ ኣቡን ዲዮስቆሮስ ንምሻም ኣብ ዝተገብረ ኣእታውነት ኢድ መንግሥቲ ኤርትራ ኣብተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ቀንዲ ሊቃውትን መራሕትን ተዋሕዶ ዝኾኑ ኣቦታት በዓል ቀሺ ገብረ መድኅን ገብረጊዮርጊስ፥ ዶ/ር ቀሺ ፍጹም ብርሃንገብረንጉስ፥ ዶ/ር ቀሺ ተኽለኣብ መንግሥተኣብ፥ ዘውገ-ምሁራን ይትባረክ በርሀ፥ መምህር ተወልደብርሃን ዓንደምስቀል፥ መምህር ዓምደብርሃንገብረማርያም፥ መሪጌታ ተወልደመድኅን መንግሥቱ፥ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ፥ ኣባ ኣምኃ፥ ኣባ ተኽለሃይማኖት፥ ኣባ ኃይለሚካኤልን ካልኦትኣስማቶም ዘይተጠቕሰ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካህናትን መነኮሳትን ብዘይ ሓደ ክሲ ከም ዝኣሰሮምን ንገለ ድማ ከም ዘባረሮምን ዝዝከር’ዩ።

እቲ ካብ 2004 ዓ.ም ብምእሳር ሊቃውንቲ ካህናትን ምሕያር 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን ብኣቶ ዮፍታሄ ዝጀመረ ምዕናውን ምብትታንን ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ገና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብረቂቕ ተንኮል ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብሰፊሑ ይቕጽል ከም ዘሎ ካብ ብዙሓት ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሽግርን ፈተናን ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ኩሉ ኣማኒበብዘለዎ ብጸሎት ክነቅሕን ሕልናኡ ገዲድዎ ኣፉ ከፊቱ ዓገብ ክብልን በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።

ደቂቀ እንጦንዮስ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *