ልዕሊ 13 ካህናት ቤተክርስትያን ተዋህዶ ተኣሲሮም

 

ብተወሳኺ ኣቡን ቄርሎስ፥ ኣቡን ዮሓንስን ኣቡን ሰላማን ዝበሃሉ ጳጳሳት ካብ ምዱብ ስርሖም ብጥበብ ከም ዝተኣገዱ፥ ካልእ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ካህናትን ዲያቆናትን ከኣ ተሓድሶ፥ጴንጠ፥ ጥርጡር፥ መናፍቕ፥ ደቂቀ-እንጦንዮስን ካልእን ብዝብል ናይ ጸለመ ስም ብምጥቃን ካብ ኣገልግሎት ተሰጊጎም ኣለዉ። እዞም ዝተሰጉ ውሉደ ክህነት ካብ ዝተፈላለያ ቤተክርስትያናት ክኾኑ እንከለዉ፥ ብዝያዳ ዳማ ካብ ርእሰ ኣድባራት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ-ምሕረት ሰምበል፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል 35ኛ፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጀረት፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ቲራቮሎን ካብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ገዛ ባንዳን ከምዝኾኑውን ተፈሊጡ ኣሎ። ናይዞም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብሃንደበት ዝተኣስሩ ሓለፍትን ኣማሓደርትን ካህናት ኣስመራ ምኽንያቶም እኳ እንተ ዘይተገልጸ እቶምንዘይሕጋዊ መሪሕነት ኣባ ሉቃስ ክቃወሙን ከስግኡን ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ እሙናት ካህናት ንምጥፋእ ብመንግሥቲ ኤርትራ ዝተኣልመ ፍሕሶ ናይ ሰይጣን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ብፍላይ ድሕሪ ሞት ኣቡን ዲዮስቆሮስን ምብርዓን ዕርቂ ጳጳሳትን ከኣ ብዝኸፍአ ግብርን ብዝበዝሐ ቁጽርን እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ውሑዳት ምሁራትን ንፉዓት ሰበኽትን ውሉደ-ክህነትተዋሕዶ ብኣባ ሉቃስን ተሓባበርቶም መንእሰያት ማሕበረቅዱሳን ኪዳነ-ምሕረት ማይ ተመናይን ክህደኑ ጸኒሖም እዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ጉዳይ መንፈሳዊ ዕርቂ ጳጳሳት ምስፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዙሕ ጻዕሪ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣባ ክብርኣብ ዝበሃሉ መነኮስ ገዳም ደብረ ቢዘን ዝኾኑ፡ ከምኡውን እቲ ብጣዕመ-ስምከቱ፥ ብትሕትናኡን ሊቅነቱን ኣብ መንበረማርቆስ እስክንድርያ ግብጺ ዘመስከረ ሊቀ-ማእምራን መሪጌታ ሠመረ-ኣብ ወልደገብርኤል ብክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ 6ይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ሃላዋቶም ካብ ዝጠፍእ ድሮ ኣዋርሕኣቑጺሩ ኣሎ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ 2005 ዓ.ም ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብምውራድ ኣቡን ዲዮስቆሮስ ንምሻም ኣብ ዝተገብረ ኣእታውነት ኢድ መንግሥቲ ኤርትራ ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንነቶም ቀንዲ ሊቃውትን መራሕትን ተዋሕዶ ዝኾኑ ኣቦታት በዓል ቀሺ ገብረ መድኅን ገብረጊዮርጊስ፥ ዶ/ር ቀሺ ፍጹም ብርሃን ገብረንጉስ፥ ዶ/ር ቀሺ ተኽለኣብ መንግሥተኣብ፥ ዘውገ-ምሁራን ይትባረክ በርሀ፥ መምህር ተወልደብርሃን ዓንደምስቀል፥ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም፥ መሪጌታ ተወልደመድኅን መንግሥቱ፥ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእ፥ ኣባኣምኃ፥ ኣባ ተኽለሃይማኖት፥ ኣባ ኃይለሚካኤልን ካልኦት ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካህናትን መነኮሳትን ብዘይ ሓደ ክሲ ከም ዝኣሰሮምን ንገለ ድማ ከምዘባረሮምን ዝዝከር’ዩ።

እቲ ካብ 2004 ዓ.ም ብምእሳር ሊቃውንቲ ካህናትን ምሕያር 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን ብኣቶ ዮፍታሄ ዝጀመረ ምዕናውን ምብትታንን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ገናክሳብ ለይቲ ሎሚ ብረቂቕ ተንኮል ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብሰፊሑ ይቕጽል ከም ዘሎ ካብ ብዙሓት ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሽግርን ፈተናን ዘርዚርካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ ኩሉ ኣማኒ በብዘለዎ ብጸሎት ክነቅሕን ሕልናኡገዲድዎ ኣፉ ከፊቱ ዓገብ ክብልን በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።

ደቂቀ እንጦንዮስ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *