ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) መን እዩ?

 

Teklezgi_swiss

 

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ።

ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም ብስቱር ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝስልሉ ሃሱሳት ከምዘለዉ ድማ ናይ ደባባይ ምስጢር እዩ። ይኹን ‘ምበር ብደለይቲ ለውጢ ንምቅልዖም ከምቲ ዝድለ ዕቱብ ምንቅስቓስ ስለዘይተገብረ፣ እቶም ሃሱሳት ኣብ ነቓዓት ደምበ ተቓውሞ ተቐርቂሮም መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም እኩይ ውዲታዊ ስርሖም የሳልጡ ኣለዉ።

ሓደ ካብዚኣቶም፣ ካብ ኤርትራ ብምኽንያት ሕክምና በቲ ስርዓት ናብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጻእ ኣብ ከተማ ሚላኖ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣብዚ ክልተ ዓመት ናብ ስዊዘርላንድ ግዒዙ ዑቕባ ብምሕታት ከም ሰላዪ ናይቲ ስርዓት ሃሱሳዊ ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ፣ ተጋዳላይ ነበር ስንኩል ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) እዩ።

እቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ስለያዊ ንጥፍታት ንምክያድ መታን ክጥዕሞ ብሓገዝ ናይቲ ስርዓት ናይ ቴለፎን ማእከል (Phone Centre) ዝኸፈተሉ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሰሊኹ ስለያዊ ስርሓት ንኸካይድ ክእመን ምእንቲ ወከልቲ ህግደፍ ንይምሰል ኣብ ዓዲ ጥልያን ካብ ኣኼባኦም ከምዝስጎግ ገይሮሞ ነይሮም።

ስድርኡ ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ብምሕላፍ ድማ፣ ነቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ንኽስልን ንኽዘርግን ብቑዕ ዓቕሚ ከምዘለዎስለዝተኣምነሉ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካብ ሚላኖ ናብ ስዊዘርላንድ ሰጊሩ፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ሉዛን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ፣ ኣብ ዘድልዮ ግዜ ከም ሓዋላይ ኮይኑ እናሰርሐ ይቕመጥ ኣሎ።

ተኽልዝጊ ዑቕባልደት ዋላ ምስ ሰይጣን ከተዓራረኽ ዝኽእል ባህርያት ስለዘለዎ እዮም ሓለፍቲ ስለያ ህግደፍ መሪጾሞ። በዚ ድማ፣ ፈለማ ኣብ ዓዲ ጥልያን ደሓር ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምስ ብዙሓት ሓለፍቲ ደምበ ተቓውሞ ዝምድና መስሪቱ ስለያዊ ስርሓቱ ከካይድ ጸኒሑ።

ተቓዋማይ መሲሉ ንኽርአ ዝጥቀመሉ ሜላታት፣ ገንዘባዊ ወፍያ ምግባር፣ ሓበሬታ ምቕባል ክኸውን ከሎ፣ ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዓሚ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ውን ተሳቲፉ። እዚ ንነብሱ ማዕረ ኣማኻሪ ሰሪዑ ኣብ ብዙሓት ውድባት ዝነጥፍ ሰብ፣ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ቅድሚ ኹሉ ዘቕርቦ ቅድመ ኩነት ስሙ ክሕብኣሉ ምድላዩ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ደምበ ተቓውሞ ብጋህዲ ከምዘይሳተፍ ክሕተት ከሎ ድማ፣ ወረቐት ስለዘይብለይ ህግደፍ ከይሕሱዉለይ ኢለ እየ ዝብል ዕባራ መልሲ እዩ ዘቕርብ።

ንሱ ብኣተኵሮ ዝምእርሮ ጉዳያት እዋናዊ ሓበሬታ ደምበ ተቓውሞ ፣ መደባት ተቓወምቲ ውድባትን ባእታታትን ካብ ቀንዲ ምንጪ ምርካብ፣ ርክባትን ኩነታትን ደምበ ተቓወምቲ ብምጽናዕ ዝበታትተኑሉ መንቅታት ምፍታሽን እዩ።

ንተኽለዝጊ ዑቕባ ልደት ሰላዪ ስርዓት ኢሳይያስ ምዃኑ ንዝነበረ ጥርጣር ኣራጕዱ መጽናዕቲ ክካየደሉ ዘበገሰ ቀንዲ ምኽንያት ግን፣ ምስታ ናጽነት ተኽለ ዝተባህለት፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ከላ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበረት፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤትፍርዲ ተመዲባ ዝሰርሐት ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከባቢ በርን እትነበር ሓንቲ ካብ ቀንዲ ዕሉላት ሰለይቲ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሮ ጥቡቕ ርከብ እዩ።

እታ ከምኡ ኣካለ ጎዶሎ ዝኾነት ሰላዪት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ናጽነት፣ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ከም ሰላዪ ክውደብ ዝተፈተነ ነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ብዛዕባ ኣወዳድባኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ምቅላዕ ቀንዲ ማእከል ሓበሬታ ስለያዊ ንጥፈታት ናይቲ ስርዓት ኣብ ኤውሮጳ ምዃና ኣጋሊጹዋ ዝነበረት ሃሱስ እያ።

እቲ ካብ ዓዲ ጥልያን ኣትሒዙ ደጋፊ ራድዮ ኣሰና ተመሲሉ ገንዘባዊ ሓገዛት ብምግባር ምስ ኣሰና ርከብ ዝመስረተ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ንኣባላት ኣሰና ዝሃበና ዜናዊ ሓበሬታታት ከነረጋግጾ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ተደጋጋሚ ግዜ ሓሶት ኮይኑ ምስ ተረኽበ ‘ሞ ምንጩ ምስ ሓተሓተትናዮ ብመንገዲ ናጽነት ከምዝረኸቦ፣ ንሳ ድማ ተቓዋሚት ከምዝኾነት ይገልጽ ነይሩ። ሓቀኛ ኩነታት ናጽነት ንህዝቢ ምስ ተቐልዐ ብቐጥታ ንዕኡ ኣብ ምጽናዕ ኣቲና ምስኡ ዝነበረና ርክብ ምስ በተኽና ግን ክሻቐል ጀሚሩ።

ኣቐዲሙ፣ ንሱ በቲ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ከምዝጠርጠርናዮ ኣብ ዝሰግኣሉ እዋን፣ ኣንጻር እቲ ስርዓት ምዃኑ ዳግም ምትእምማን ንኸሕድር ስሙ ሓቢኡ ነቲ ስርዓት ዝወቅስ ግጥምታትን ካልእ ጽሑፋትን ብሚድያ ክዝርግሓሉ ጻዕርታት ክገብር ጀሚሩ።

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት ብሓቂ በቲ ስርዓት ንስለያዊ ስራሕ ዝተዋፈረ መጋበርያ ምዃኑ ዘረጋገጹልና ምንጭታት፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ዝኸፍኡ ቫይረስ ናይቲ ስርዓት እዩ ክብሉ ገሊጾሞ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፣ ምስ ሰባት ናይ ምቕራብ ዲፕሎምስያዊ ክእለት ዘለዎ ከምቲ ቅድም ዝተጠቕሰ ምስ ሸይጣን ከይተረፈ ክተዓራረኽ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ እዩ።

በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ከም ደላዪ ለውጢ ዝኣመኑዎ ደለይቲ ፍትሒ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ ብዓልቲ ቤቱ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዝዓረፈትሉ ግዜ፣ መኪና መሊኦም ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ስዊዘርላድ በጺሖም ደቢሶሞ።

ንኸምስል ቀደም ኣብ ዓዲ ጥልያን ህግደፍ ተቓዋማይ ኢሎም ሓዘን ካብ ምብጻሕ ከልኪሎምኒ ይብል ኳ እንተነበረ፣ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን ቀንዲ በጻሕቱን ኣጆኻ ብሃልቱን ናይ ህግደፍ ሓለፍትን ደገፍትን እዮም ነይሮም።

ብዘይካ ‘ዚ ተኽልዝጊ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዝርከብ፣ ሓዉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበር፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎ ቀንዲ ሰላዪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ሃሱስ ቀጻሊ ርከብ ከምዘለዎ ‘ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ቀንዲ ነዚ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክንዝርግሖ ዘገደሰና ምኽንያት፣ ብቐንዱ እቶም ኣሚኖሞ ካብኡ ሓበሬታ ዝቕበሉን ንሱ ካብኣቶም ሓበሬታ ዝወስደሎምን ሓለፍትን ኣገደስቲ ሰባትን ደምበ ተቓውሞ ነቲ ኩነታት ፈሊጦም ክጥንቀቑ፣ ከምኡ ‘ውን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃሱሳት ኣብ ፈቐዳ ሃገራት በቲ ስርዓት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብኣብነት ንምርኣይን እዩ።

Assenna.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *