ፋሽሽታዊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ መኪና ከምልጡ ፈቲኖም ንዝበሎም ብውሑዱ 4 መንእሰያት ተዓለምቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ክርሽን ከሎ ብዙሓት ከምዘቑሰለ ምንጭታት ሓቢሮም። By assenna on April 4, 2016

 

Asmara-Panorama

 

ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተገፊፎም ብወገን ምዕራብ ክዕለሙ ዝጸንሑ መንእሰያት ትማሊ 3 መጋቢት ብሓያለ መካይን ተጻዒኖም ብኣስመራ ናብ ዓሰብ ክሓልፉ ከለዉ መልእኽቲ ካብ ስድራና ክንቅበል ኢሎም ናብ ሓለውቶም ዘቕረቡዎ ሕቶ ስለዘይተመለሰሎም ካብ መካይን ክዘሉ ምስ ጀመሩ ብዝተኸፍተ ቶኽሲ ብውሑዱ 4 መንእሰያት ከምዝተቐዝፉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

እተን ናብ ዓሰብ ተመራሪሐን ዝኸዳ ዝነበራ ናይ ጽዕነት መካይን ልዕሊ 10 ከምዝኾና ይፍለጥ። በዚ መጠን ቁጽሪ ምዉታት ኣዝዩ ክብ ዝበለ ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም።
ብዘይካ ‘ዚኣቶም ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ብዙሃት መንእሰያት ቆጺሎም ኣብ ሕክምና ተዓቒኦቦም ከምዘለዉ ‘ውን ኣገንዚቦም።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣረሜናዊ ግፍዒ ኣብ ጽሙው በረኻታት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝርአ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ክፍጽም ሎሚ ናይ መጀመርያኡ ኣይኮነን። ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ካብ ኣስመራ ተገፊፎም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተዳጉኖም ዝነበሩ ኣሽሓት መንእሰያት ዓቕሎም ጸቢቡዎም ክሃድሙ ምስ ፈተኑ ብዙሓት ንጹሃት መንእሰያት ኤርትራ በልማማ ተረሺኖም። ቁጽሮም መታን ከይፍለጥ ሬሳታቶም ካብ ስድራቤቶም ተሓቢኡ ኣብ ጋህሲ ከምዝተቐብረ ይፍለጥ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *