ሰራዊት ሕድርን ወዲ ደቡስን ብ, ኣባል ሰራዊት ሕድሪ

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ንስለ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ባዕሉ ብትእዛዝ, እቲ ልዑልን ለዋህን ፈጣሪና ኮነ ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ከድሕን ዝተፈጥረ ውድብ እዩ ዝመስል። ኣባህላይ ንገሊኦም ምግናን ኮይኑ ክስመዖም ይኽእል ይኸውን, ነቶም ኣብ ቅድሚ ግንባር ይኹን ኣብ ከባቢኡ ዘሎና ግን, ርኡይን ምስኩርን እዩ። ፈጣሪ ድማ ንኹሉ ኣማሊኡ ስለ ዝፈጥር ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ንኸድሕን ብፈጣሪ ዝተኣዘዘ ዝመስል ሰርዊት ሕድሪ ዝመርሖ ህርኩትን ለባምን ተዓጻጻፍን ኣገልጋሊን መራሕን ጀባእ ዝበሎ ይመስል። ብጻይና, ኣያና, ኣቦናን መራሒናን ብጻይ ዑቕባዝጊ ደቡስ (ወዲ ደቡስ) ክሳብ ዕለት ሎሚ ነዚ ህርኩት ውድብን ሰራዊትን, ካብ ምጡንን ዘይፍሉጥን ናብ ገዚፍን ውሩይን ጥራይ ዘይኮነስ, ጀነራላትን ናይ ጽጥታ ሓለፍቲን እቲ ገባቲን ፋሺስታውን ስርዓት ኣስመራ ኣብ መዓልታዊ ስርሖምን መደባቶምን ከይዘከርዎ ክሓልፉ ዘይኽእሉ ኣጀንዳ ኮይንዎም ኣሎ። መራሒና ወዲ ደቡስ ንርእሰ መራሒ ህግደፍ ከይተረፈ ዘየደቅስ መባህረሪ ተቓዋማይ ኮይንዎ ኣሎ።

ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ህያው ኮይኑ, ውድብና ውድብ ሕድሪ ኩሉ ግዜ ካብ ተጻብኦ ናብ ተጻብኦ እናተሰጋገረ ይኸይድ ምህላው ግን, ነዓይ ይኹን ንኹሎም ምዑታት ኣባላት እዚ ውድብ እዚ ስክፍታን ሓሓሊፉውን ተስፋኻ ዘጸንቅቕ ክስተታት የጓንፍ ኣሎን ነይሩን። ብምርጫይ እንተዝኸውን ነዚ ሎሚ ንመርበብን ንፌስቡክን ክዝርጋሕ ዝደልዮ ዘለኹ፡ ብቐጥታ ናብቶም እሙናት ሓለፍቲ መሕለፍክዎ ነይረ, እንተኾነ እቶም ብቐረባ ዝኣምኖ ዝነበርኩ ሓለፍተይ ከይተረፉ እቲ ዝተጓነፈኒ ምስ ሓበርክዎም ካብ ኩሉ ነገራት ብምንጻልን ምንቅስቃሰይ ብቐረባ ይከታተለኒ ምህላዉ ብምርግጋጸይ ናብ ኣእዛን ምዑታትን ለባማትን ገለ መርሕቲ, ካድራትን, ኣባላትን, እዚ ውድብ ብመንገዲ ቃልዕ ክበጽሖም እሞÔ ንፍታሕ ክጓየዩ ስለ ዝደለኹ ጥራይ እዩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ገለ ኣባላት ውድብን ከምኡውን ኣባላት ተመሓዘውቲ ውድባት ንገለ ኣባላት ሕድሪ ከም ዕላልን በበይናን ብምቕራብ ድሕሪ ሓሳባት ምልውዋጥን ምዕላልን, (በቲ ሕጂ ዝርደኣኒ ዘሎ ከጽንዑና ንኽኸስቡና ይጽዕሩ ከምዝነበሩ ብሩህ እዩ ) ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕትና ንዓይ ድሕሪ ነዊሕ ዕላልን ሓሳባት ምልውዋጥን, ”ስማዕ ፡ ናይ ሎሚ ቃልሲ እቶም ከማኻ ዝኣምሰሉ ሰብ ካብ ቃልሲ ክሃድም እንከሎ ቃልሲ ዝመረጹ ፍሉይ ምትእስሳርን ቃል ኪዳንን እንተዘይገይሮም ቃልስና ኣይዕወትን እዩ። እዞም ምሳና ዘለዉ ኩሎም ኣይትእመኖም ብሕልፊ እቶም ንነዊሕ ኣብ ቃልሲ ዝነበሩ በላዕቲ ሰብ ገበላት ኢዮም፡ ንገርሂ ልባ ከምዚ ንስኻ, እናሰሓቁ ይጥቀሙልካሞ, ምስዘይተድልዮም ከም ታኒካ ክድርብዩኻ ኣይጽግሞምን, ስለዚ ብምስጢር ምትእስሳርን ቃልስኻ ቀሊስካ ምውሳእ, መተካእታ የብሉን። በዚ ምኽንያት ንስኻ ካብቶም ምሩጻት ስለ ዝኾንካ ኣብ ልብኻ ግበሮሞ ክንራኽብ ኢና” በለኒ። ነገሩ ገሪሙኒ ኣጽቀጥኩ። ኣብ ሰሙና ድማ እቲ ሰብ ረኺቡ, ”እሂ ናይ በቐዳማይ ዕላልና ከመይ ረኺብካዮ” በለኒ። ጽቡቕ ነይሩ የግዳስ ብዙሕ ክበርህ ዘለዎ ነገር ኣሎ ምስ በልክዎ። ዘረባይ ኣቋሪጹ ”ተስፋ ይገብር እቲ ዘዕለልናዮ ኣባይን ኣባኻን ጥራይ ተሪፉ ክኸውን, ማለተይሲ ምስ ካልኦት ኣይተዛረብካሉን ” ይብለኒ። ኣይተዛረብኩሉን የግዳስ እቲ ዘዕለልናዩ ትንክፍ ትንክፍ እምበር ብሰፊሑ ኣይተዛረብናሉን ማለተይ እዩ በልክዎ። ድሕሪ እዚ ከምዚ በለኒ ”ስምዓኒ, ሰብ ብዙሕ ሰጒማን ነዚ ውድብ ናብ ዘመናዊ ውድብ ንምቕያሩ ትሰርሕ እያ ዘላ, ከማኻ ዝኣምሰሉ ድማ ኣገዳሲ ግደ ኣለኩም፡ ንሕና ምስ ከማና ዝኣምሰሉ ኣብ መሓዛ ውድብ ዘለዉ, ገስገስቲ ሰባት ንሰርሕ ኣሎና እዚ ውድብ ድማ ክምዕብል እዩ, ኣብ እስራኤል ዘለዉ መንእሰያት ኣባላት ሰራዊት ሕድሪ ናብቶም ዝመሓዘወና ዘሎ ገስጋሲ ውድብ ክነሰጋግሮም ኢና። እዚ ውድብና ንሃብተማርያም ሰጒጉ ሃብተማርያም ዝሰኮዖም ባእታታት ንውድብ ይመርሕዎ ኣለዉ። ሰራዊት ሕድሪ ኣሕሊፎም ከይህብዎ ንሰግእ ኢና። ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ እምበር፡ ኣብ ካርዶን ህግደፍ ከየእትዉና ንፈርሕ ኢና። እቶም ከማና የሎን ዝብሉ ምኩሓት ናይ ቅድም ኣባላቶም ኣይድልዩናን እዮም, ንስልጣን እንተዘይኮይኖም ንቁምነገር ዝተዓጥቁ ኣይኮኑን። ንዓኻ መንቀሳወሲ ድማ ,-./ ብር ወርሓዊ ክወሃበካ እዩ። እዚ ግን ብምስጢር ሓዞ” ኢሉ ሽዑ ን ሽዑ 0-./ሃበኒÔ በብግዚኡ ክንራኽብ ኢና ኣገደሲ ነገር እንተሎ ክሳብ ሰብ ንገብረልካ ምሳይ ክትራኸብ ኢኻ” በለኒ። ነገሩ ግሪሙኒ ንጽባሒቱ እቲ ዘጓነፈኒ ንሓላፍየይ ብዝርዝር ኣብራህኩሉ, ንሱ ድማ ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ, ”እዚ ጉዳይ ድሓን ናባይ ግደፎ፡ ኣነ ክከታተሎ እዩ” በለኒ። ድሕሪኡ ግና እቲ ሓላፍየይ ገጽ ክኸልኣኒ ጀመረÔ በዚ ከይተሓጽረ ብዛዕባይ ኣብ መንጎ ብጾተይ ገለ ሕርኽርኽ ዝብል ነገር ይዝንብይ ከምዘሎ ክበርሃለይ ጀመረ። ክምቲ ናይ ቅድም ምንቅስቃሰይ ተደረተ።

ኩነታት ከምዚሉ እንከሎ ሰራዊትና ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019/ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ተበገስ ተባሂሉ፡ ኣብ ትሕቲ ካርዶን ህግደፍ ኣተወ። ብዕግበተይ ሰርዊት ሕድሪ ተበጊሱ ከምዘሎ ህግደፍ ኣቐዲሙ ይፈልጥ ነይሩ፡ ኣብ ውግእ ከምቲ መርበብ ዓዋተ ዝበሎ ዘይኮንስ ሓደ ብጻይ ተሰዊኡና ሓደ ድማ ተወጉኡ። ሳላ ቅልጣፈን ተዓጻጻፍነትን ምዑታት ተጋደልቲ ሰራዊት ሕድሪን ከምኡውን ሳላ ሰራዊት ሕድሪ ብዘደንቕ ቅልጣፈ ናብ ዶብ ዝተጸዐ፡ ሰራዊትና ክድሕን በቒዑ። እቲ ተሓሲቡልና ዝነበረ, ሰራዊት ሕድሪ ከይሰወደ እንከሎ ንሙቕጻዩ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ፈጣሪ ኣሎኻ ዝበሎ ሰራዊት ሕድሪ ግና ካብ ሸርሕታት መድሓርሓርቲ ድሒኑ። ኣነ ካብ ውሽጢ ውድብና ከምተካሓድና ርግጸኛ እየ። ሰራዊት ሕድሪ ነዚ ገመን ዝፈጸሙ ገለ መራሕቱ ሽዑ ንሽዑ መጠነኛ መግናሕቲ ገይርሎም እዩ።

እዚ ሸርሒ እዚ መራሒናን ብጻይናን ኣቦናን ብጻይ ወዲ ደቡስ ኣብ ናይ ስራሕ ዑድት ኣብ ኣውሮፓ ተጸሚዱ እንከሎ ምክያዱ, ናይ ኣጋጣሚ ኣይኮነን። ብዘይ ህላዊኡ ንኽፍጸም ዝተኣልመ ተንኮል እዩ። ወዲ ደቡስ ግና ብዘደንቕ ቅልጥፍና ኣብ ባህሪ መራሕቲ ሰውራ ዘይተራእየ ሓላፍነታዊ ሓልዮት፡ ኩሉ ነገራት ጠንጢኑ ኣብ ቅድሚ ግንባር ደኣ ተረኽበ። ኩነታት ብደቂቁ ድሕሪ ምጽናዕ ድማ ምትዕርራይን፡ እቲ ዘድሊ ሰውራዊ ስጉምቲ ወሰደ። ሳላ ከም ወዲ ደቡስ ዝኣምሰሉ መራሕቲ ሰርዊት ሕድሪ ዘጥረየ, ኩነታትና ደሓን ዘሎ ይመስል። የግዳስ ሓደ ዘስገኣኒ ነገር ኣሎ፡ ወዲ ደቡስ ኩሉ ኣእምርኡን ጻዕሩን, እዚ ውድብ ሕድሪ ዝትግብሩ መንእሰያት መራሕቲ ንምጥራይን ምስ ገስገስቲ ውድባት እንተተኻእለ ስምረት ብዝወሓደ ድማ ልፍንቲ ጌርካ ኣንጻር ጸለኢ ምግጣም እዩ። ኣብዚ ግን እቶም ብቀረባ ክወርሱ ተቐሪቦም ዘለዉ, መንእሰያት ኢና በሃልቲ ገለ መራሕቲ፡ ገሊኦም ዘይብሩህ ምትእስሳር ዘለዎም ገሊኦም ድማ ምስ ብቐረባ መላፍንትና ዝመስሉ ውድባት፡ ናይ ሓባር ካልእ ኣጀንዳታት ከምዘለዎምÔ ኣቦ ወንበርና ዝሰሓቶ ይመስል። ስለዚ እቲ ጉባኤና ዝወሰኖ ውሳነታት ኣብ ቦትኡ ኮይኑ, ዕላማታት ውድብና ንምዕዋት ዘይምግራህ የድሊ። እምነተይ ድማኒ እዚ ኣባህላይ ኩሎም ምዕቱታት ተቃላስትን ኣባላትን ለባማትን ሊቃውንትን መራሕቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ሸለል ከይበልዎ ብዕቱብ ክተሓሓዝዎ, ተስፋ ይገብር።

ኣብ መጻኢ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ግdሃeድfኤg-ሕድሪ, ንወዲ ደቡስ ካብ ኣቦ ወንበርነት ንምእላዩ ዝግበር ዘሎ ምቅርራብን ሸርሕታትን ብዝምልከት ጽሑፍ ሒዘ ክቐርብ እየ,

ክሳብ ሽዑ ሰናይ ቅነ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *