
ኣይትሓዘለይ ልዕሊ ወይ ትሕቲ ሓቀኛ ጠባያትካ፡ ንጥፈታትካን እንታይነትካን ይመዝነካ ከይህሉ። ይቅሬታ፡ “ስለምንታይ ናባይ ጥራይ ኣድሂቡ፡ ዝተኣዘዝክዎ እንድየ ዝፍጽም ዘለኹ፡ ከም ናተይ ተግባራት ዝፍጽሙ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ዝብል ስምዒታት ከይህልወካ። ንስኻ ኣኽሊል ጥፍኣት ስልዝደፋእካ ድሕሪ ጎይታኻ ኢሳያስ ማለት’ዩ፡ እምበር ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብኢሳያስ ዝተዋፈሩ እኩያት ከምዘለዉ ኣይስሓትኩን። የማነ ገብረኣብ፡ ሓጎስ ገብሪሂወት፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ተኽላይ ሃብተስላሰ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ተኽለ ማንጁስ፡ ሓድሽ ኤፍረምን ካልኦት ሕቡኣን ከም ኣብነት ክጠቅስ እፈቱ። እዞም ክብ ኢሎም ኣስዝማቶም ዝተዘርዘሩ ሰባት ኣብ ገበናት ህዝቢ ኤርትራ መቁርስካ ስለዝኾኑ፡ እዚ ብስምካ ዝለኣኽ ዘሎ መልእኽቲ ከተካፍሎም ተስፋ እገብር።
ኣቶ ፍሊጶስ፡ ናይ ጀነራል መዓርግ ከምዘለካ ይርድኣኒ’ዩ። ኣብ ጽባሕ ናጽነትና፡ እዚ መዓርግ’ዚ ንስኻን ካልኦትን ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክትስለምዎ እንከለኹም፡ ኣነን ካልኦት ዜጋታትን “ዓስቢ ጻምኦምን ፍረ ጅግንነቶምን ስለዝኾነ ይግብኦም’ዩ” ኢልና ብልቢ ሓጎስና ገሊጽና ኔርና። እንተኾነ ሎሚ እቲ ጎይታኻ ኢሳያስ ዝመጠውልካ መዓርግ ጀነራል ተጠቂምካ፡ መዛኑኻን መጋደልትኻን ክትሃድን፡ ክትኣስር፡ መንእሰያት ኣብ ህሮርማን ኣስሓይታን ከተስፍር፡ እቲ ንኸብዱ ገዲፉ ዝዓንገለካ ህዝቢ ኤርትራ ከተንብዕ ንብረቱ ክትዝርፍ፡ ክትሰኽረሉ፡ ኣብ እዋን ናጽነት ብዕልልታን ከበሮን ዝተቀበላኻ ኣዴታትና ወላድ መኻን ጌርካየን ከምዘለኻ ምስተዓዘብኩ ግን ጀነራልካ ጀነራልና ኣይግበሮ፡ ፍሊጶስ ዘርኢ መርገም እምበር ጀነራል ፍሊጶስ ኢለ ከይሰምየካ ከቢዱኒ። ተጋዳላይ ኢለ ከይጽወዓካ ድማ ነብሰይ ምግባር ኣብዩኒ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ እቲ ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዘበርከትካዮ ጅግንነት ዝጓሓፍ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኩሉ’ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝፈጸምካዩ ዝና፡ ንእከይ ዕላማታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከተተግብር ሓሺሽካዮ ኢኻ። በቲ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ገቢትካን ዘሚትካን ተሕልፎ ዘለኻ ምቾት ዝመልኦ ምግያጽን ዕንደራን ዘለካ ሕቡእ ሃብትን ንጉስ ፍሊጶስ ክብለካ ምመረጽኩ፡ እንተኾነ ወግዓዊ ፍቃድ ንግዲ የብልካን፡ ግብሪ መንግስቲ ኣይትኸፍልን ኢኻ፡ ብዓቢኡ ድማ ጀነራል-ነጋዳይ ዝብሃል መዓርግ’ውን ሰሚዐ ኣይፈልጥን’የ፡ ኣብ ዓለም’ውን ልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን። ብመስተ ጢን ከምትስራሕ፡ በዓል ሓዳር ክንስኻ ከምትዝሙ፡ ከምኡ’ውን ሽጋራ ምትካኽን ጠላዕን ወልፊ ከምዘለካ፡ ኣብ ኣብያተ መስተ ምስ ጽሩራኻ፡ ሰባት ብሽጉጥ ከምተፈራርሕ፡ ከምትዝልፍን ከምትሃርምን ምስጢር ኣይኮነን። ብተግባራትካ በጋሚንዶ ኢለ ከይጽወዓካ ዘነወርኩኻ ይመስለኒ። ብዝኾነ፡ ኣጉዲለን ደሚረን ኣቶ ፍሊጶስ ክብለካ ወሲነ። እዚ’ውን እናዓበየካ’ዩ። እቶም ብሰንክኻ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብስቃይ ዝበልዩ ዘለዉ ንጹሃት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ብሸለብ ገለብን ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብግፍዕታትካ ቤተሰቦምን ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ንሓቀኛ ተግባራትካን ጠባያትካን ዘንጸባርቕ ስም ከጠምቁኻ ይትስፎ። ኣበየናይ ቤት ጸሎትን ኣየናይ ካህንን ከምዘጠምቀኻ ግን ኣጸጋሚ ክኽውን’ዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ባህልናን ሃይማኖትናን ሓጥያትካ ከይተናዘዝካ ኣብ ቅዱስ ቦታ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ።ኮይኑ ተሪፉ ቦታኻ ገሃነብ እሳት’ዩ።
ኣቶ ፍሊጶስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብስም ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ሕቋፍ ዕንባባ ከተንብር እንከለኻ፡ ነቶም ካብ ጎድንኻ ብጅግንነት ዝተሰውኡ ብልቢ፡ ንብዓት ቁጽርጽር እናበለካ’ዶ ትዝክሮም ትኸውን ዋላስ ሕድሮም ስለዝጠለምካ ንነብስኻ ከም ገበነኛ ትቆጽራን ኣብ ልዕሊ መቃብር ስውኣት ክምሕል የብለይን ትብል ትኸውን? ናይ ገድሊ መዛኑኻን ወይ’ውን መልሚሎም ዘዕበዩኻን፡ ብትእዛዝ ኢሳያስን ቀንዲ ተግባሪኡ ንስኻን፡ ፍትሒ ይንገስ ስለዝበሉን ንሃገርናን ህዝብናን ዘርብሕ ሓሳብ ስለዘቅረቡን፡ ዝበዝሑ ትሕቲ መሬት ሰፊሮም ኣለዉ። ገለ ውሑዳት ድማ ብሕማምን ጭንቀትን መዓልቲ ሞቶም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ክሳብ ሓለንጊ ኢሳያስ ተርክበልካ፡ ንስኻን ስድራቤትካን ኣብ ዝተመርጸ መንበሪ ገዛ ከተጋይጽ፡ ዝኸበረት ተሽከርካሪት ክትውንን፡ ሚልዮናት ጥረ ገንዘብ ከተዋህልል፡ ብሚስጢር ትካላት ክትውንን ክኢልካ ኣለኻ። እንተኾነ ዘለካ ሓለፋታት ነባሪ ኣይኮነን፡፡ እቲ ትጽፍሞ ዘለኻ ጽዩፍ ተግባራት ኣብ መዛግብ ታሪኽና ብደም ኩሎም’ቶም ኣደዳ’ተን ገበነኛታት ኣእዳውካ ዝኾኑ ኤርትራውያን ይጸሓፍ ከምዘሎ ኣይትረስዕ። ሒዝካዮ ዘሎኻ መዓርግ ጀነራል ድማ፡ደምን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ተሰኪሙ ዘሎ።
ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (22 መጋቢት 2016)