22.03,2016 ነቲ ኣብ ዝተፈላለይ መርበብ ሓበሬታ ተዘርጉሑ ዘሎ ናይ ኣቦ-ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስጓግ ኣዋጅ ምስ ኣንበብና ዝተሰማዓና ስንባደን ሓዘንን መግለጺ ክንረኽበሉ ኣይካኣልናን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ፡ እዚ ተርእዮ`ዚ ከምቲ ኣብ ኣዱሊስ ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ኤርትራውያን ተቃወምቲ ውድባት ሓዲሽ ተርእዮ ሙዃኑ እዩ። እቲ ምስጓግ ኣብኡ ኣየብቀዐን፡ ሰለስተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ መሪሕነት ሰልፍን ከይተረፉ ከም ዝተባረሩን እዩ ዝገልጽ።
ንሕና ኣባላት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብገለ ጉጅለ ዝተላዕለ ቅልውላው ክንከታተሎ ድሕሪ ምጽናሕና እቲ ጉዳይ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ብሕውነታዊ መንገዲ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል ሓያል እምነት ነይሩና። ይኹን እምበር ኣብ ክንዲ ነዚ ና|ይ መሰረታት ድልየት ዘተግብሩ፡ ንኹሉ ጻውዒታት ረጊጾም ናይ ምስጓግን ምድስካልን ኣዋጅ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክዝርግሑ መሪጾም።
ብወገንና፡ ነዚ ዝወጸ ኣዋጅ ኣመልኪትና ንመሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ ክንሕብር ንፈቱ፦
· ነቲ ብጉጅለ ዓብድልራሕማን ዝተኣወጀ ናይ ምስጓግ ይኹን ምድስካል ውሳኔ ብዕቱብ ንኹኑኖን ንነጽጎን፡
- ነቦ-ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ኢንጅነር/ ኑር ማሓመድ ኢድሪስ ከምኡውን ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ሙሉእ ድጋፍና ንገለልጽ፡
- መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ
ኤርትራ ዝኾነ ናይ ግብረ-መልሲ ኣዋጅ ከይምልሱ ንምሕጸን፡ - መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓድነት ሰልፍና ንምውሓስ ዝግበር ዋዕላ ሙሉእ ድጋፍና ንሕብር፡
ዓወት ንውጹዕ ተቓላሳይ ህዝብና
ውድቀት ንህግደፍን ሳዓብቱ
ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪይጣንያ