ኣብ መንደፈራ፣ ዓዲ ወግሪ ተኣሲሮምዝርከቡ መብዛሕትኦም ብስግረዶብ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣተሓሕዛኦም ዘስካሕክሕ ምዃኑ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ዝነበረ ‘ሞ ናብ ኢትዮጵያ ዘምለጠ ሓደ መንእሰይ ንድምጺ ኣሰና ሓቢሩ።

Mendefera

ኣብ መንደፈራ፣ ዓዲ ወግሪ፣ ብምኽንያት ስግረዶም ተኣሲሮም ዝርከቡ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣተሓሕዛኦም ዘስካሕክሕ ምዃኑ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ዝነበረ ‘ሞ ናብ ኢትዮጵያ ዘምለጠ ሓደ መንእሰይ ንድምጺ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ንሱ 5 ደቒቕ ዝርሕቀቱ ሩባ ኣብቲ ከባቢ እናሃለወ፣ ን 10 ሰብ 5 ሊትሮ ማይ ንጉሆን ምሸትን ከምዝህቡዎም ሓቢሩ። እቲ ንእሱራት ዝቐርበሎም መግቢ ውሑድን ዘይልከፍን ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ፣ ሕክምናዊ ክንክን ከምዘየልቦ ኣረዲኡ።

ኣስዒቡ እቲ እሱር ነበር፣ ኣብ ክልተ ወርሒ ሓንሳብ ነብሶም ክሕጸቡ ከለዉ፣ ዋላ ኳ እቲ ብዝሒ ማይ ብርቱዕ እንተዘይኮነ፣ ከምቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ፖሊስ ዝጥቀሙሉ ብቦጥ እናገጨቡ ከምዝሕጸቡ ከምዝገብሩዎም ኣረዲኡ።

ንሱ ካብ ኩሉ ብኣጸያፍነቱ ዘይረስዖ ተግባር ናይቶም ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ግን፣ እቶም እሱራት ክሸኑ ንደገ ክወጽኡ ከለዉ ክልተ ሰብ ብሓንሳብ ተኣሲሮም ክሸኑ ምግዳዶም ምዃኑ ብምስትንታን ጠቒሱ። ንሱ፣ ኣብ መግለጺኡ፣ በዚ ምኽንያት ሓደ ሓደ ግዜ እቶም እሱራት ተወጢሮም ክንሶም ከይሸኑ ዝምለሱሉ እዋናት ከምዝነበረ ‘ውን ኣገንዚቡ።

ካብቶም በተሓሕዛ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ዝሰክሑ እሱራት 80 ሓደ እዋን ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ክሃድሙ ድሕሪ ምፍታኖም 20 ከምልጡ ከለዉ እቶም ዝተረፉ ግን ከምዝተታሕዙ ኸኣ እቲ እሱር ነበር ኣመልኪቱ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ብብዝሒ ዘፍረዮ ነገር እንተልዩ ኣብያተ ማእሰርቲ እዩ፣ ኣብዚ ትሕቲ መሬትን ልዕሊ መሬትን ዝርከብ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ብቓላት ክግለጽ ዘይከኣል ግፍዕን ስቓይን ኣብ ልዕሊ ግዳያት ከምዝፍጸም ከኣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ።

By on

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *