ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ከተማታት ዝፈጸሞ ምፍራስ ኣባይቲ፡ ኣብ ገጠራት ይቕጽሎ ኣሎ።
ንጽንብል መበል 25 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ንምዝራግ ሓደጋ ኲናት የንጸላልወና ኣሎ ክብል ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ጎስጓሳት ዝጭበጥ መረዳእታ ዘይብሉ፡ ንመናውሒ ዕድመ ዝተፈብረኸ ሓሶት ምዃኑ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ወገናት ገሊጾም
ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ዝመጻሉ ድሕረ ባይታን፡ ብዝሒ በዓላትን ከም ጽቡቕ መኸወሊ ገበናቱ፡ መደናገሪ ህዝብን መናውሒ ዕድመ ስልጣኑን ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ዘሎ ዓንዳሪ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጀሚሩ 25 ዓመት ኣብ መኸተን ልምዓትን ብዝብል ባዶ ጭርሖ ጽዑቕ ጎስጓሳት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ ወቕቲ፡ መዓልቲ ነጻነት ንምዝራግ ወያነ ኲናት ክኸፍተልና’ዩ ተደለው እናበለ ዘመሓላልፎ ዘሎ ትእዛዛት፡ ናይ ኲናት ስግኣት ስለዝሓደሮ ዘይኮነስ፡ ብኡ ኣቢሉ ዓቕልቦ ሰባት ንደገ ክጥምን ኣብ ሸቐልቀል ንምእታውን ዝዓለመ ዝተፈብረኸ መደብ’ዩ ክብሉ በቲ ኩነታት ዝተገረሙ ወገናት ገሊጾም።
ኩሎም ዕጡቓት ክፍልታቱ ዝነበሮም ውልቃዊ መሕበራዊ መደባት ወንዚፎም ትእዛዝ ክሳብ ዝመጾም ብተጠቀቕ ተዳልዮም ክጸንሑ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ክሳብ’ዚ ሓድሽ ኩነታት መዕለቢ ዝረከብ ደው ክብል፡ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ልኡላዊ መሬት እናበለ ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ህዝቢ ብሓፈሻ ኣብ’ቶም መሳኪን ዕጡቓት ክፍልታት ድማ ብፍላይ ዘለዎ ልክዑ ዝሓለፎ ንዕቀት ከም ዘመልክት ዝሓበሩ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ብተግባር ክሰርሖ ዝኽእል ተንበርኪኹ ገንዘብ ዝረኽበሉ ሜላታት ሃሰስ ምባልን ክሳብ ብዋጋ ልኡላውን ህዝብን ሃገርን ምሽምጋል ደኣምበር ኲናት ወረ ኲናት ኣይኮነን ክብሉ ትዕዝብቶም ገሊጾም።
ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ከተማታት ዝፈጸሞ ምፍራስ ኣባይቲ፡ ኣብ ገጠራት ይቕጽሎ ኣሎ።
ብሕግን ብፖሊስን ዘይኮነ ብሃውርን ብድሌት ሓደ ሰብን ዝምራሕ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ኣብ ብዙሓት ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ዝፈጸሞ ጃምላዊ ምፍራስ ኣባይቲ፡ ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ገጠር ዓድታት ይትግብሮ ከም ዘሎ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሓቢሮም።
ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣመሓደርቲ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ከባቢ ደም-በላስ ቆሓይን ብዓቕሚ ኣዝዮም ድኻታት ሓረስቶት ዝተደኮነ መንበሪ ኣባይቲ፡ ብተመሳሳሊ ከም’ቲ ኣብ ከተማታት ዝፈጸምዎ ፋሽስታዊ ተግባር፡ መንግስቲ ኣዚዙ ብዝብል ስድራ-ቤታት መከላኸሊ ኣብ ዘይብሉ ንጸሓይን ንፋስ ኣቃሊዖም የዕንውዎ ከም ዘለው ኣረጋጊጾም።
መግለጺ ምሒር ጭካነ ናይ’ቶም ኣመሓደርቲ ኣኽላባት ናይ’ቶም ሓረስቶት ጋሻ ሰብ ሪኦም ስለ ዝነብሑ ጥራሕ ብተመልከተለይ ተኲሶም ከም ዝቐተልዎም፡ እዞም ኣኽላባት ካብ ውላድና ፈሊና ዘንሪኦም ሓለውትና’ዮም ስለምንታይ ይቕተሉ ዝብል ርእይቶ ዝሃቦ ብዙሓት ሰባት ድማ፡ ሽዑ ንሽዑ ምስ ወሰድዎም ኣበይ ነጢቦም ከም ዘይፍለጥ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ነበርቲ ዓድታት ካብ ዕቡድ ከልቢ ዘይሕሹ ዕቡዳት ኣመሓደርቲ እናበሉ መረረኦም ይገልጹ ምህላዎም ኣፍሊጦም።
ቅድሚ ጃምላዊ ምፍራስ ኣባይቲ ብወግዒ ምጅማሩ፡ ርእሰ ኲናት ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ናይ 2013 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከተማታት ኮነ ኣብ ገጠራት ንመንበሪ ኣባይቲ ተባሂሉ ዝተዓደለ መሬት ብጌጋ’ዩ። እቲ ዝተሃንጸ ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ውጥን ወጺእሉ ብመንግስቲ ጥራሕ ክህነጽ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ሂቡ ምንባሩ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት ምኳኑ ዝተነግረሉ ወለደሚካል ኣብራሃ ዝተባህለ በዓል ስልጣን ድማ፡ ንትእዛዝ ጎይታኡ ተኸቲሉ ኣብ ዓመተ 2015 ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ ዝገበሮ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣብ ገጠራት ንጤሳ ዝተዋህበ ኮነ ኣብ ከተማታት ዝተሰርሐ ኣባይቲ ምፍራስ ክቕጽል’ዩ ክብል ብፍጹም ፋሽሽታዊ ብደዐ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ብሓልዮ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18 መጋቢት 2016