ብመጀመርያ እንካዕ ብዳሓን መጻእኩም ፣ እንካዕ ድማ ናብዛ ፣ ዓማጽን ተዓማጽን ዘይብሉ ስርዓት ንምትካል..12 መጋቢት 2016..

ብመጀመርያ እንካዕ ብዳሓን መጻእኩም ፣ እንካዕ ድማ ናብዛ፣ዓማጽን ተዓማጽን ዘይብሉ ስርዓት ንምትካል፣ ፍትሕን ሰላምን ዝነገሶ ሕ/ሰብ ንምቓም፣ መሰልን ማዕረነትን ጓል- ኣንስተይቲ ዘውሓሰ፣ ጎደና ማሕበራዊ ዕብየት ዘቕነዐ ናይ ቃልሲ ነጋሪት ዝተሃርመላ፣ ታሪኻዊት ማዓልቲ ሓቢርና ከንኽብራ ኣብቅዓና።

ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ብመሰረቱን ብባህርያቱን፣ ንምርግጋጽ ኩልንትናዊ ረብሓን ዕብየትን ናይቲ ዝነብራሉ ሕ/ሰብ ’ዩ ።እዚ ድማ፣ ቃልሲ ንስለ ማዕረ መሰል ኣብ ኢኮኖምያዊ፣ ፖሎታካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ወዘተ ክዉን ንምግባር ኮይኑ፣ እቲ በዚ ቃልሲ’ዚ ኣቢሉ ዝረጋገጽ ሕቶ፣ ሕቶ ሕ/ሰብን ኣሻማውን ሕቶ`ዩ። ብዝርዝርን ጽጽይን ዝበለ ኣዘራርባ፣ ማዕረ መሰል ማለት ወላኳ ንኣብ መንጎ ክልተ ጾታ ዘቕነዐ እንተኾነ፣ ከምቲ ኣብ ሃገርና፣ ንሓራስ ጎሎ ሃባሞ ልቢ እሃባ ተባሂሉ ዝምሰል፣ እዚ ማለት ሓራስ ኣብ ግዜ ሕርሲ ዘጥፍኣቶ ሓይሊ ንምትካእ ጎሎ ስብሕቲ ስጋ ስለዝኾነት ንመረቕ ንሓራስ`ያ ትበሃል፣ ሓራስ ድማ ጎሎ ብጽሒተያ ብምባል፣ ደቃን ሰብኣያን ክትዝንግዕ ኣይግባእን ንምባልዩ። ጎሎ ሃባ`ሞ ልቢ ይሃብ፣ ማዕረ መሰል ብኢኮኖምያዊ ፖሎቲካዊ ማሕበራዊ መዳይ ቀንዲ መሰረቱኳ እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ጾታ ተሓጺሩ ዝተረፍ ግን ኣይኮነን።ማዕረ መሰል ወይ ማዕርነት ማለት ፍርቅን ርብዕን ዝጎዶሎ ዘይኮነ፣ ኣብ ፍትሕን ርትዕን ዝተሰረተ፣ ኣብ መንጎ ሃገራውያን ኮነ ነበርቲ፣ ኣብ መንጎ ባህልታት ኮነ እምነታት፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ኮነ ኣውራጃታት፣ ወዘተ ዓማጽን ተዓማጽን ሌላን-ጉሌላን፣ ዘይብሉ፣ ዘንጊ ዘትከለ ስርዓት ህያው ንምኻን ዘጠቓለለ’ዩ። እዚ ማለት ክኣ፣ እቲ ምሉእ ሕ/ሰብ ዝብህጎን ዝጠልቦን ስርዓተ ምሕደራ ዝውክል ቃልሲ ምኹኑዩ። ሕ/ሰብ ብዕላማን መትከልን ንራብሕኡ ምኻኑ ኣሚኑ፣ ካብ ጸኒሓዊ ደሑር ኣተሓሳስባን ኣዕናዊ ኒሕን ተናጊፉ፣ ብምሉእ ሕልናን ተወፋይነትን ክድግፎን ንቕሚት ክደፍኦን ዝግባእ ቃልሲ እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ፣ እተን ኣዝየን ዝተወጽዓን፣ ከም ሰባት ከንብረን ዝኽእል መሰላት፣ ምሉእ ብምሉእ ዝተገፋ፣ ክፋል ሕብ/ሰብ እየን። ስለ ዝኾነ ከም ሰባት ክነብራ፣ ዝተነፍገን መሰላተን ክመልሳ ክቃለሳ ኣለወን። ስለዚ ዘካይደኦ ቃልሲ ፍትሓዊ ቃልሲዩ። ደቂ-ኣንስትዮ፣- ናይ ኢኮኖሚ ሕቶ መሰረታዊ ሕቶ’ዩ ነዐኣን። ኣብ ቁጦባዊ ምህርቲ ሃገር፣ ማዕረ ተሳታፍነት ብውጽኢቱ ድማ ማዐረ ተጠቃምነትን ዘማዕደወ`ዩ። ናይ ዓመጽ ስርዓታት ዝኸተሉዎ ግፍዓዊ መርሆ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብቐዳምነት ዝጥቀምሉ ሜላ፣ ብኸብዱ ሓዞ ናብ ካለእ ከይሓስብ ዝዓይነቱ ኣገባብዩ። ብዓረብ ምስላ`ሉ፣ ጀውዑ ልከይ የርካዕ ኣጥምዮ ንኽንብርከኽ ዝብልዩ። ንደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብኸብደን ሒዝካ ኣብ እግርኻ ኣስግደን ዝዓለመ ኣረምናዊ ውሳነ ተበይኑለን። በዚ ኣቢሉ ስርዓት ዕመጽ፣ ኩሉ ጠለባቱ ዝቕበላን ዘተግብንራ፣ ብሕጽር ዝበለ ከምቶም ዝኣዘዝካዮም ነገር ዝፍጽሙ እንስሳዩ ገይርወን።ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ድማ ከም ኣካል ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም መጠን፣ ግዳይ ናይቲ መስርሕ ሰንሰለታዊ ግፍዒ ክኾና ግድንዩ። ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ቃልስና ደቂ-ኣንስትዮ ዝኸፈለኦ መስዋእትነት፣ ዝተዘምተ መሰላተን ኣብ ቦትኡ ከምልሳን፣ ረብሓታተን ከረጋግጻን ድኣ-ምበር፣ ንምስዋድ ናይ ዓመጽ ጎብለላት ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ ተሰዲድና ንነብረሉ ዘለና ኣህጉር፣ ነቲ ናይ`ቲ እዋን`ቲ ዝነበረ ቀታሊ መርሆ ብቓልሲ ሰይረን፣ ኣብ ፍትሒን ማዕረነትን ዝተሰረተ ሰላምን ርግኣትን ኣስፊኑ ንምዕባሌ ዝግስግስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ስለ ዝተኻእለ እዩ ንዓናን ከማናን ኣዕቂቡ ናይ ዘዐምበብዎ ጽጋ ተኻፈልቲ ክንከውን ኣብቂዑና ዘሎ። ደንማርክ ኣብ $%&%’ ኣቢሉ`ዩ ካብ መስፍናዊ ስርዓት ናብ ዲሞራስያዊ ስርዓት ተሰጋጊራ። ቀዳማይ ሕገ መንግስቲ ቆይሙ፣ ስልጣን መስፍንነት ተገዲቡ ፣ ኣብ ትሕቲ ውሑዳት መሳፍንቲ ተገቢቱ ዝነበረ መሬት ናብ ህዝቢ ተመሊሱ፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኮይኑ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ኢድ ውሑዳት መሳፍንቲ ተጨቢጡ ዝነበረ መሰላትን ረብሓታትን ናብ ብዙሓት ንኡሳን መሳፍንቲ ማለት 8ደቂ-ተባዕትዮ9′ ተሰጋጊሩ ድኣ ምበር፣ ንደቂ-ኣንስትዮስ ዝተቐየረ ነገር ኣይነበረን። ብ :;$<‘ዓመተ ምህረት፣ አቲ ንጎኒ ተጎስዩ ዝነበረ መሰላት ሕግታት ዘካተተ ሓዲሽ ሕገ መንግት ቆይሙ። ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ኩሉ መሰላት ረብሓታትን ደቂ-ኣንስትዮ ብምልኣት ዝሓቖፈ ቁዋም ኮይኑ ድማ ጸዲቑ። ኮይኑ ግን ዝጸደቐ ሕጊ ኣሻማዊ ኮይኑ ተወሪቑ`ኳ እንተተቕመጠ ንደቂ-ኣንስትዮ ብዘርኢ ዝጊት ተግባራዊ ኣይኮነን። ኣብ መጽሓፍ ዝተወቀረ ምቁር ቃላት ኮይኑ ጥራዩ ተውቂጡ። ድሕሪ G<‘ ዓመታት ኣቢሉ ደቂ-ኣንስትዮ ተላዒለን፣ ሓድሕድ ተኣሳሲረን ማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ማዕረ ደረጃ ትምህርቲ ማዕረ ደረጃ ሕላፍነት ብዝብል ጽዕጹዕ ሰላማዊ ሰልፍን ተሪር መኸተ ምሰ ኣካየዳ`የን እቲ ኣብ-ሕጊ ዝሰፈረ ውሳነታትን ተግባራዊ ክኸውን ዝኻኣለ። ነሕና ደቂ-ንስትዮ ኤርትራ፣ ሃገርና ካብ መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ ሓቢርና ምሰሕዋትና ክንዋጋኣላ ታሪኻዊ ሓላፍነትና ወሲድና፣ ዝላዓለ ግቡእ ከፊልና ኢና። ኣብ ፍትሒ ዝተሰረተ ደሞክራሲ ስርዓት ክንተክል፣ ንመሰልን ረብሓ ጓል-ኣንስተይቲ ዝውሕስ ሕገ-መንስት ከነቕዉም ክኣ እነሆ ዳግም ቃልሲ ይሓተና። ኣብ ሕጊ ዝሰፈረ መሰረታዊ መሰላት ዝሓቖፈ ውሳነታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባይታ ንምርግጋጹ`ውን ገና ቃልሲ ይጠልበና። ማዕረ`ቲ ንጥለቦ ኮና ንኽንቀርብ ንርእሱ ተሪር ቃልሲ የድልየና በዚ ኣጋጣሚ፣ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፣ እቲ ንቕዱስ ዕላማ ንምዕዋት ዝተኸፍለ ዘይትመን ዋጋ፣ ንዋያ ከይከውን፣ ዝኣወድክንኦ ክትዛዝማ ይጽውዕ ላም ሓደ ጎና ዓቢራ ሓደ ጎና ኣይትሰብሕን ከምዝባሃል፣ ኩሉም ንፍትሒ ዝቃለሱ አርትራውያን፣ ከዐውትዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ዕላማ፣ ንመሰልን ረብሓን ፍርቂ ሕ/ሰብና ዝኾነት ጓል- ኣንስተይቲ ኤርትራ ዝጎሰየ ከይኮውን ብኣጋጣሚ እዛ ካብ ድቕድቕ ጸልማት፣ በሪ ጩራ ብርሃን ዝኸፈተት ቅድስት ማዓልቲ c’መጋቢት፣ ምስ ሕልናኹም ቃል ክትኣትዉ ይጽውዕ።

ስዋኣትና ንምሉእ እምበር ንፍርቂ ራብሓ ኣይ ሓለፉን

ተኽሊ ዕላማ d’ምጋቢት ክትዕንብብ ትንበር

ዓወት ንቃልሲ ውጽዕቲ ጓል ኣንስተይቲ

ውድቀት ንናይ ዕመጽስርዓታት

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና

Gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *