ስርዓት ህግዯፍ መርኣያ ናይ እቲ ኣብልዕሊእምነታትንባህልታትንህዝቢኤርትራ:
ክብሪ ዘይብሉ ምዃኑ ንምንጻር: ገዲማት ምጥሕሳስን ምርኻስን: ንምእመናን
ምስዲድን ኣብ መገዱ ከቲርካ ናብ ዕስክርና ንምውሳድ ዝግበር ግፋ ምክያድን ካብ
ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት እኳ ኣቑጺሩ እንተሃለወ: ኣብ እዚ ሎሚ እዋን ግን ብዝኸፍአ
መልክዐ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጉሃይ ተተሓሒዝዎ ብዘሎ መዯብ:ንምንኩስና ናብ
ገዲም ክኣትዉ ዘለዎም መንእሰያት መጀመርታ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙይግባእ
ዝብል ትእዛዛዊ መምርሒ ናብ ገዲማት ብምምሕልላፍ: ኣዲህሊሉ ናብገዲማት
ብምዝማት: ንብዝሒ መነኮሳትን ወሃብቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ኣብገዲማት
ንምቁጽጻር እትነጥፍ ናይመጋበርያጉጂለኣቊሙንእምነታዊክብሪህዝቢይህውጾ
ከም ዘሎ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር::
ኣብ እዚ ሎሚ እወን ብፍላይ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ሃይማኖት’ዩ ኣዝዩ ከፊኡ
ዘሎ ጸቕጢ ስርዓት ህግዯፍ ዝበሉና ወሃቢ ሓበሬታና: ናብ እቲ ሓንሳብ ምስኣተኻዮ
ትበልየሉእንተዘይኮይኑገዯብዘይብሉብሽምሃገራዊኣገልግሎትዚእቶመጻወድያ
ግደድውትህድርና:ንዝምንኩሱመንእሰያትሃገራዊኣገልግሎትዝወድኡክኾኑ
ኣለዎም ኢሉ ምእዛዙ: ኮነ ኢሉ እምነት ካብሃገርንምጥፋእንሽማግለታት
መነኩሴታት መተካእታ ከምዘይረኽቡ ንምግባርን ዯኣእምበርካልእዕላማ
ከምዘይብሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከብርህ ከሎብሰንኪምስዲድመንፈሳውያንመራሕቲ
ዝወለዶ ዋሕዱ ወሃብቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መዓልታውስ ይትረፍ ኣብወርሓዊ
ዕለተን እኳ ቅዲሴ ንኽረኽባ ዝሽገራ ገዲማት ከም ብዓል ገዲም እንዲኣቡነየውሃንስ
ኣብ ከባቢ ማይ ዓይኒ ዝርከብ እንዲ በዝሓ ይኸዲ ምህላወን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ
ብምንጻርገሊጹ::
ብወገና ከም ተቓለስቲ ንሓርነት መጠን: እሞ እንታይ ንግበር ኢልና ነቶም ነዚ
ሓበሬታ ዝሃቡና መራሒ ሃይማኖት ኣብ ዝተወከስናሉ ግዜ:ንስኻትኩምዝከኣለኩም
እኳ ትገብሩ እንተሃለኹም ናይ ኩሉ ዝተወጽዏ ብፍላይ ከኣ ናይ እዚ ዯው ኢሉ
ዝጽልየሉ ቦታ እንዲ ተኸልአ ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ ምትሕብባር ክህሉ: ርስቱ እንዲ
ተመንጠለ ናተይ ዝብሎ እንዲ ተሓዯገ ስቕክብልዘይኮነስጸሎትኣጽኒዐዝግብኦ
ከበርክት ኣብቃልሲ ይድለ : ካልእ እውን ንሕና ከም ተዋህዶ መጠን ኣብገዲምንነብር
ዝነበርና ኢና ኣብ እተን ካልኦት ሃይማኖታት እውን እዚ ጸገማት ክህሉ እዩ: ሎሚ
እንተዘይሃልዩ ከኣ ጽባሕ ግድን ክህልወን ኢዩ እመበኣርከስ እቲምትሕብባር
ብጸሎት ይኹን ሰላመዊ መንግስቲ ንምትካል ዝግበር ቃልሲ ናይእተንካልኦት
ሃይማኖታትምድግጋፍንምትሕዝዛንንክህሉኣለዎ ክበሉሓሳቦምአካፊሎምና
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ለካቲት 27 /2016
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ–ሕድሪ