ህግደፍ ንሰራዊት ሕድሪ ከጥቅዕ ፈቲኑ

 

ነውራም ስርዓት ህግደፍ ዝኣዘዞ ሰራዊት ን ሰራዊትሕድሪ ንምጥቃዕ ብዝወሰዶ ባዕላዊ ስጉምቲ%
ብዘየዳግም ቅላዕ ብጀጋኑ ተጋደልቲ ሰራዊትሕድሪ ተጸፊዑ% ዉጉኣቱን ምዉታቱን ገዲፉ እግረይ
ኣውጽእኒ ብምህዳም ናብ እቲ ብኣስገዳድ ዝተበገሰሉ ዓዲ ሻሃይ ዝበሃል ቦታ ተመሊሱ%%
እዚ ለካቲት 16  / 2016 ካብ ሰዓት 6%ºº ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 9%ºº ረፋድ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት%
ኣብ ኣከለጉዛይ ከባቢታት ጸሮና ካብ ዓዲ ሻሃይ ተበጊሱ ናብ መንጎ ሓስሓሶን ቅኒቶን ዝገስገሰ
ሰራዊት ህግደፍ ብዝወሰዶ እዱድን ተኹታዂን ስጉምቱ እዩ ኣጋጢሙ%%
ይኹን እምበር እቶም ንጭቁን ህዝቦም ካብ ሕሱም ምንጋጋ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምንጋፍ%
ሓርነት ዝለበሰ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንኽትከል% ቃልሶም ብምትርናዕ ለይትን
ቀትርን ሰለም ከየበሉ ክብርቲ ሂወቶም ዝውፍዩ ዘለዉ ጀጋኑ ተጋደልቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ግንባር
ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራሕድሪ (ሰራዊትሕድሪ) ’ ነቲ ተሃንዲዱ ዝመጾም ናይ ቲ ገባቲ ስርዓት
ሰራዊት% ብዘድሚን ብዝተወደበን መልክዕ ጸረመጥቃዕቲ ብምፍናው ናብ እቲ ዝተላእከሉ ናይ
ጎዳጉዲ ቦትኡ መሊሶሞ%%
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ለካቲት 16/ 2016
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃደኤሕድሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *