25 ዓመት ጭርሖ ምኽንያት ዘይብሉ መኸተን ፍረ-ኣልቦ ልምዓትን መኸተን ልምዓትን ከም ኣምር ፎኪስ ዘረባ ኣይኮነን ኣዝዩ ከቢድ’ዩ።

ብመንጽር ክብደቱ ድማ፡ መዓስ ይበሃል፡ መን ይብሎ፡ ከመይ’ከ ኣብ ባይታ ይትርጎም፡ ገለ ካብ መምዘኒታቱ’ዩ። መኸተ ኣንጻር መን? ኣንጻር ድሕረትን ድኽነትን፣ ኣንጻር ባህሪያዊ ሓደጋታት፣ ኣንጻር ውሽጣዊ ፖለቲካውን ጸጥታውን ዘይምርግጋእ ወይስ ኣንጻር ግዳማዊ ወራር? ብብሩህ ብጭብጢ ብሰነድ ክግለጽ ይግባእ። ዘይምኽንያታዊ ብዘይብሩህ ኣገባብ ብሓደ መስኖ ጥራሕ ዝወርድ ዘይጭበጥ ፕሮፖጋንዳ ዘይኮነ፡ ኣብ ባይታ ብዓይኒ ዝረአ፡ ዝድህሰስ፡ ህዝቢ ዝኣምነሉ፡ ዝምስክረሉ መኸተ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ልምዓት ብተመሳሳሊ፡ እንታይ ዓይነት? ኣበየናይ ዓውዲ? ኣብ ገጠርን ሕርሻን፣ ኣብ መንገድታት ትሕተ ቅርጻን ዲጋታትን፣ ኣብ ምስፋሕን ህንጸትን ናይ ከተማ ኣባይቲ፣ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ማለት፡ ቀረብ ዝስተ ማይ፡ መብራህቲ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ኣብ ንግድን ወፍርን ወይስ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ? በብክፍሊታቱ ነጻጺልካ፡ እዚ ንምግባር ምስ ዝወጸ ፖሊሲን ዝወረደ ናይ ተግባር መምርሕን፣ ዝተታሕዘ ውጥን፣ ዝተሰለዓሉ ባጀት፣ ዝወሰዶ ግዜ፣ ዘጋጠመ ዕንቅፋት፣ ዝተሓፍሰ ፍርያት፣ ኣብ ህዝቢ ብጭቡጥ ዝተመዝገበ መኽሰባትን ብዝርዝር ክቐርብ ይግባእ።

ብኸምዚ ኣገባብ ምስ ዝቐርብን ዝግለጽን ህዝቢ መን ወሪርዎ ወይ ናይ ወራር ትንዕታ ኣርእይዎ፡ ከመይ’ከ መኪትዎ ብግቡእ ክርዳእ ይኽእል። እንታይ ንጥፈታት ልምዓት ተኻይዱ፡ ኣብ’ቲ ንጥፈታት ልምዓት ብሓሳብን ብኣካል ዝነበሮን ዘለዎ ተሳትፎን ዝረኽቦ ረብሓን ዝፈጠረሉ ኣወንታዊ ተስፋን፡ ተገዲዱን መሲሉ ክሓድርን ዘይኮነ፡ ካብ ውሽጣዊ ዕግበቱን እምነቱን ዝመንጨወ ምስክርነቱ ክህብ ይኽእል። ካብ’ዚ ወጻኢ ዝግለጽ መኸተን ልምዓትን ግን፡ መሰረት ዘይብሉ ንሃልኪ ህዝባዊ ርክባት ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒ ካብ ምዃን ዝሓለፍ ፍረ ኣይህልዎን።

ሓሶትን ምቅንጃው ምልክን ዘይስልችወን ማዕከናት ዜና ስርዓት ህግደፍ፡ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ፡ ዘይሓድሽ ዝተለምደ ግን ከኣ ኣዝዩ ዝተጋነነ ድምጺ ከቃልሓ ጀሚረን ኣለዋ። ደረስቲ፣ዘየምቲ፣ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ብተመሳሳሊ፡ መመላኽዒ ምልኪ ዝኸውን ፍርያት ከሽኖም ከቕርቡ፡ መምርሒ ወሪድሎም ኣብ ምሽብሻብ ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ ኣሎ። ስማውያን ሓለፍቲ ናይ’ቲ እንኮ ሰባዊ ስርዓት፡ መበል 25 ዓመት ነጻነት ኤርትራ፡ “25 ዓመት መኸተን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ ክኽበር ምዃኑ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ዝርከቡ መሓውር እቲ ስርዓት፡ ካብ ብሕጂ ልዑል ምድላዋት ክገብርሉ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ዝተገበረ መኸተን ዝተሰላሰለ መደባት ልምዓትን ኣጉሊሁ ብዘርኢ ክጽንበል ዘኽእል ጥቡቕ መምርሒ ኣውሪዶም ንትግባረኡ ይከታተልዎ ከም ዘለውን ብወግዒ ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ወሪዱ ዘሎ መምርሒን ይግበር ኣሎ ዝበሃል ዘሎ ምሽብሻብን ብርግጽ ሓድሽ ኣይኮነን። ህዝቢ ካብ ልሳን ህግደፋውያን ከም’ዚ ዓይነት ድምጺ ክሰምዕ ብኹሪ እዝኑ ኣይኮነን። ብዛዕባ መኸተ ኣንጻር ጸላእትን ተጻባእትን፤ ብዛዕባ ልምዓት፡ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ነብስኻ ምኽኣልን ምስ ምጅማር ሓድሽ ዓመት፡ ን25 ዓመት መመላእታ ፈኲስን ረዚንን በዓላት ሓደ ድሕሪ’ቲ ካልእ ኣላጊቡ፡ በዞም ልዕል ክብል ዝተገልጹ መሳርሒታት ማለት፡ ውሽጣዊ ነጻነት ዘይብሎም ማዕከናት ዜናኡን ስነ-ጥበባትን 2 ኣቢሉ እናሰርሓሉ ዝመጸ መደብ’ዩ። ካብ’ቲ ሓደ ድሕሪ ሓደ ተላጊቡ ዝግበር በዓላት፡ ገሊኡ ንኹሎም ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራ ዝምልከት ሃገራዊ በዓላት’ዩ። ገሊኡ ከኣ መሪሕነት ህግደፍ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ካልእ ዓውድታት ዝገብሮ፡ ብኢደ-ወነኑ ሃገራዊ በዓል ዝብል ስም ኣልቢሱ ክኽብሮ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ምስ ውድባዊ ድሕረ ባይታኡን ክረኽቦ ዝድልዮ ግዝያዊ ፕሮፖጋንዳዊ መኽሰባትን እናዓየረ፡ ገዚፍ ባጀት ሰሊዑን እኹል ግዜን ዓቕሚ ሰብን መዲቡን ዘሰላስሎ ምዃኑ ይፈለጥ። ብሓጺሩ እቲ መኸተ ዘይምኽንያታዊ እቲ ልምዓት ከኣ ብዝሒ በዓላትን ባዶ ፕሮፖጋንዳን’ዩ። ምድላዋትን መልእኽትን ናይ’ቲ በዓላት ከኣ፡ ናብ ህዝባውን ሃገራውን ዘይኮነ፡ ናብ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ’ቲ ወሳኒ መርሕነታዊ ጉጅለ ዝዘንበለ ሚዛን ዘለዎ’ዩ።

መዓልቲ ነጻነት 24 ግንቦት፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዘይኮነ ናይ ህዝብታት ኤርትራ ዝዓበየ ሃገራዊ በዓል’ዩ። ስለዚ ከኣ በዚ ክገብሮ ዝጸንሐን ሕጂ ድማ ዝሸባሸበሉ ዘሎን ናይ ፕሮፖጋንዳ መድረኹ ንኸይኸውን፡ ብሓቂ ናይ ኩሎም ዜጋታትን ህዝብታት ኤርትራ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ መታን ክጽንበል፡ ብኣንጻር ናይ’ዚ መኸተን ልምዓትን ዝብል ህግደፋዊ ጭርሖ፡ ክንዕጠቐሉ ኣለና። ህግደፍ ጸላኢና ባዕሉ ክነሱ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት መበል 25 ዓመት መኸተን ልምዓትን ብዝብል፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ሕብሪ ቀቢኡ ክድውና ተበጊስሉ ንዘሎ መደብ፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ናይ ኣመራርሓ ብቕዓት፡ ጽፉፍ ውደባን ከነበርዕኖ ክንዳሎ ኣለናን ይግባእን።

ካብ’ዚ ግዜ’ዚ ጀሚርካ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣንጻር ሰብኣዊ ክብርናን መሬታዊ ልኡላውነትናን ዘንቀደን ዝወፈረን ግዳማዊ ሓይሊ መን’ዩ? መዓስን ብኸመይን’ከ ተመኪቱ? ዘእምን መረዳእታ ኣቕርበልና ዝብል በዳሂ ሕቶ ክቕርበሉ ኣለዎ። ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ከመይ መጺእና፡ ሕጂ’ኸ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለና፡ ፖለቲካዊ ሚዛና ብደረጃ ዞባ፡ ኣህጉር ኮነ ዓለም ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ? እቲ ተረጋጊጹ ዝበሃል ዘሎ ሃገራዊ ልምዓት፡ ብመንጽር ረብሓ ዜጋታትን ህብዝታትን ኣበይ ኣሎ ብኸመይ’ከ ይግለጽ? ጠንቂ ተርእዮ ዋሕዚ ስደትን ሳዕበናቱን መን’ዩ? ተሓታቲ’ኸ? ዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታት ብምቕራብ፡ መበል 25 ዓመት ጽንብል ነጻነት፡ ብናትና መደብ፣ ብናትና ናይ ለውጥን ቃልስን ጭርሖ፣ ብናትና መራሕትን ኣብ ናትና ኣዳሽን ከነብዕሎ ጽፉፍ ምድላዋት ክንገብር ይግባእ። መበል 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ዝሰገርናዮ መሰገደል፡ ዝኸፈልናዮም ሰማዕታት፡ ንዝክረላ ዕለት ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ዘቤታዊ ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ከመይ ክውገድ ከም ዘለዎ፡ ተቕራሪብና ንዛተየላን ኣብ ዓወት ዘብጸሐና መደባት ንስእለላን ድርብ ተልእኾ ዘለዋ ዕለት ኮይና’ያ ክትክበር ዘለዋ።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-01-2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *