ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣብ ፍራንክፎርት

ensf-europ

ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣብ ፍራንክፎርት

 

 ሃገራዊ ጉዳያትና ብሓባር ንምዝታይን ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዓቕምታትና ንምጥርናፍን፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ውድብ ብጻይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ዝምርሖ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት – ጀርመን ንኸካይድ መዲቡ ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ንክሳተፉ፣ ብኽብሪ ይዕድም።

 ኣ  ብ’ቲ ሰሚናር ዝላዓሉ ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦

 

  • “ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ” ዳርጋ ናይ ኩሎም ተቓውሞ ሓይልታት እዋናዊ ጭርሖ ኮይኑ ኣሎ፣ እዚ ጭርሖ’ዚ ኣብ ግብሪ ብኸመይ ይውዕልን? ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን፣ ሃገራዊ ልዑላውነትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ብኸመይ ይዑቀብ ምርኣይ።
  • ጉዳይ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን፣ ኣብ መስርሕ ምስንድኡ ተኸሲቶም ዘለዉ ምዕባሌታት ምድህሳስ።
  • ኣብ ኤርትራ እነማዕድዎ ለውጢ፣ መሰረታዊ ድዩ? ወይስ መልከዓዊ ኢዩ? እድማዒ ናይ ለውጢ ናውቲ ቃልሲ ኸ እንታይ ኢዮ?
  • ሰራትጂካዊ ኣገዳስነት ናይ ኤርትራ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ጎሊሁ ይርአ ምህላዉን፣ ናይ ዞባና ሃገራት ቆላሕታ’ውን ስሒቡ ብምህላዉ ብኸመይ ይምዘን?
  • ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ምዝታይን፣ ንመንእሰያትና ካብ’ዚ ኣቲዮሞ ዘለዉ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ብኸመይ ነድሕኖም።
  • ገበናት ስርዓት ህግደፍ ብምቅላዕ፣ መራሕቲ’ቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ እንታይ ክግበር ይግበኦ።

 ኣብ’ዚ ተዳሊዩ ዘሎ ሰሚናር፣ ብጻይ መሓመድ ስዒድ መፍለስ ኣቦ መንበር ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶን ካልኦት ኣባላት መሪሕነት ግሃድኤን መሓዙት ውድባትን ወከልቲ በርጌሳውያን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ዓበይቲ ሃገራውያን ተቓለስትን ምሁራትን ሰብ ሞያን፣ ወከልቲ ጨናፍር ግሃድኤ – ዞባ ኤውሮጳን ክሳተፍዎ ምዃኖም ንሕብር።

 ፖለቲካዊ ሰሚናር ፍራንክፎርት ቀዳም ዕለት 30 ጥሪ 2016 ሰዓት 12.00 ክጅምር’ዩ።

ኣድራሻ

Jugendherberge Frankfurt Haus der Jugend Deutschherrnufer 12 60594 Frankfurt/Main

ካብ ፍራንክፎርት ሃውፕት ባንሆፍ ኣውቶቡስ ቁጽሪ 46 ወሲድኩም ክሳብ Frankensteiner Platz (ፍራንከንሽታይነር ፕላትስ) ትጓዓዙ።

 

ብድሓን ምጹ!!

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *