
ብሓልዮት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን፡ (ግሃድኤሕ) ምንቅስቓስ ስምረት ንድሕነት ሃገርን (ምስድሃኤ) ኣባላት ኣመራረሓን ኣገደስቲ ካድራት ክልቲአን ውድባትን እተረኸቡሉ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ሽቱትጋርድ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ልደትን ናይ ሓባር ፈላሚ በዓል ተሰላሲሉ።
ብብጻይ ሚካኤል ኣጎስቲኖ ዝቀረበ ብስእሊ ዝተሰነየ ነቲ ኩሉ ዕዱም ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ዝመሰጠት “መንእዩ ኢሳያስ“ ዝብል ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ሰውራና ድሕሪ ምግላጽን መእተዊ ብመንእሰይ ሹማይ ተስፋኣለም ድሕሪ ምቅራቡን፡ እቲ ሰሚናር ብዕሊ ብዝኽሪ ሰማእታት ተኸፍተ::
ኣብዚ ኣባላት ኣመራረሓ ክልተ ወድባትን ኣገደስቲ ካድራትን እተረኽብሉ ዓብዪ በዓል፡ ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ብጻይ ዑቅባዝጊ ድቡስን ሓላፊ ውደባ ስምረት ንድሕነት ሃገር ኤርትራ ብጻይ ዮናስን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት እተሕልፎ ዘላ መሪር መድረኽን በቲ ሓደ መዳዩ፡ ህላውነት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ድማ በቲ ካልኣይ መዳዪ ንተሳተፍቲ በዓል መብርሂ ተዋሂቡ። እንኮ ፍታሕ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ኣሊኻ ኣብ ቦትኡ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ምዃኑ ዘስመረ መግለጺ,,,፡ ኣተሓላልዋን ምድኻማትን ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ድማ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ መፍትሒኡን’ውን መብርሂ ተዋሂቡ። መብርሂ ብምቕጻል ኣብ ሞንጎ 6ተ ውድባት ተበጺሑ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕብልናታትን ክኽየድ ዘለዎን መልእኽቱ
ኣመሓላሊፉ። ብጻይ ፍሰሃጽየን ገብረ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ብጻይ ማሕሙድ ዕላጅ ኣባል ኣመራረሓ ባይቶን፡ ካሎኦት ኣመራረሓን ኣገደስቲ ካድራት ክልቲኡ ውድባትን እተረኽብሉ በዓል፡ ብፍላይ ብብጻይ ዮናስ ተስፋስላሴ ሓላፊ ውድባ ስምረት ንድሕነት ሃገረ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ዝቐረቡ ፍሉይ መልኽእቲ ከምዝስዕብ ነበረ። ኩሉ ሃገራዊ ዕላማታትና ንምዕዋት ነቕ ዘይብል ዱልዱል ስርርዓ ጥራይ ከምዘድልን፡ ሓይሊ መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ ዘለዎ ምርጫ ዘየማትእ ክኸውን ከምዘለዎ ብትሪ ኣስሚሩሉ።
ብድሕሪኡ ዝቐጸለ መደብ ምዝንጋዕን ባህላዊ ምሸትን፣ ከምቲ ዝፍለጥ ካብናይ ዘመንና ኪነጥበባውያን ፖለቲከኛታትን ሞያውያን ብሉጽ ተወዳዳሪ መንእሰይ ዘርእሰናይ ግርማይ (ተዛረብ) ከምኡውን ካላኦት ጀጋኑ ኪነ ጥበባውያን እተሳተፉዎ በዓል ብክብ ዝበለ ድምቀት ተሰላሲሉ። በዓል ፍሉይ ዝገብሮ እንተነይሩ ካብቲ እተገብረሉ ዓቐን ሰብ ንላዕሊ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ንኹሉ መዳያት ሕብረተሰባት ኤርትራ ዘንጸባረቐ ስእሊ ብምንባሩ እዩ።

ካብ ተሳተፍቲ በዓል ከምዚ ዘበለ ምቅርራብን ኣገዳሲ መልእኽቲታት ዝመሓላለፈሉ በዓላትን ክድፈኣሉን መልእኽትታቱ ድማ ብፍላይ በተን ዝምልከተን ውድባት ብማዕከናት ብዙሃን ናብ ህዝቢ ክቐርብን ሰናይ ለበዋታት ተዋሂቡ።
ክፍሊ ዕዮ ዜና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ ነቲ በዓል ንምስንዳእን ንምምዕራግን ዘካየደት ሽማግለን ኪነጥበባውያንን ምስም ክልተ ውድባት ከየመስገነ ክሓልፍ ኣይደልን።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት
ውድቀት ንጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ፡
ክፍሊ ዕዮ ዜና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ፡